እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልተ መዓልቲ ሰለስተ ሰብ መዚ ጸጥታ ተቐቲሎም
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት ኣብ ክልተ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰብ መዚ ጸጥታ ተቐቲሎም፡፡
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ደጀንን ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ከተማ ሸዋ ሮቢትን ኣብ ዝነበሩ ሰብ መዚ ጸጥታ እዩ ተፈጺሙ፡፡
ቅትለት ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ሸዋ ሮቢት ዓብዱ ሑሴን ስዒቡ፡ ምምሕዳር እታ ከተማ ህጹጽ እዋንን ናይ ምንቅስቓስ ገደብን ኣንቢሩ ኣሎ፡፡
ኣብ ክልተ ከባቢታት እቲ ክልል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሓለፍቲ ፖሊስን ሓደ ሓላፊ ጸጥታን ከምዝተቐተሉ ቢቢሲ ካብ ሓለፍቲ እቶም ዞባታት ኣረጋጊጹ እዩ፡፡
ምምሕዳር ወረዳ ደጀን ከምዝሓበሮ፡ ሰኑይ 26 ሰነ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ዋና ኢንስፔክተር ዘውዱ ታደለን ሓላፊ ምክልኻል ገበን እታ ወረዳ ምክትል ኢንስፔክተር ወርቁ ሽመልስን ብዝተፈጸሞም መጥቃዕቲ ተቐቲሎም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ሓቢሩዎም ዝነበረ ኣባል ፖሊስ ዝኾነ መራሒ መኪና በቲ መጥቃዕቲ ከምዝቖሰለ ተገሊጹ፡፡
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ወረዳ ደጀን ኣቶ ካሳው ኣስፋው ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ እቲ ቅትለት ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዝነበረ እዩ፡፡
ብተመሳሳሊ ሰሉስ 27 ሰነ 2015 ዓ.ም ግእዝ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣብ እትርከብ ከተማ ሸዋ ሮቢት ላዕለዋይ በዓል መዚ ዝኾነ ኣቶ ዓብዱ ሑሴን ብዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተለ ተገሊጹ ኣሎ፡፡
ሓላፊ ጸጥታ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣቶ ዓብዱ ሁሴን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ከምዝተቐተለ ምምሕዳር ከተማ ሸዋ ሮቢት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ሓቢሩ፡፡
ነቲ ቅትለት ስዒቡ ጊዝያዊ ኮማንድ ፖስት እታ ከተማ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ሸዋ ሮቢት ‘‘ከቢድ ጸገም ጸጥታ ክፍጠር ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ምልክታት ይረኣዩ ከምዘለዉ’’ ብምጥቃስ ሓለዋ ጸጥታ ንምሕያል ዝተፈላለዩ ገደባት ከምዘንበረ ሓቢሩ፡፡
በዚ መሰረት ንዘይተወሰነ እዋን ካብ 12 ሰዓት ኣጋግዘ ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ሰባትን ተሸከርከርትን ዝተኸልከለ ኮይኑ፡ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት እውን ኣገልግሎት ከይህቡ ገደብ ተገይሩሎም ኣሎ፡፡
ክልል ኣምሓራ ዛጊድ ብዛዕባ እቶም ዝተፈጸሙ ቅትለታትን ዝተወሰደ ስጉምትን ዝበሎ ነገር የለን፡፡
ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን ወረዳ ደጀን ኣቶ ካሳው ኣስፋው፡ ነቶም ምስ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ተምሃሮ ተተሓሒዙ ካብ ዝነበሮም ስራሕ ዝምለሱ ዝነበሩ ሓለፍቲ ፖሊስ ኣብ መንገዲ ጸኒሑ ዝቐተለ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ነበር፡ መንነቱ ዝተፈለጠ ኮይኑ ዛጊድ ግን ኣብ ቀይዲ ከምዘይኣተወ ገሊጹ፡፡
ኣብ ከተማ ሸዋ ሮቢት በዓል መዚ ክቕተል እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ኣብታ ከተማ ደንቢ ጸጥታን ድሕነትን ምውጽኡ ስዒቡ ከንቲባ እታ ከተማ ተቐቲሉ እዩ፡፡
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብተመሳሳሊ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ብልጽግናን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ኣምሓራን ዝነበረ ኣቶ ግርማ የሺጥላ ከምዝተቐተለ ይዝከር፡፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ነቲ ሓላፊ ሓዊሱ ብውሑድ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐተሉ ተገሊጹ ነይሩ፡፡
ቅትለት ኣቶ ግርማ የሺጥላ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ንዝተፈጸሙ ቅትለታት ሰብመዚ ሓላፍነት ዝወሰደን ብዕሊ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለን የለን፡፡
ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ስሩዕ ትካላት ጸጥታ ክካተቱን ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ንምቁጽጻርን ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቓውሞ ከምዘስዓቡ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ፡፡