እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ስግኣታት ንምግታእ ወተሃደራዊ ባጀታ ክብ ኣቢላ
ስግኣታት "ይዓርግ" ከም ዘሎ ዘጠንቀቐት ቻይና፡ ኣብዚ ዓመት ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብልዕሊ 7 ሚእታዊት ክትውስኽ ምዃና ኣፍሊጣ።
እዚ ዝተገለፀ ኣብቲ ንሳልሳይ እብረ ዝቕጽል መሪሕነት ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ከረጋግጽ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣኼባ ሃገራዊ ህዝባዊ ኮንግረስ (National People's Congress (NPC) እዩ።
ኣስታት 225 ቢልዮን ዶላር (186 ቢልዮን ፓውንድ) ዝበጽሕ ወተሃደራዊ ባጀት ቻይና፡ ካብቲ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዓብዮ ባጀት ኣሜሪካ ኣዝዩ ዝተሓተ ከምዝዀነ ይፍለጥ።
ተንተንቲ ግን፡ ቻይና ኣብ ምክልኻል እተውፅኦ ወጻኢ ኮነ ኢላ ነክያ ከምእትገልጾ ይኣምኑ።
ካብ ስልጣኑ ዝፋኖ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊ ኬክያን፡ ንሃገራዊ ህዝባዊ ኮንግረስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ንቻይና ንምዕፋንን ንምግታእን ዝግበር ናይ ደገ ፈተነታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡" ኢሉ።
"ዕጡቓት ሓይልታት ወተሃደራዊ ስልጠናን ድልውነትን ከሐይሉ ይግባእ" ክብል እውን ኣተሓሳሲቡ።
ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ኣኼባ ሃገራዊ ህዝባዊ ኮንግረስ፡ ንመሪሕነት ዢ ጂንፒን ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ዝገብር ኰይኑ፤ ንሱ ፕረዚደንትን ላዕለዋይ ሓላፊ ዕጡቓት ሓይልታትን ኰይኑ ክምረጽ እዩ።
ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ንሳልሳይ ግዜ መራሒኡ ክኸውን ምስመረጾ፡ ኣብ ጽፍሕታት ስልጣን ቻይና ስልጣኑ ከውሕስ ክኢሉ ኣሎ።
እዚ ወሰኽ ወተሃደራዊ ባጀት ክመፅእ ዝኸኣለ ድማ፡ ምስ ኲናት ዩክረይንን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኸስተ ተርእዮታት ባሎን ስለያን ብዝተኣሳሰር ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ዝምድናታት እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
ሰበስልጣን ኣሜሪካ ብወገኖም ቻይና ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ንታይዋን ክትወርር ከምእትኽእል ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቘም እዮም።
ቻይና፡ ምትኳስ ባሊስቲክ ሚሳይል ዘጠቓልል ኣብ ከባቢ ታይዋን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኣየርን ባሕርን ምርኢት ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣካይዳ እያ።
ቻይና ነታ ባዕላ እትመሓደር ታይዋን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ቤይጂን ምእታዋ ዘይተርፍ ዝተነፀለት ግዝኣታ ከምዝዀነት እያ ትቘጽራ።
ብተወሳኺ፡ ኣኼባ ሃገራዊ ህዝባዊ ኮንግረስ ነቲ ዝመጽእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ወግዓዊ ክገብር እዩ።
ሓደ ካብቶም ንዢ ጂንፒነ ተኣመንቲ ዝበሃሉ መሳርሕቱ ዝዀነ ሊ ቺያንግ ነቲ ሽመት ክወስዶ ትጽቢት ይግበር።
ክልተ ኣኼባታት ቻይና፡ መሰረታውያን ነገራት
• ኣብ በይጂን ዝካየዱ ክልተ ኣኼባታት ኣለዉ። ዓመታዊ ኣኼባታት ሓጋጊ ኣካልን ላዕለዋይ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ኣካልን ኰይኖም ካብ መላእ ሃገር ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወከልቲ ይዕደሙ።
• ሃገራዊ ህዝባዊ ጉባኤ ምስ ባይቶ እታ ሃገር ዝመዓራረ ኰይኑ ብደረጃ ክልሰ-ሓሳብ እቲ ዝሓየለ መንግስታዊ ኣካል ይዅን እምበር ብተግባር ግን ንገዛኢ ሰልፊ ዝምእዘዝ ስማዊ ኣካል እዩ። ነቶም ድሮ ዝተወሰኑ ውሳነታት ብዘይ ቡዝሕ ምምርማር ዳርጋ ከም ዘለወዎ ዘሕልፍ እዩ።
• ብግብሪ ናይ ሓጋጊ ስልጣን ዘይብሉ ዋዕላ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ [Chinese People's Political Consultative Conference (CPPCC)] ድማ ኣባላቱ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ይእክብ። ዘካይድዎ ክትዓት ድማ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳያት ዋጋ ዝህልዎ ኣይኰነን።