እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሎም ክዛተዩ ብዛዕባ ዝተሓርዩ ሰባት እንታይ ንፈልጥ?
መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ነቲ 19 ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንኽፍታሕ፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ዝዛተ ጕጅለ መዚዙ።
እቲ ጕጅለ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኰይኑ፡ ሸውዓተ ኣባላት ከምዘለውዎ መንግስቲ ኣፍሊጡ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ቀሪቡ ኮሚቴ ሰላም ተመዚዙ ኣድላይ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
ፈጻሚን ማእከላይን ኮሚቴታት ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባታት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብመንጐኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝቐርቡ ኣማራጺታት ክርአ ምውሳኖም ገሊጾም።
ኣባል እቲ ጕጅለን ሚኒስተር ፍትሒን ዝኾነ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዮስ ከምዝገለጾ፡ እቲ ሰልፊ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንኽፍታሕ ዘኽእል መምርሒታት ኣዳልዩ ኣባላት እውን መዚዙ እዩ።
ምስ መራሕቲ ትግራይ ዝግበር ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዝምራሕ እውን ገሊጹ።
እቶም ሸውዓተ ኣባላት እቲ ጕጀለ ኸ በዓል መን እዮም?
1ይ. ኣቶ ደመቀ መኮንን
ኣባል ሰልፊ ብልጽግና ዝኾነ ኣቶ ደመቀ መኮንን ኣብ መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣብ ልዑል ሓላፍነት ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ።
ኣቶ ደመቀ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፍነት ምክትል ፕረዚደንትን ካልኦትን ተዋሂብዎ ዝሰርሐ እዩ። ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ መንግስቲ ፌደራል ሚኒስትር ትምህርቲ ኰይኑ ድሕሪ ምስርሑ፡ ንነዊሕ ግዜ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ኣቶ ደመቀ ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ብልጽግና ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጺሉ ዝዓበየ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብዚ እዋን'ዚ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
2ይ. ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዎስ
ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዮስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ካብ ዝተመዘዙ ሚኒስትራት ሓደ እዩ።
ዶ/ር ጌድዮን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ሰልፊ ብልጽግናን ሚኒስትር ፍትሒን ኮይኑ እናሰርሐ ይርከብ።
ዶ/ር ጌድዮን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ፡ ሴንትራል ዩሮፒያን ዩኒቨርስቲ፡ ሃዋሳ ዩኒቨርስቲን ሲቪል ሰርቪስ ዩኒቨርስቲን ዝተፈላለዩ ትምህርቲ ሕጊ ኣምሂሩ እዩ።
ኣብ መዳይ ሕጊ ካብ ዘለዉ ምሁራት ሓደ ዝዀነ ዶ/ር ጌድዮን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ኣብ ደረጃ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር በጺሑ እዩ።
3ይ. ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ
አቶ ተመስገን ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣብ መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ሰሪሑ እዩ።
ኣማኻሪ ፀጥታን ቴክኖሎጂን፡ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ፡ ምክትልን ኣካያዲ ስራሕ በዓል መዚ መገዲ ገጠር ክልል ኣምሓራ፡ ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ ህንጸት መገዲ ገጠር ክልል ኣምሓራ፡ ኣመሓዳሪ ዞን ምብራቕ ጐጃም፡ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሳብ መዓርግ ሻለቃ ዝበጽሐ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ኣብቲ ሰራዊት ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታ፡ ከምኡውን ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታ ኤሌክትሮኒክን ቴክኒክን ኰይኑ ከም ዝሰርሐ ይፍለጥ።
ኣቶ ተመስገን፡ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ ድሕነት (ኢንሳ) ካብ ዝመስረቱ ኣባላት ሓደ ክኸውን እንከሎ፡ ናይቲ ትካል ዳይሬክተር ክሳብ ምዃን በጺሑ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ፡ ብማዕርግ ሚኒስትር ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ሰሪሑ እዩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ብዝነበረ ቅልውላው፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ምስ ተቐትለ ንውሱን ግዜ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኰይኑ ነይሩ።
4ይ. ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን
ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ክልል ደቡብ፡ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ፌደራል መንግስቲን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ንነዊሕ ግዜ ሰሪሑ እዩ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ፡ ሚኒስትር ኮሙኒኬሽን መንግስቲን ሚኒስተር መንእሰያትን ስፖርትን ኰይኑ ከም ዘገልገለ ይፍለጥ።
ካብኡ ንደሓር፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ን20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ ርክብ ክሕደስ እንከሎ፡ ናይ መጀመሪያ ኣምባሳደር ኢትዮጲያ ኰይኑ ኣብ ኣስመራ ሰሪሑ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ካብ ኣስመራ ተመሊሱ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወጻኢ ኰይኑ ብፍላይ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ተወልዐ፡ ብዛዕባ መርገጽ መንግስቲ ንዲፕሎማሰኛታትን ማሕበረሰብ ዓለምን መግለጺ ብምሃብ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣማኻሪ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ከምዝተመዘዘ ይዝከር።
5ይ. ሌ/ጀኔራል ብርሀኑ በቀለ
ዋና ኣዛዚ 'ሪፐብሊካን ጋርድ' ዝነበረ ሌተናል ጄነራል ብርሃኑ በቀለ፡ ንዝሓለፉ 30 ዓመት ኣብ ሃገራዊ ምክልኻል ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ሰሪሑ እዩ።
ኣብ'ዚ እዋን፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ድሕነት ምክልኻል ሃገር፡ እዩ።
ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር ራያን ምዕራብን ተሳትፎ ከም ዝነበሮ ኸኣ ይንገር።
ኣብቲ ኲናት ብዝነበሮ ኣስተዋጽኦ፡ ኣብ ባይቶ ተወክልቲ ህዝቢ፡ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ናእዳ ካብ ዝረኸቡ ላዕለዎት መኮንናት ሓደ እዩ።
6ኛ. ዶ/ር ጌታቸው ጀምበር
ዶ/ር ጌታቸው ጀምበር ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ንነዊሕ ግዜ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ምክትል ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ኣቐዲሙ፡ ሓላፊ ልምዓት ሃብቲ ማይን ቤት ጽሕፈት ሞያን ቴክኒክን ክልል ኣምሓራ ኰይኑ ከም ዘገልገለ ይፍለጥ።
7ኛ. ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድር
ኣምባሳደር ሓሰን ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ መንግስቲ ዘለዎ ተሳትፎ ዝገልጽ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ገለ ምንጭታት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መዳያት ዲፕሎማሲ ከም ዝሰርሐ ይገልጹ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ክፍሊ 'ማእከል ዲሞክራሲ' ኣብ ላዕለዋይ ሓላፍነት ዝሰርሕ ዘሎ ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድር፡ ኣባል ቦርድ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን'ውን እዩ።