ብጥሜት ዝሞቱ 'ዓያሹ ጥራይ' እዮም ዝብል ርእይቶ ሚኒስተር ሓያል ቁጥዐ ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓደ ዩጋንዳዊ ሚኒስተር፡ እቶም ኣብ ሃገሩ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት "ዓያሹ" እዮም ምባሉ ቁጥዐ ኣበጊሱ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ሄንሪ ኦከሎ ኦርየም፡ "ኣብ ዩጋንዳ ብጥሜት ክመውት ዝኽእል ዓሻ፡ ናይ ብሓቂ ዓሻ ጥራይ'ዩ" ኢሉ።
ብዙሓት ሰባት እቲ ርእይቶ ዘሰንብድ ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ 2022 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩጋንዳ ልዕሊ 2,200 ሰባት ብጥምየትን ተዛመድቲ ሕማማትን ከምዝሞቱ ብሓደ መንግስታዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝወጽአ ጸብጻብ የመልክት።
እቲ ሚኒስተር ግን፡ ነቲ ምቹእ ክሊማን ልሙዕ መሬትን ኣብ ግምት ብምእታው ሰባት ንባዕሎም መግቢ ከልምዑ ክኽእሉ ኣለዎም ክብል ተማጒቱ።
ንሱ ንመደበር ቴለቪዥን ንኤንቲቪ ዩጋንዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣበርቲዕካ እንተሰሪሕካ፡ ኣብ ዩጋንዳ መሬት ኣሎ። ክሊማዊ ለውጢ እኳ እንተሎ እቲ ክሊማ ጽቡቕ'ዩ። ኣንጊህኻ ክትወጽእ ድርብ ጻዕሪ እንተገይርካ፡ መሬትካ እንተሓሪስካ፡ ዘርኢ እንተተኺልካ፡ ሕርሻኻ እንተዓቂብካ፡ ብርግጽ ከመይ ጌርካ ክትጠምይ ትኽእል?" ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ብዙሓት ክሞቱ እንከለው፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ "ጽኑዕ ጥሜት" ከምዝርከብ፡ እቲ ብሕገ መንግስቲ ዝተመስረተ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዩጋንዳ ዘቕረቦ ጸብጻብ የመልክት።
ስለዝዀነ ድማ ርእይቶ እቲ ሚኒስተር ኣብታ ሃገር ሓያል ቁጥዐ ኣስዒቡ ኣሎ።
ኣብታ ዝተጎድአት ዞባ ካራሞጃ ናይ ትርከብ ወረዳ ቸክዊ ኣባል ባይቶ ዝዀነ ሙሴ ኣለፐር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ርእይቶ እቲ ሚኒስተር "ቅኑዕ ኣይኰነን" ኢሉ።
"ኣብዛ ሃገር እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ካብ ዝፈልጥ ሚኒስተር ዝተወሃበ ምዃኑ ዘሕዝን'ዩ።"
"ኣነ ካብ ሓደ ካብቲ እኹል ዝናብ ዝዘንበሉን መግቢ ዝፈርየሉን ክፋላት ካራሞጃ እየ። ኵነታት ኣየር ኣብ ዝፈሽለሉ እዋን ግን፡ ብርግጽ መግቢ ክነፍርይ ኣይንኽእልን። ከም ንቡር ድማ ሰባት ብርግጽ ጥሜት የጋጥሞም'ዩ፡" ብምባል ነቲ ኵነታት ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ዝፍጠር ጥሜት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከምቲ ክሊማ ዝቕየርሉ ኣገባብ ዝኣመሰሉ "ካልኦት ካብ ቁጽጽር ደቂ ሰባት ወጻኢ ዝዀኑ ጉዳያት" ዘስዕብዎ ምዃኑ ገሊጹ።
ፍሉጥ ዩጋንዳዊ ደራስን ጋዜጠኛን ቻርለስ ኦንያንጎ-ኦቦ'ውን፡ እቲ ሚኒስተር "ኣብ ከም ዩጋንዳ ዝኣመሰለት ሃገር ጥምየት፡ ናይ ምክፍፋል/ዕዳጋ ጸገም ምዃኑ" ክርድኦ ከምዘይከኣለ ብምግላጽ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ወግዓዊ መረዳእታ ህሉው ኵነታት መግቢ ናይ ካራሞጃ ኣይተረኽበን፡ እንተዀነ ግን ብሰንኪ ሓውሲ ደረቕ ኵነታት ኣየር ናይቲ ዞባ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓጋይ ጥሜት የጋጥም’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







