ብዛዕባ እቲ ልዑል ተስፋ ኣሕዲሩ ዘሎ ዘተ ሰላም ኣዲስ ኣበባን መቐለን እንታይ ንፈልጥ?

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝርርብ ሰላም ንምክያድ ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ከም ዘቘመ ምስ ገለጸ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ናይ 19 ኣዋርሕ ኲናት ሓድሕድ ደው ንምባል ንሰሙናት ዝኣክል ዝርርብ ከካይዱ ምጽንሖም ዝገልጽ ጽንጽንታ ጋህዲ ገይርዎ።

ብ14 ሰነ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ዘካይድ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚቴ ከም ዝቘመ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ፍትሒ ጌድዮን ጢሞቲዮስ፡ ሓላፊ ጸጥታ ተመስገን ጥሩነህ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ድሕነት ምክልኻል ሃገር ሌተናል ጄነራል ብርሃኑ በቀለ ድማ ኣባላት እዚ ኮሚቴ ከም ዝዀኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ጠንቂ ሞትን ምምዝባልን ኣሽሓት ዝዀነ፡ ንርግኣት እታ ሃገር ዘናወጸን ውግእ ብሰላማዊ መገዲ ክዓርፍ ብብዙሓት ሰባት ልዑል ተስፋ'ኳ እንተተገብረሉ፡ እቲ ጕዕዞ ግን ገና ብዙሕ ብድሆታት ከም ዝህልውዎ ይግለጽ።

ሓደ ኣብ መስርሕ ሰላም ዝዓዪ ላዕለዋይ ዲፕሎማት፡ "ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ መስርሕ ዝርርብ ሰላም ኣገዳስን እወታውን ምልክታት” ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ “እቶም ሰልፊታት ኣብ መንጐኦም ንዘሎ ዘይምርድዳእ ብፖለቲካዊ መገዲ ፈቲሖም ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ውሳነኦም ክጸንዑ ተስፋ ንገብር” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ህወሓት፡ ነቶም ኣብ ዘተ ሰላም ዝውክሎም ኣባላት ወግዓዊ ኣይገበረን ዘሎ።

ነቲ ዝርርብ ብመንጐኝነት ዝመርሖ መን'ዩ?

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝርርብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ እንተዀይኑ ጥራሕ ከም ዝሳተፍ ኣትሪሩ ይገልጽ።

ህወሓት ግን ንሕብረት ኣፍሪቃ ስለ ዝነቕፎ፡ እቲ ዝርርብ ብፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ክካየድ እዩ ዝጠልብ።

እዚ ከኣ እቲ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ ዘሎ ዕንቅፋት ይመስል።

ኣብ መወዳእታ ነሓሰ 2021፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ንምህዳእ ክሰርሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመዚዙ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ኦባሳንጆ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያት ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብምኻድ ድማ ነቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ብምዝርራብ፡ ብ16 መጋቢት ሰብኣዊ ረድኤት ዝኣትወሉ መስመር ኣብ ምሽምጋል ተዋሲኡ።

ኣብ ዝመጽእ ነሓሰ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ክዛዝም ተዳልዩ ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ድማ፡ ኣብቲ ብኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ስዑዲ ዓረብን ዝድገፍ ዝዓበየ ቁጠባ ናይቲ ዞባ [ኢትዮጵያ] ሰላም ንምምጻእ ተመሳሳሊ ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ ።

ፕረዚደንት ኬንያታ እቲ ግጭት ምስ ተወልዐ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ንኬንያ ብምዕዳም፡ ነቲ ቅልውላው ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሖ ብቐጻሊ ክመክርን ክጽውዕን ጸኒሑ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ፕረዚደንት ኦባሳንጆ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቅርበት ኣለዎ ስለ ዝብሎ፡ ነቲ ዝርርብ መንግስቲ ኬንያ ክመርሖ ከም ዝደሊ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዘተ ሰላም ተራ ታንዛንያ'ውን ንህወሓት ምልክት ሕቶ ስለ ዝፈጠረሉ፡ ምንጭታት፡ ታንዛንያ ኣአንጋዲት ዘተ ሰላም ጥራሕ እያ ክትከውን ትኽእል ከም ዝበለ ይሕብሩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣባል ዘ-ክራይሲስ ግሩፕ ዊልያም ዳቪሰን፡ ህወሓት እቲ ዝርርብ ኣብ ኬንያ ክእንገድን ካልእ ተመሳሳልነት ዘለዎ መስርሕ ንከይህሉን ከም ዘጠንቀቐ ይገልጽ።

"እዚ ናይ ሰላም ዝርርብ ክዳሎ እንከሎ ኦባሳንጆን ኬንያን ዝመርሕዎ ተበግሶታት ብሓባር ክዓዩ እዩ ነይሩ እቲ ሓሳብ። ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዝግበር ንሕንሕ ግን ዓቢይ ጌጋ ከኸትል እዩ። ምኽንያቱ እዚ ኣጸጋሚ መስርሕ ዕርቀ ሰላም ካብቲ ቀንዲ ኣተኵሮኡ ከላግስ የብሉን" ኢሉ።

ሓደ ኣብቲ መስርሕ ዕርቀ ሰላም ዝተሳተፈ ኬንያዊ ዲፕሎማት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ዝርርብ ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ’ኳ እንተበጽሐ፡ ገና ተስፋ ዝህብ ስለ ዝዀነ ከነበላሽዎ ኣይግባእን" ኢሉ።

እቶም ብተደጋጋሚ ዝልዓሉ ጕዳያት እንታይ እዮም?

ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ደው ከብሉን፡ ህዝቢ ሩፍታ ክረክብን ንዓመታት ህዝብታት እታ ሃገር ከፋፊሎም ዝጸንሑ ጉዳያት ንምፍታሕን ዝሕግዙ ዝርርባት ክካየዱ’ዩ ትጽቢት ዝግበር።

ሓደ ኣብቲ ዘተ ካብ ዝለዓል ኣዘራረቢ ጉዳይ፡ ዋንነት ናይቲ ብባህርያዊ ጸጋታት ሃብታም ዝዀነ ክሳብ ምጅማር 'ቲ ኲናት ኣብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝጸንሐ፣ ክልል ኣምሓራ ይብጽሓኒ እዩ ዝብሎ ዘሎ ዞባ ምዕራብ ትግራይ እዩ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ነቲ ከባቢ “እጀታይ እዩ” ብምባል ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ኣእትይዎ ይርከብ።

መንግስቲ ትግራይ ግን፡ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ምምሕዳሩ ከም ዝዀነ ስለ ዝገልጽ፡ ኣብቲ ክጅመር ዝሕሰብ ዘሎ ድርድር ኣዝዩ ዘካትዕን ነቲ መስርሕ ዘተ ሰላም ኣብ ወጥሪ ክእትዎ ከም ዝኽእልን ይግመት።

እቲ ዛዕባ ክልቲኦም ጕጅለታት ብቐዳምነት ዝሰርዕዎ ጉዳይ እዩ።

ድሮ፡ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ይልቃል ከፋለ፡ ዋንነት እቲ ክልል "ሕጋዊ ንምግባር" ጻዕርታት ይካየድ ከም ዘሎ ተዛሪቡ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ዝርርብ ሰላም ንሃገራዊ ረብሓታት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከየውድቘ መብጽዓ ኣትዩ እዩ። ደገፍ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንኽረክብ ግን ኣትሪሩ ክዋሳእ ትጽቢት ይግበር።

ዳቪሰን፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝህሉ ዘይምትእምማን ነቲ መስርሕ ሰላም ኣብ ጸገም ከየውድቘ ጥንቃቐ ክግበር የዘኻኽር።

ብምቕጻል፡ "[ሕጂ] ካልእ ግጭት እንተተላዒሉ፡ እቲ መስርሕ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእን ዘስግእ ኵነታት ክፍጠርን ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ግደ ኤርትራ ኣብዚ መስርሕ ሰላም እንታይ እዩ ?

ጐረቤት ሃገር ኤርትራ፡ ኣብ እዋን'ቲ ግጭት፡ ሰራዊታ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኰይኑ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንክዋጋእ ብምልኣኽ ኣብቲ ውግእ ዓቢይ ተራ ጸኒሕዋ እዩ።

እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓትን ዝግበር ዘተ ግን ንኤርትራ ኣይክምእምኣን እዩ።

ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ህወሓትን ዘሎ ዓሚቕ ታሪኻዊ ጽልኢ፡ ነዚ መስርሕ ሰላም ዓቢ ስግኣት’ዩ።

ዊልያም ደቪሰን፡ ከም ክልል ኣምሓራ፡ ክልል ዓፋርን መንግስቲ ኤርትራን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ኣብ ዝርርብ ሰላም ጽቡቕ ድሌት እንተዘየርእዮም፡ ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ጽልዋ ክህልዎም ከም ዝኽእል የጠንቅቕ ።

"መንግስቲ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ መራሒ እታ ሃገር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ህወሓት ሰላም ንምፍጣር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝተቐበሎን ዝደገፎን ዘርኢ ንጹር ሓበሬታ የለን። እዚ’ኸ ናብ ምርግጋእ ከምርሕ ይኽእል ድዩ? ይብል ዳቪሰን።