ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቑጠባ ጸዊዑ

 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ምስሕሓብ ዶብ ይጋድድ ኣብ ዘሎሉ እዋን፡ ሓላፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ‘ህድኣትን ዘተን’ ጸዊዑ።

 ሙሳፋቂ ማሃማት፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝኾነ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሐኦ ይግባእ ኢሉ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ ምስ ኢትዮጲያ ዘዳውብ ከባቢታት ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዘካየደ ኣመሓደርትን ነበርትን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ረቡዕ 16 ሰነ 2014 [ግእዝ] ተፈጢሩ ብዝተባህለ ግጭት፡ ሸውዓተ ወተሃደራትን ሓደ ሰላማዊ ሰብ ብሓይልታት ኢትዮጲያ ከም ዝተቐትሉ ብምግላጽ፡ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘስምዓቶ ክሲ እዩ ነቲ ወጥሪ ኣለዓዒልዎ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሰራዊት ሱዳን ብመዳፍዕን ሞርታራትን ካልኦት ከበድቲ ኣጽዋርን፡ ኣብቲ ከባቢ ደብዳብ ከም ዘካየደ፡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣርማጭሆ ኣቶ ደላሰኝ ኣያና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሕጂ ወተሃደራት ሱዳን ነቲ ከባቢ ብሓይሊ ኣብ ርእሲ ምሓዞም፡ ናብ ግዝኣት ኢትዮጲያ ብምእታው፡ ምስ ሚሊሻታት ከባቢ ብዝገበርዎ ግጭት ጉድኣት ከም ዝወረደ፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣተሓሒዙ ይገልጽ።

ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣመና ጽዑቕ ምንባሩን፡ ክሳብ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ’ውን እቲ ደብዳብ ከም ዝቐጸለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብተወሳኺ ገሊጾም።

መንግስቲ ሱዳን ግን፡ እቲ ግጭት ብሰንኪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሱዳን ከም ዝተኸስተን ዝነግር መግለጺ እዩ ኣውጺኡ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ሱዳናውያን ምሩኻት ኣብ ኣደባባይ ቀቲሉ ዝብል ብሱዳን ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ፡ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ቦታ ግጭት ከምዘይነበረን፡ እቲ ክስተት ኣብ መንጐ’ቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዝኣተወ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳንን ሚሊሻታት ከባቢን ዝተፈጥረ እዩ፡ ኢሉ።

ኣቶ ደሳለኝ፡ እቲ ግጭት ዝተፈጥረ፡ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓይሊ ዝሓዞን፡ መንግስቲ ድማ ብዘተ ክፍታሕ እዩ ዝበለሉን፡ 30 ሽሕ ሄክታር መሬት ሰጊሩ ንውሽጢ ኣብ ዝኣተወሉ ከም ዝተፈጥረ የነጽር።

እቶም ንሱ፡ “ወተሃደራት ሱዳን እናመርሑ ዝመጽኡ ኣርባዕተ ተለኣኣኽቲ ህወሓት” ዝበሎም ሰባት ወሲኽካ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ብወገን ሚሊሻ ድማ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ዝቘሰሉ ድማ ከም ዘለውን ይዛረብ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጲያ ነቲ ብሰኑይ ዝቐረበሉ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ግጭት ዝተፈጥረ፡ ብደገፍ ህወሓት፡ ዶብ ሰጊሩ ብዝኣተወ ምዱብ ሰራዊት ሱዳን ዝተፈጥረ ግጭት እዩ ብምባል፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ።

መራሕቲ ትግራይ ነዚ ብምንጻግ፡ መንግስቲ ኣንፈት ንምጥምዛዝ ዓሊሙ ንህወሓት ተሓታቲ ምግባር’ዩ ብምባል፡ ነቲ ተግባር ከም ዘይወዓሎ ይገልጽ።

ኣብቲ ብሰሉስ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ከምዚ ዓይነት ክሲ ምቕራቡ፡ እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝምራሕ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ዕቱብነት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ምዃኑ ኣሚቶም።

ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሰንኪ ዘይተፈትሐ ዘሎ ሕቶ ይግብኣኒ፡ ኣብ ክልቲኡ ወገን ብዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ሓሓሊፉ ግጭት ከጋጥም ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ንመዓልታት ዝቐጸለ ወጥሪ ኣስዒቡ ኣሎ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ግጭት ከይዓርግ ስግኣት ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ውሑስ ከባቢ ክግዕዙ ከም ዝሓስቡ ይገልጹ’ለው።

በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ግራውትን ሓፈሻዊ ቦታታት ሕርሻን ጉድኣት ከም ዘውረደ ግን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ይገልጽ።

ብሰንኪ’ዚ ብዝተፈጥረ ስግኣት፡ ነበርቲ ካብ ንቡር ዕዮ ማሕረስ ከም ዝበዀሩ ሓቢሮም።

ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ከም ዝተኣጓጐለን፡ እታ መሰጋገሪት ኰይና ዝጸንሐት ገላባት ዝተባህለት ቦታ’ውን ከም ዝተዓጽወት ኣመሓዳሪ ኣቶ ደሳለኝ ይገልጽ።

እቲ ብማዕከናት ዜና፡ ኣብ መንጐ ወተሃደራት ክልቲአን ሃገራት፡ ኲናት ከም ዝተኻየደ ዝገልጽ ዜና ሓቅነት ከም ዘይብሉ ዝገለጸ ኣቶ ደሳለኝ፡ እቲ ዝኸውን ዘሎ ብወገን ሱዳን ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት ጥራይ እዩ ኢሉ።

ብኻልእ ሸነኽ ወሃቢ ቓል ሓይልታት ሱዳን፡ ሰራዊት ሱዳን ዶብ ሰጊሩ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝማረኸን ዝገልጽ ዜና ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ገሊጹ’ሎ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት’ታ ሃገር ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰራዊትን ነበርትን እቲ ከባቢ ከም ዝተዘራረበ፡ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ገሊጹ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝተወልዐ ኲናት፡ ወተሃደራት ሱዳን ነቶም ኣከራኸርቲ ኰይኖም ዝጸንሑ ቦታታት ብሓይሊ ከም ዝሓዙን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሱዳን ወተሃደራታ ከተውጽእን እቲ ጉዳይ ብዝርርብ ክፍታሕን ክትሓትት ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣቶ ደሳለኝ፡ ስናር፡ ገላሉባን፡ ጐረደም፡ ልዕላይን ታሕታይን ኣቦጠር፡ ከምኡ’ውን ሰላም በር ዝተባህሉ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሱዳን ኣትዮም ጸኒሖም ኣለው።