ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ትግራይ ሽመት ኤጲስ ቆጶስነት ንዝሃቡን ዝተቐበሉን ኣቦታት ወጊዙ

ኣቡነ ጴጥሮስን ኣባ ማትያስን

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Orthodox Facebook page

ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤተ ክርስትያን ማርያም ጽዮን ኣኽሱም ሽመት ኤጲስ ቆጶስነት ንዝሃቡን ዝተቐበሉን ኣቦታት ብምውጋዝ፡ ካብታ ቤተ ክርስትያን ዝተውሃቦም ስልጣን ክህነት ተሓዲጎም ክንጸሉ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፡፡

ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ረቡዕ 26 ሓምለ 2015 ኣግ ድሕሪ ዘካየዶ ምልኣተ ጉባኤ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ቤተ ክህነት ትግራይ ዘካየደቶ ሽመት ኤጲስ ቆጶሳት ‘‘ዘይ ሕጋውን ጥሕሰት ዶግማ፣ ቀኖናን ምምሕዳርን’’ ዝፈጸመ እዩ ኢሉ፡፡

ቀኖና እታ ቤተ ክርስትያን ካብ ምጥሓስ ብተወሳኺ ‘‘ሓንትን ዓለም ለኻዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝኸፋፍል፣ ሓድነት ሃገር ዝኽፋፍልን ዘፍርስን፣ ኣመንቲ ምስ ኣመንቲ ዘጋጩን ሰላም ዝዘርግን እዩ’’ ክብል መግለጺ እቲ ሲኖዶስ ወሲኹ፡፡

ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይን ፈጸምቲ ስራሕ መንበረ ሰላማን ብወገኖም ሎሚ 27 ሓምለ 2015 ኣብ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ፡ ውሳነ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ‘‘ከንቱ ውግዘት ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን’’ ብምባል ነጺጎምዎ፡፡

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ሎሚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ውግዘት ኣብ ‘‘ጉዕዞ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ዘሕድሮ ጽልዋ ከምዘየለን ንጻት እውን ዘይኹለፍ ምዃኑን ክነረጋግጽ ንፈቱ’’ ኢሎም፡፡

ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ዘሕለፈ፡ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶከስ ተዋህዶ ትግራይ ካብ ዝሸመቶም ዓሰርተ ጳጳሳት፡ ናይቶም ትሸዓተ ሽመት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ኣኽሱም ቤተ ክርስትያን ማርያም ጽዮን ከምዘሳለጠት ምግላጻ ስዒቡ እዩ፡፡

ቤተ ክህነት ትግራይ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ምስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ብምቁራጽ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ከምዝመስረተት ይዝከር፡፡

እቲ ሲኖዶስ ኣብ መግለጺኡ እቲ ሽመት፡ ብመሰረት ሕግን ቀኖናን ቤተ ክርስትያን መረጻን ስልጣንን ኤጲስ ቆጶሳት ናይ ምውሳን ሓፍነት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝጥሕስ፣ ሽም መዓርግን መንበርን ቅዱስ ፓትርያርክ ዘፋልስን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ሃይማታዊ ሕጋጋትን ቀኖናን እታ ቤተ ክርስትያን ዝጥሕስ ሊቀ ጳጳስ/ኤጲስ ቆጶስ ካብ ኣባልነት ከምዝስረዝ ስለዝተደንገገ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቶም ኣቦታት ኣውጊዙ ከምዝነጸለ እውን ገሊጹ፡፡

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በዚ መሰረት ካብ ዲቁና ጀሚሩ ዘሎ ሙሉእ ስልጣን ክህነቶም ተሰሪዙ ብዓለማዊ ሽሞም ክጽውዑ፡ ብህይወት ኮነ ምስ ሞቱ ዝኾነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እታ ቤተ ክርስትያን ከይረኽቡን ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፡፡

ሽመት ኤጲስ ቆጶስነት ዝሃቡ ሊቀ ጳጳሳት ትግራይ ኣባ ኢሳይያስ፣ ኣባ መቃርዮስ፣ ኣባ መርሃ ክርስቶስን ኣባ ጴጥሮስን፡ ኣባ ሰላማ ዝበሃል ‘‘ዘይ ሕጋዊ መንበር’’ ብምስያምን ቀኖናን ስርዓትን ብዝጠሓሰ መንገዲ ሽመት ብምሃብን ተወጊዞም ከምዝተነጸሉ ተጠቒሱ፡፡

እቲ ስኖዶስ ኣውጊዘ ክህነቶም ሰሪዘ እየ ዝበሎም ሸመት ኤጲስ ቆጶስነት ዝተቐበሉ ኣቦታት ድማ ኣባ ዘርኣ ማርቆስ፣ ኣባ ሃይለ ሚካኤል ኣረጋይ፣ ኣባ እስጢፋኖስ ገብረ ጊዮርጊስ፣ ኣባ መሓሪ ሃብቱ፣ ኣባ ኤልያስ ታደሰ ገብረ ኪዳን፣ ኣባ ጽጌ ገነት ኪዳነ ወልድ፣ ኣባ ዘርኣ ዳዊት ብርሃነ፣ ኣባ ዮሃንስ ከበደን ኣባ የማነ ብርሃን ወልደ ሳሙኤልን እዮም፡፡

ብተወሳኺ እቲ ሲኖዶስ፡ ሽመት ክፍጸም ካብ ሓሳብ ጀሚሩ መራሕን ቀስቃስን ነይሮም ዝበሎም ሕጹይ ኤጲስ ቆጶስ ቤተ ክርስትያን ኦርቶክስ ተዋህዶ ትግራይ ዝኾኑን ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሓይሊ ናብ ኣወስትራልያ ዝተመለሱን ቆሞስ ኣባ ሰረቀ ብርሃን ወልደ ሳሙኤል ከምዘውገዘን ካብታ ቤተ ክርስትያን ከምዝነጸሎምን ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ጸሓፊ ቤተ ክህነት ትግራይ መምህር ተስፋይ ሃደራ እውን ብዋና ኣፈጻምነት ብምምራሕን መግለጺ ብምሃብን ተሳቲፎም ብዝብል ኣብ ዝርዝር ዝተወገዙ ተጸሪሖም፡፡

እንተኾነ እቶም ኣቦታት ‘‘ብዝፈጸምዎ ጥሕሰት ቀኖና ተጣዒሶም ይቕረታ እንተሓቲቶም በሪ እታ ቤተ ክርስትያን ርሑው ብምዃኑ ብቀኖና ቤተ ክርስትያን ክንቅበሎም ኢና’’ ክብል መግለጺ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ጠቒሱ፡፡

መንበረ ሰላማ ዝብል ስም ነታ ቤተ ክርስትያን ዘይውክል ብምዃኑ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝምልከቶ ኩሉ ብደብዳበ ክግለጽ እውን ውሳነ ተሓላሊፉ እዩ፡፡

ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይን ፈጸምቲ ስራሕ መንበረ ሰላማን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ ግና፡ እቲ ሲኖዶስ ከውግዞም ‘‘ሞራል ኮነ ስልጣን የብሉን’’ ኢሎም፡፡

ብተወሳኺ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ምእንቲ ሰናይ ጉርብትና ነቲ ዘሕለፎ ውሳነ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ጸዊዖም ኣለዉ፡፡

‘‘እቲ ተሓላሊፉ ዘሎ ውግዘት ትርጉም ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፡ ንሰናይ ጉርብትናና ከይጎድእ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ደጊሙ ክርእዮ እናጸዋዕና ካብ ስሕተቱ ዘይእረም እንተኾይኑ ግና ንሕና እውን ዝኸበደ ውሳነ ንምሃብ እንግደድ ምዃንና ክነፍልጥ ንደሊ፡፡’’

መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ፡ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ኢላ ብገንዘብን ቅስቀሳን ኣብቲ ህልቂት ተሳቲፋ ብምባል ይኸሱ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያን ትግራይ ዕንወት፡ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ካህናትን ቅትለት እንትፍጸም ሲኖዶስ ስቕታ መሪጹ ክብል ይኹንኖ።

ኣብ እዋን እቲ ኲናት: ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ዝርከብዎም ብዙሓት ኣመንቲ ተቐቲሎም፤ ከምኡ'ውን ቦታታት እምነት ዕንወት ከምዝወረዶምን ከምዝተዘረፉን ዝተፈላለዩ ፀብፃባት የመልክቱ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ፡ ካብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተፈልዮም፡ ቤተ ክህነት ‘መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ’ ብዝብል ናይ ገዛእ ርእሶም ቤተ ክርስቲያን ክምስርቱ ምውሳኖም ዝዝከር እዩ።

ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድሕነት ኣቦታትን ምእመናንን ብዝምልከት ግቡእ ብዘይምፍጻሙ የቕረታ ከምዝሓተተ እኳ እንተገለጸ፡ ኣቦታት ትግራይ ግና 'እኹል ኣይኮነን' ዝብል መልሲ ብምሃብ፡ እቲ ርክብ ኣብቂዑ ከምዘሎ ምግላጾም ይዝከር።