ኣብ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዝተፈጥረ ሓድሽ ኵነታት እንታይ እዩ?

ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ሓደ 'ስቪል' ዝርከቦም ሸውዓተ ወተሃደራታ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉ ዘቕረበቶ ክሲ ብምንጻግ ዕጡቓት ሚሊሻ ዝፈጸሙዎ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብምኽንያት እቲ ክልቲአን ዝስሓሓባሉ ልሙዕ መሬት ኣልፋሻጋ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ግጭታት ብተደጋጋሚ ክለዓሉ ጸኒሖም።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሱዳን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ብ22 ሰነ 2022 ኣብ ከም ዝተማረኹን ናብ ኢትዮጵያ ተወሲዶም ከም ዝተቐትሉን ገሊጹ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ክስተት ኣመልኪቱ ዝወጽኡ ሓቅታት ምዝባዕ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኣብ ሞንጎ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ዝኣተው ወተሃደራት ሱዳንን ናይቲ ከባቢ ሚሊሻን ብዘጋጠመ ግጭት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። እቲ ክስተት ከም ዝምርምሮ እውን ሓቢሩ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ኣብ ዝተፈጸመሉ ቦታታት ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ ወተሃደራቱ ኣብቲ ቅትለት እቶም ሱዳናውያን ምሩኻት ከምዘይተሳተፉ ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ነጺግዎ። 

ወተሃደራታ ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉ እትኸስስ ሱዳን ግን፡ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደራ ናብ ካርቱም ከም ዝጸውዓቶ ተገሊጹ። ብተወሳኺ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ክስተት ወግዊ ስምዕታ ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንምቕራብ ይዳሎ ምህላው ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “መንግስቲ ሱዳን ነቲ ክስተት ካብ ምዕራግ ክዓግቶን ነቲ ኩነታት ዘህድኡ ስጉምታት ክወስድ ትጽቢት ከም ዝገብርን” ኣብሪሁ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ብፍላይ ምስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ሩባ ኣባይ ትሃንጾ ዘላ መመንጨዊ ጸዓት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ብዝተሓሓዝ ርክበን ክሕርፍፍን ወጥርታት ክርኣየንን ጸኒሑ’ዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ሱዳን ከም ዝሃደሙ ይፍለጥ።

ክሳብ ሕጂ ዝወጽኡ ዘለው ጸብጻባት እንታይ ይብሉ?

ሱዳን፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ሓደ ሲቪል ዝርከቦም ወተሃደራተይ ቀቲላ ክትብል ከሲሳ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ቕትለት ብሰንኪ ኣብ ሞንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሚሊሻታትን ብዘጋጠመ ረጽሚ ዝሰዓበ ምዃኑ ይምጕት።

ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለ ብሕታዊ ማዕከን ዜና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንወተሃደራዊ ምንጪታት ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ዶብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ከተማ ኣል-ቁሬይሻ ስጕምቲ ምስ ወሰዱ ኣብ መንጐ ኣባላት ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ግጭት ከም ዝተላዕለ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት ብ22 ሰነ 2022 ከም ዘጋጠመ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ንምሕላው ብዝብል ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከተማ ኣል ቁሬይሻ ሰፊሮም ዝብል ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኡ ዓሰርተ ወተሃደራቱ ናብቲ ከባቢ ከም ዝልኣኸ ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን፡ ብመሰረት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽኡ ጸብጻባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝዋሰናሉ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ከተማ መተማ ግጭታት ከም ዝነበሩ ተሓቢሩ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሽመት መገዱቃ ዝተባህለ ጣብያ፡ ዕጡቓት ሱዳን ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ካብ ሕርሻዊ ንጥፈቶም ከም ዝተጐናደቡ ተገሊጹ።

ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ፡ ንኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጐንደር ኣቶ ቢክስ ወርቁ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ “ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈሩ 246 ሰብ ሃብቲ ስርሖም ደው ኣቢሎም ኢሉ።”

ማዕከን ዜና መንግስቲ ሱዳን ሱና፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ነቶም ሱዳናውያን ምስ ቀተሉ “ኣስከሬኖም ኣብ ኣደባባይ ንህዝቢ ኣርእዮምዎ” ብምባል፡ ነዚ ተመጣጣኒ ስጕምቲ ብምውሳድ ምላሽ ከም ዝህበሉ’ውን ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ምብጻሕ ከም ዝገበረ ዝንገረሉ ዘሎ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን “እቲ ምላሽ ኣብ ባይታ ዝርአ ክኸውን’ዩ” ከምኡ’ውን “ናብ መሬት ሱዳን ዝግበር ካልእ ምንቅስቓስ ኣይፍቀድን” ምባሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን፡ “እቲ ክስተት ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እቲ ግጭት ብድጋፍ ህወሓት ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ብዝኣተው ወተሃደራት ሱዳን ዘጋጠመ’ዩ” ብምባል ንኽሲ ሱዳን ኣቈናጺብዎ።

ህወሓት፡ ነዚ ዝቐረበሉ ክሲ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘረባ ዘስምዐ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን፡ መንግስቲ ምስ ሱዳን ዘለዎ ወጥሪ “ብምሕዝነት ንምፍታሕ ሰላማዊ መገዲ ዝርርብ ከም ዝመርጽ” ተዛሪቡ ነይሩ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሰዶ ስጉምቲ ሕጋዊ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ወራር ፈጺሙ ብምባል፡ ኢትዮጲያ ክትከስስ ጸኒሓ እያ።

መንቀሊ እቲ ግጭት እንታይ’ዩ?

ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ልሙዕ መሬት ኣልፋሸጋ ክዋጠጣን ናብ ግጭት ክኣትዋን ምጽንሐን ይፍለጥ።

ኣልፋሸጋ፡ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሱዳን ብሕዳር 2020 ወተሃደራታ ናብቲ ከባቢ ክተሰፍር እንከላ፡ ብግንቦት 2021 ምሉእ ብሙሉእ ከም ዝተቘጻጸረቶ ኣዊጃ። ኣብቲ ከባቢ ብዝለዓሉ ግጭታት፡ ብዙሓት ወተሃደራት ሱዳንን ሓረስቶትን ሞይቶም’ዮም።

ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምቅዳው ብድርድር ንምፍታሕ፡ ሱዳን ካብቲ ብሓይሊ ዝሓዘቶ ከባቢ ክትወጽእ ኣለዋ ዝብል ቅድመ ኩነት ኣቐሚጣ እያ።

ሱዳን ብወገና፡ ካብቲ ካብ ኢትዮጵያ መንዚዓ መሊሳ ዝወሰደቶ መሬት ከም ዘይትወጽእ ኣፍሊጣ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ደመቀ መኮንን ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ መንግስቱ ነቲ መሬት ንምምላስ፡ “እቲ ጉዳይ ብምሕዝነት ንምፍታሕ ሰላማዊ መገዲ ዘተ ይመርጽ” ኢሉ ነይሩ።

እንተዀነ፡ “መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እንከሎ፡ ሱዳን ዶብ ምጥሓሳ ዘሕዝን’ዩ” ብምባል ሓይልታት ሱዳን ኢትዮጵያውያን ከም ዘፈናቐሉን ንብረቶም ከም ዘዕነውን ገሊጹ።

ኩርናዕ ኣልፋሸጋ

ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኮይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሸጋ ብዝብል ይፍለጥ። ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ልሙዕ መሬት ይምነዩ።

ኩርናዕ ኣልፋሸጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ። እዚ 250 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ዘለዎ ከባቢ’ዩ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብዚ ከባቢ ሕቶ ይግብኣኒ ኣለወን።

ቅድሚ ሕጂ፡ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምምልካት ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባር ስምምዓት ገይሮም ነይሮም።

ስምምዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝሓንጸጽዎ ዶባት፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ሕጂ ሒዘናኦ ዝርከባ ቅርጽን መልክዕን ኣትሒዙወን እዩ።

እዚ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዶባት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስሕሓብ ከልዕል ጸኒሑ’ዩ። ቅድሚ ዓሰርታት ዓመታት ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኦጋዴን ኲናት ተላዒሉ ነይሩ።

ከምኡ’ውን ቅድሚ 20 ዓመታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ባድመ ይግብኣኒ ብዝብል ምስምስ ናብ ኲናት ኣትየን ነይረን።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ድማ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንነዊሕ ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ 774 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ዶባተን ንምጥራር ዘኽእል ዝርርብ ጀሚረን ነይረን።

ኣልፋሸጋ ግን፡ በዚ መገዲ ፍታሕ ክርከበሉ ኣይተኻእለን።

ብመሰረት ኣብ1902ን 1907ን [ኣ. ኤ] ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ዝተገብረ ምምልካት ዶብ፡ እቲ መሬት ናብ ሱዳን ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብሪ ክኸፍሉ ጸኒሖም።

መንግስታት እዘን ሃገራት ክገብራኦም ድሕሪ ዝጸንሓ ድርድራት ብ2008 [ኣ. ኤ] ኣብ ስምምዕ በጺሐን ነይረን።

በዚ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ነቲ ሕጋዊ ዶብ ኣፍልጦ ክትህቦ እንከላ ሱዳን ድማ ኢትዮጵያውያን ብዘይ ዝዀነ ጸገም ኣብቲ ግዝኣት ክነብሩ ፈቒዳ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ዙርያ ኣልፋሸጋ ንዓመታት ዝጸንሐ ሕቶ ይግብኣኒ ዘለወን ኰይኑ፡ እዚ ምላሽ ንኽረክብ ኮሚሽን ዶብ ኣጣይሸን ክዘራረባ'ኳ እንተጸንሓ መዕለቢ ኣይረኸበን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቱርኪ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለወን ምስሕሓብ ዶብ ንምፍታሕ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ክተሸማግል ሕቶ ኣቕሪባ ነይራ።

እንተዀነ ሱዳን ሰራዊታ ካብቲ ዝተቘጻጸሮ ቦታ ከም ዘይተውጽእ ክትገልጽ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ስጕምቲ ሱዳን ወራር ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ዝዀነ ዓይነት ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ ክወጽኡ ትሓትት።