ኣመሪካ: እስራኤል ነቲ ባይደን ዘቕረቦ እማመ ክትቕበሎ ትጽቢት ይግበር ኢላ

ሓማስ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐረበ ውጥን ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንተድኣተቐቢልዎ፡ እስራኤል ነቲ ብናይ ሽዱሽተ ሰሙን ምቁራጽ ዝጅምር እማመ ተኹሲ ደው ምባል ክትቅበል "ትጽቢት" ከም ዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ወግዓዊ ዝዀነ ሰለስተ ምዕራፋት ዘለዎ ውጥን፡ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረድኤት “ንክውስኽ”፡ እቲ ኲናት ብዘላቕነት ቅድሚ ምቁራጹ ምልውዋጥ ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያንን እሱራት ፍልስጤማውያን ክህሉ ምዃኑ የመልክት።

ገለ ኣባላት መንግስቲ እስራኤል ግን ነቲ እማመ ተቓዊሞምዎ ኣለው።

ኣብ ራፋሕ ውግእ ኣብ ዝቅጽለሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ዝካየድ ድርድር ከም ዝቀጸለ ይግለጽ፤ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ራፋሕ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝነበረ ጸብጸባት የመልክቱ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍልስጤማውያን ስደተኛታት፡ ነበርቲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ክሃድሙ ከም ዝተገደዱን ኣብ ከባቢ ራፋሕ ዝርከቡ 36 መዕቈቢታቱ ጥርሖም ከም ዝተረፉን ገሊጹ።

ካልኦት 1.7 ሚልዮን ሰባት ኣብ ካን ዩኒስን ገለ ክፋል ማእከላይ ቓዛን ከም ዝተመዛበሉ ይግመት።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ኪርቢ፡ ትማሊ ንኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ ሓማስ ነቲ እማመ እንተተቐቢሉዎ፡ እስራኤል ነቲ ዝቐረበ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክትቕበሎ’ያ ዝብል “ትጽቢት” ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

“ካብ ሓማስ ወግዓዊ መልሲ ንጽበ ኣለና” ብምባል ኣመሪካ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ ውጥን “ኣብ ዝሓጸረ እዋን” ንምጅማር ክሰማምዑ ተስፋ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሽዱሽተ ሰሙን ተኹሲ ደው ምባል፡ “ክልቲኦም ወገናት ኰፍ ኢሎም እቲ ካልኣይ ምዕራፍ እንታይ ክመስል ከም ዝኽእልን፡ እዚ ድማ መዓስ ክጅምር ከም ዝኽእልን ክዛተዩ ጻዕሪ” ክግበር ምዃኑ ኣብሪሁ።

ባይደን ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ውጥን፡ ደቂ ተባዕትዮ ወተሃደራት ሓዊሱ ኩሎም ብህይወት ዘለዉ ጅሆታት ክምለሱ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ። ድሕሪኡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል “ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ከም ዝህሉ’ውን ሓቢሩ።

ብቀዳም ግን ክልተ የማናውያን ሚኒስተራት እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ነቲ ስምምዕ እንተድኣ ፈሪምሉ ካብ ልፍንቲ ኣመሓዳሪ እታ ሃገር ክወጹን ክፈርሱን ምዃኖም ኣፈራሪሖም።

ሚኒስተር ፋይናንስ በዛለል ስሞትሪችን ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪርን፡ ሓማስ ቅድሚ ምጥፋኡ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ንምፍጻም ከም ዝቃወሙ ገሊጾም ኣለው።

ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ወተሃደራውን ምሕደራውን ዓቕሚ ሓማስ ክሳብ ዝዓኑን ኵሎም ጅሆታት ክሳብ ዝፍትሑን ተኹሲ ደው ምባል ከም ዘይህሉ ተዛሪቡ ነይሩ።

ላዕለዋይ ኣባል ኔታንያሁ ዝመርሖ ሊኩድ ፓርቲ ሃኖክ ሚልዊድስኪ ብወገኑ፡ ትማሊ ሰንበት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ልፍንታዊ ምምሕዳር እስራኤል ነቲ “ፍጹም ተቐባልነት የብሉን” ዝበሎ ስምምዕ ንምቅዋም ውሁድ ምዃኑ ገሊጹ።

“ሓሳብ መንግስቲ እስራኤል ኣይተቐየረን - እዚ ማለት ሓማስ ድሕሪ ደጊም ንቓዛ ከመሓድር ኣይክእልን'ዩ፤ ድሕሪ ሕጂ ዝዀነ ዓቕሚ ክህልዎ ኣይክእልን'ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ወተሃደራዊ ኰነ ሲቪላዊ ዓቕሚ ኣይክህልዎን። ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ድማ ክምለሱ ኣለዎም። እዞም ጠለባት ክሳብ ዘይተማልኡ ድማ እቲ ኲናት ደው ኣይብልን” ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ኪርቢ፡ ሕጂ ስለያ ኣመሪካ፡ ሓማስ ብወተሃደራዊ መዳይ ከምቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ክደግም ናብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ወሪዱ’ዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ።

“ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ እስራኤል ስግኣት ኣይኰነን ኣይበልናን፤ ብርግጽ ስግኣት’ዮም። ግን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ክገብሩ ወተሃደራዊ ዓቕሚ የብሎምን”።

ብሰንበት ኣብ ዝተራእየ ካልእ ምዕባለ መንግስቲ ማልዲቭስ ንዜጋታት እስራኤል ካብ ደሴታት ህንዳዊ ውቅያኖስ ከም ዝእግድ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 11 ሽሕ እስራኤላውያን ናብ ማልዲቭስ በጺሖም ነይሮም፤ እዚ ናብታ ሃገር ካብ ዝኸዱ ጠቕላላ በጻሕቲ ትሕቲ ሓደ ሚኢታዊት ዝሕዝ’ዩ።

ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ መላእ እቲ ግዝኣት ልዕሊ 36 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዕጡቓት ሓማስ ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ክጅመር እንከሎ፡ እስራኤል ነቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ዝበለቶ ስዒቡ ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 252 ድማ ጅሆ ሒዞም ከም ዝወሰዱን ትገልጽ።