መራሕቲ ትግራይ ኣይንደራደረሎምን ዝብልዎም ዘለዉ ጉዳያት እንታይ እዮም?

ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ንልዕሊ 19 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ብዘተን ድርድርን ንምፍታሕ ድሉዋት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም፡ ተስፋታት ሰላም ምቅልቓል ጀሚሮም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ብመንግስትን መራሕን ኬንያ ዝተዳለወ ሽምግልና ንምስታፍ ላዕለዎት ተወከልቲ ከምዝልእኽ 13 ሰነ 2022 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ብሰሉስ ኣብ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ቀሪቡ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድማ ንሰላም ድሉዋት ምዃኖምን ድሮ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚተ ልዝብ ከምዝቘመን ኣፍሊጡ እዩ።

ዋላ'ኳ ክልቲኦም ወገናት ንድርድር ድሉዋት ምዃኖም ይገልጹ እንተሃለዉ፡ ብወገን መንግስቲ ትግራይ “ናብ ድርድር ዘይቀርቡ” ዝተባህሉ ነጥቢታት ከም ዘለዉ ዶ/ር ደብረጽዮን ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ንመራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣቐሚጡ ኣሎ።

እዞም ነጥቢታት እንታይ እዮም?

ኵነታት ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ምምላስ

ድሕሪ ነዊሕ ምፍጣጥ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ኲናት ከም ዝተወለዐ ምስተገለጸ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ነቲ ኣብ ትግራይ ዘቕርቦ ዝነበረ ኣገልግሎታት ስልኪ፡ መብራህትን ኢንተርነትን ከም ዝቋረጽ ገይሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍቱን ንከተማ መቐለን መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይን ተቘጻጺሮም፡ ሓድሽ ግዝያዊ መንግስቲ ምስ ቈመ ድማ ኣብ ውሱን ከባቢታት ኣገልግሎት ባንኪ፡ መብራህትን ስልክን ጀሚሩ ነይሩ።

እንተዀነ ሓይልታት ትግራይ ዳግመ ውደባ ገይሮም ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ምስተቘጻጸሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም እንደገና ነታ ክልል ዘቕርቦ ዝነበረ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብምቍራጹ ናብ ምሉእ ዕጽዋ ኣእተዋ።

ኣብ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ኣገልግሎታት ስልኪ፡ መብራህቲ፡ ባንኪ፡ ኢንተርነትን መጓዓዝያን የለን። እዚ ድማ ነበርቲ እቲ ክልል ንኣዝዩ ዝኸበደ ሰብኣዊ ቅልውላው ክቃልዑ ገይሩ። በዚ ድማ ሰብመዚ ትግራይ ኵሎም ኣገልግሎታት ብዘይ ዝዀነ ቅድመ ኵነት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ እዮም ዝሓቱ።

ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ግዝኣት ትግራይ ምምላስ

ድሕሪ ውድቀት ደርግ ብኢህወደግ ዝምራሕ ፌደራላዊ መንግስቲ፡ ዝተኣታተዎ ኣወቓቕራ ክልላት፡ ኣብ ገለ ምምሕዳራዊ ከባቢታት ሕቶ ይግባኣኒ ከልዕል፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ክሳብ ጐነጽ ዝበጽሕ ምትፍናን ክፈጥር ጸኒሑ እዩ።

ከም ኣብነት ብወገን ክልል ኣምሓራ፡ በቲ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዕራብ ትግራይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባብን ገለ ክፋል ድቡባዊ ትግራይን ይግበኣኒ እዩ ዝብል ሕቶ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝተወልዓሉ ድማ ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ዕድል ከም “ መምለሲ ርስቲ” ተጠቒሞም ነቲ ዋንነት ክሓትሉ ዝጸንሑ ከባቢ ተቘጻጺሮምዎ።

ኣብዚ እዋን ዳርጋ ምሉእ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይርከብ። ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፋለ፡ ብከባቢታት ወልቃይት ከም ዘይደራደሩ ገሊጹ እዩ።

መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ እቶም ነቲ ከባቢ ተቘጻጺሮምዎ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ነቲ ከባቢ ለቒቘም ክወጹን፡ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ምምሕዳራት ትግራይ ናብ ዝነበሮ ክምለስን ይጽውዑ፣ ንሱ እንድሕር ዘይተመሊሱ ግን ዘተ ሰላም ውጽኢት ከምዘይህልዎን ይዛረቡ።

ፈረንሳዊት ጋዜጣ ለሞንድ ኣብዚ ቕነ፡ መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ምዃኖምን ኣብ ከይዲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዎም ሕቶ ይግበኣኒ እናገደፍዎ ክመጹ ከም ዝኽእሉን ድሕሪ ምግላጹ፡ ዶ/ር ደብረ ጽዮን ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ጸብጻብ ጌጋ ከምዝዀነን ምዕራብ ትግራይ ብዝኾነ ይዅን መንገዲ ከም ዝመልስዎን ገሊጹ እዩ።

ኣብቲ ኲናት ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓጊዞም ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ውን ንገለ ከባቢታት ትግራይ ሒዞም ከምዘለዉ ዝገልጹ መራሕቲ ትግራይ፡ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኵለመዳያዊ ምትእትታው ደው ክተብል ይጽውዑ። ነዞም ክስታት ዝነጽግ መንግስቲ ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ ብሓይልታት ትግራይ ትንኮያታት ይፍጸምዎ ከምዘለዉ እዩ ዝሕብር።

 ረፈረንደም

ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ኣብ ትግራይን ተጋሩን ጉዳይ መሰል ርእሰ ውሳነ “ረፈረንደም” ብዓውታ ዝስማዕ ድምጺ ኮይኑ ኣሎ። መራሕቲ ትግራይ እውን ንከተማ መቐለ ካብ ዝቈጻጸሩ፡ ኣብዚ ጉዳይ ከምቲ ‘1983 ዓ/ም ዝነበርዎ ኣይክኾኑን’ ክብሉ ብተደጋጋሚ ይስምዑ እዮም።

ክሳዕ ሕጂ ብዘለዎም ኣቕዋም፡ ህዝቢ ትግራይ ህልውናኡ ኣብ ኢትዮጵያ ክውስን ክፍቀደሉ እዩ ይብሉ። ሎሚ ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዘለዉን ተጋሩ ብዛዕባ “ሃገርነት ትግራይ” ምውጋዕ መዓልታዊ ዛዕባታት እዮም። ቍጽሮም ዘይንዓቕ ነዚ ዛዕባ ዝጕስጉሱ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ እውን ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት መራሕቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝህብዎ መግለጺታት ግን፡ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃናን፡ ኰይና ከምእትቕጽልን ኣረጊጾም ይዛረቡ።

ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘሎ ጽንፍታት ነቲ ልዝብ ሰላም ኣጸጋሚ ክገብሮ ከም ዝኽእል ብዙሓት ይግምቱ።

ኣብቲ ኲናት ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት ዝምልከት ተሓታትነት ክህሉ

መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ኣምሓራን ገበን ዓሌት ምጽናት (ጀኖሳይድ) ከምዝፈጸሙን ሐዚ እውን ይቕጽል ከምዘሎን እዮም ዝኸሱ።

ሕቡራት ሃገራትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን'ውን ቅትለት፡ ዓመጽን ዝምታን ዝርከብዎም ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረጉ ገበናት ብዅሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ከም ዝተፈጸሙ ክገልጹ ጸኒሖም።

ንምዕራብ ትግራይ ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ ገበን ምጽጻይ ዓሌት (ኢትኒክ ክሊንሲን) ከምዝፈጸሙ ሓባራዊ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ወችን ምቅልዑ ዝዝከር እዩ። ሓይልታት ትግራይ ተቘጻጺሮምዎም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ኣምሓራ'ውን ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝፈጸሙ ክስታት ይቐርበሎም።

ኵሎም ሓይልታት ግን በብወገኖም ነቲ ዝቐርበሎም ክሲ ክነጽግዎ እዮም ዝስምዑ።

መራሕቲ ትግራይ እቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት ብናጻን ዘይሻራውን ኣካል ክምርመሩ ብተደጋጋሚ ይጽውዑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ካብቲ ባዕሉ ዘጣየሾ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያን መርማሪ ጕጅለ ሕብረት ኣፍሪቃን ወጻኢ ዝዀነ ዓይነት መጽናዕቲ ክካየድ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ነቲ ብሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኲናት ዝተፈጸሙ ገበናት ንምጽራይ ዝቘመ ጕጅለ እውን በጀት ከይስለዓሉ ኣብ ኣኼባ እቲ ባይቶ ተኸራኺሩን ናብታ ሃገር ኣትዩ ክምርምር ከም ዘየፍቅደሉን ገሊጹ እዩ።

ቅድመ ኵነት መንግስቲ ትግራይ ክፍሊት ግቡእ ካሕሳ'ውን ዘጠቓልል እዩ።

ቀጻልነት ሰራዊት ትግራይ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ሰፊሩ ዝነበረ ሰራዊት እዝ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ድሕሪ ምኽሳስ፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክውሰድ መምርሒ ድሕሪ ምሃቡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራን ክልላትን ኣብ ዝጀመርዎ ወፍሪ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ንብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቘጻጺሮምዎ።

እንተኾነ መራሕቲ ትግራይ ዝተረፉ ዕጡቓቶም ሒዞም ኣብ በረኻታት ትግራይ ናይ ደባይ ኲናት ቀጺሎም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ህወሓት ከም ዘብቀዓሉን ናብ ሓርጭ ከም ዝተበተነን ገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ ሓይሎም ኣጠናኺሮም፡ ካብ በረኻታትን ጐቦታትን ቆላ ተንቤን ተበጊሶም ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ብምቍጽጻር ክሳብ ደብረብርሃን ክጓዓዙ ክኢሎም ነይሮም።

ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ካብ ቀለልቲ ኣጽዋር ክሳብ ሜካናይዝድ ዝተዓጠቐ ገዚፍ ሰራዊት ሃኒጾም ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝሓዝዎ ዕጥቂ ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱ ከምዝኽእሉ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

መራሕቲ ትግራይ ግን ሰራዊቶም ከም ዝቕጽልን ዝያዳ ከምዘጠናኸርን እዮም ዝገልጹ። መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብዚ ሰሙን ዝሃቦ መግለጺ እውን ነዚ ዘረጋግጽ እዩ።

ኣብዚ እዋን እቲ ሞት ኣሽሓትን ስቓይ ሚልዮናትን ዝወለደ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝስርሑ ተስፋታት ኣዛይድዎ ኣሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ፡ እቲ ንኽልቲኦም ወገናት ንምቅርራብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዋላ ዝደንጐየ እንተዀነ ምዕባለታት ግን የርኢ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኣብ ዝዀነ ግዜ ለውጢ ከም ዝመጽእ ድሕሪ እቲ ንመወዳእታ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ ምብጻሕ ንቢቢሲ ተዛሪቡ እዩ።

እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ዝቐርቡ ዘለዉ ቅድመ ኩነታት፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላትን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይግሉጽ መርገጺታትን እቲ ምዕባለ ንድሕሪት ከይምለስ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።