እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ከቢድ ሽግር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ጂቡቲ
ኣብርሃ (ስሙ ዝተቐየረ) ካብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ንምህዳም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ንዘዳለዉሉ ኣዝዩ ኣፀጋሚ መገዲ ተጠቒሙ ናብ ጂቡቲ ካብ ዝኣቱ ሓደ ዓመት ጌሩ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ነብሱን ስድርኡን ብንግዲ ዘመሓድር ዝነበረ ኣብርሃ ሐዚ ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከብ ይዛረብ።
ናብራ ስደት መሪር ክኸውን ከምዝኽእል ግምት እኳ እንተነበሮ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሆልሆል፡ ጅቡቲ ዘሎ ከቢድ ክኸውን እዩ ኢሉ ግን ኣይሓሰበን።
ንሓደ ሰብ ኣብ ወርሒ ሰለስተ ኪሎ ሓርጭ ስርናይን ክልተ ኪሎ ዘይተጥሓነ መሸላን ከምዝወሃቦ ኣብርሃ ይዛረብ።
ኣብዚ እዋን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሆልሆል ልዕሊ 7 ሽሕ ሰባት ክህልው እንከለው፡ ካብዚኦም እቶም ኣስታት 1,000 ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ነበርቲ እቲ መዓስከር ገሊፆም።
እቶም ስደተኛታት፡ ነቲ ዝወሃቦም መሸላ ኣጥሒኖም ክጥቀመሉ ዘኽእሎም መገዲ ስለዘየለ፡ እቲ ዝወሃቦም ክልተ ኪሎ ኣብቲ ከባቢ ኣጣል ንዘርብሑ ነበርቲ ብዝሓሰረ ዋጋ ክሸጥዎ ከምዝግደዱ ይዛረቡ።
ኣስታት ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ከባቢ 35 ሽሕ ስደተኛታት ተአንግድ።
ዓሊ ዓደህ ዝብሃል መዓስከር ንፍርቂ ካብቶም ስደተኛታት ዘአንግድ እንትኸውን፡ ሆልሆል ድማ 23 ሚኢታዊት ብምሓዝ ካልኣይ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ጅቡቲ እዩ።
እቶም ካልኦት መዓስከራት ኣብ ከተማ ጅቡቲን ማርካዚን ይርከቡ።
ኩነታት ሆልሆል
ኣብ መዓስከር ሆልሆል ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ርእሲ’ቲ ዘጋጥሞም መሰረታዊ ናይ ቀረብ ጸገማት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ድማ ብሰንኪ’ቲ ዓመታዊ ኣብ ጅቡቲ ዘጋጥም “ካምሲን” ዝበሃል ህቦብላ፡ ንጸገም መፅለሊ ተቓሊዖም ይርከቡ።
እቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ካብ ፕላስቲክ ዝስርሑ መዕቆቢታት ስለዘፍረሶም ብዙሓት ነበርቲ መፅለሊ ኣልቦ ከምዝኾኑ እቶም ስደተኛታት ይዛረቡ።
ካብ ወጋሕታ ሰዓት 4፡00 ጀሚሩ ክሳብ ቀትሪ ዝነፍስ እቲ ንፋስ፡ ከቢድ ሓደጋ ከንፀላልዎም ከምዝገበረ ወሲኾም ይገልፁ።
ኣብቲ መዓስከር ካብ ዝርከብ መፅለሊታት እቲ ልዕሊ ፍርቂ ብነፋስ ከምዝዓነወ ዝሓበሩ እቶም ስደተኛታት 12 መጽለሊታት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እቲ ንፋስ በቲ ዘሎ ኩነታቱ እንተቐጺሉ ብዘይ መጽለሊ ከይተርፉ ሰጊኦም ከምዘለዉ'ውን ይዛረቡ።
ትንበያታት ከምዘመልክትዎ፡ እቲ ህቦብላ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክጸንሕ ትጽቢት ይግበር።
እቶም ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዘብፅሓሎም ህቦብላ፡ ነቲ መዓስከር ንዘመሓድሩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ሓበሬታ ከምዝሃቡን ክሳብ ሕዚ ግን ዝኾነ ምላሽ ከምዘይረኸቡን ይገልፁ።
ወኪል ስደተኛታት (ዩኤንኤችሲኣር) እንታይ ይብል?
ቢቢሲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤን ኤች ሲ ኣር) ንዝኾነት ፈይዝ ካሲና ኣዘራሪቡ ነይሩ።
ንሳ፡ ብፍላይ ምስ ፀገም ቀረብ መግቢ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሃበትና መልሲ፡ ብሰንኪ ዓለማዊ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን ኩናትን፡ ነቶም ስደተኛታት እኹል መግቢ ምቕራብ ከምዘይተኽኣለ ኣረዲኣ።
“እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ ትካልና ሕጽረት ገንዘብ ስለዘጋጠሞ እዩ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ኣገልግሎት ንምሃብ ካብ ዘድልየና ገንዘብ፡ 27 ሚእታዊት ጥራይ ክንረክብ ኪኢልና ኣለና። ለገስቲ ብቐፃሊ ደገፍ ክገብሩ ከኣ ጻውዒት ነቕርብ" ክብል ፈይዝ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እንተኾነ ግን እቶም ስደተኛታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝበልዎ ጉዳይ መፅለሊ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተዓቂባ።
ጉዳይ ኣገልግሎታት
እቶም ስደተኛታት ከምዝብልዎ፡ ኣብ መዓስከር ሆልሆል ዝርከብ መደበር ጥዕና ምርመራ ኤችኣይቪን ኮሮና ቫይረስን ካብ ምግባር ወጻኢ፡ ዝኾነ ዓይነት መድሓኒታት፣ ኣገልግሎት ላቦራቶሪ ይኹን ሓኻይም የብሉን።
ንዝሓሸ ሕክምና ካብቲ መዓስከር 40 ኪሎሜተር ርሒቑ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ከምዝለኣኹ፡ እንተኾነ ግን ናብኡ ዝበጽሕ መጓዓዝያ ብዘይምህላዉ፡ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም ከምዘሎ ይዛረቡ።
ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥዕና ንዘሎ ሰብ ጥራይ ኣገልግሎት እትህብ ኣምቡላንስ፡ ኣብቲ መዓስከር ካብ እትርከበሉ እቲ ዘይትርከበሉ እዋን ይበዝሕ ይብሉ እቶም ስደተኛታት።
“ነዚ ሓሊፍና ክንኸይድ እንተፈቲንና ባዕልና መድሃኒት ክንገዝእ ንግደድ። እቲ ስደተኛ ገንዘብ ስለዘይብሉ ግን ብዘይ መድሃኒት ናብ መፅለሊኡ ተመሊሱ ይድቅስ” ይብል ኣብርሃ።
“ካብ ሆሎሆል ናብቲ ብቐረባ ዝርከብ ኣልሰበህ ዝብሃል ከባቢ ህዝባዊ መጓዓዝያ የለን። ምኻድ ከምዘይከኣል እናፈለጥካ ‘ሪፈር’ ምጽሓፍ ትርጉም የብሉን” ይብል ኣብርሃ።
ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጫት ፅዒና እትመፅእ መኪና ናብ እትርከበሉ ዝቐረበት ቦታ ብእግሮም ብምኻድ ለሚኖም ሕክምና ክረኽቡ ዝፍትኑ ስደተኛታት’ውን ኣለው።
ኣብ’ቲ መዓስከር እኹል ማይ ከምዘየለ ዝዛረቡ እቶም ስደተኛታት፡ እቶም ዝጸንሑ ገንእታት ማይ ከኣ ብፍላይ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጥራሕ ከምዝመልኡን ብተደጋጋሚ ክዕጸዉ ከምዝጸንሑን ሓቢሮም።
ብሰንኪ’ቲ ዘይ እኹል ቀረብ ማይ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ጥራይ ማይ ዝበፅሖም ስደተኛታት ከምዘለዉ ይዛረቡ።
በዚ ምኽንያት፡ ገለ ዝኸኣሉ ስደተኛታት ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ብእግሮም ተጓዒዞም ካብ ምንጪ (ፈልፋሊ ማይ) ቀዲሖም ይምለሱ። እዚ ግን ናብ ተላባዒ ሕማማት የቃልዖም ከምዘሎ ወሲኾም ይገልጹ።
እዚ ኩሉ ፀገማት ዘጋጥሞም ዘለዉ ዝበዝሑ ካብ ኦሮሚያን ትግራይን ዝሃድሙ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኮይኖም፡ ብፍላይ ብሰንኪ ጥሜት ናብ የመን ክስደዱ ከምዝውስኑ ይዛረቡ።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ የመን ዝተሰደዱ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ብመርትዖ ኣደጊፎም ናብ ቢቢሲ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤን ኤች ሲ ኣር) ፈይዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይረኺቡ ንድሌታት እቶም ስደተኛታት ከማልእ ከምዝጽገም ብምግላፅ ምስ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብምዃን ለገስቲ ገንዘብ ክህቡ ፃዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ኣረዲኣ።