ሓማስ ከይዓነወ ምቁራጽ ተኹሲ ኣይክህሉን - ቤንጃሚን ኔታንያሁ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ሓማስ ክሳብ ዝዓንውን ኵሎም ጅሆታት ክሳዕ ዝፍታሑን ኣብ ቃዛ ምቁራጽ ተኹሲ ከምዘይህሉ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እስራኤል ኣብ ምቁራጽ ተኹሲ ዝዓለመ ውጥን ንሓማስ ከምዘቕረበት ድሕሪ ምግላጹ'ዩ ኔታንያሁ ነዚ ገሊጹ።

ሓደ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ሓማስ፡ እስራኤል እዚ እንተገይራ፡ ሓማስ ከምዝሰማማዕ ንቢቢሲ ገሊፁ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ እስራኤል ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹሲ ቅድሚ ምፍራማ "እዞም ቅድመ ኵነታት ክማልኡ” ጻዕራ ከምትቐጽልን ቅድሚ’ዚ ዝዀነ ስምምዕ ክፍረም ከምዘይኽእልን ኣረጋጊጹ።

ቤት ጽሕፈት ኔታንያሁ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል "እቲ ኲናት ንምውዳእ ዘኽእላ ኵነታት ከምዘይተቐየረ" ሓቢሩ።

ዅሎም ጅሆታት ሓራ ምውጻእን ቃዛ ድሕሪ ደጊም ንእስራኤል ሓደጋ ከምዘይትኸውን ምርግጋጽን" እቶም ዕንወት "ወተሃደራዊን ምሕደራውን ዓቕሚ ሓማስ" ምዃኖም ኣስሚሩ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ እስራኤል ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹሲ ቅድሚ ምፍራማ "እዞም ቅድመ ኵነታት ክማልኡ” ጻዕራ ከምትቐጽልን ቅድሚ’ዚ ዝዀነ ስምምዕ ክፍረም ከምዘይኽእልን ኣረጋጊጹ።

ባይደን ብዓርቢ ነቲ ውጥን፡ መንገዲ ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹሲ ዝኸፈተ ኵለመዳያዊ እማመ እስራኤል ክብል’ዩ ገሊጽዎ።

ወሃቢ ቃል ሓማስ፡ እስራኤል እንተድኣ ተሰማሚዓ ነቲ ውጥን ከምዝድግፍዎ ገሊጹ።

ኣብ ቀጠር ዝመደበሩ ኣባል ፖለቲካዊ ቢሮ ሓማስ ባሰም ናይም፡ እቲ ጉጅለ ነቲ ውጥን ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ፡ እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ግን ኣብ እስራኤል ዝተመርኮሰ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ጸለውቲ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት እስራኤል ያየር ላፒድ ብወገኑ፡ ኔታንያሁ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እንተድኣ ደጊፉ ነቲ መራሒ ድጋፉ ከምዝህብ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብታ ቁልፊ ከተማ ራፋሕ መጥቃዕትታት ኣበሪኻ ኣላ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ምሉእ ዶብ ግብጺ ስርሒታዊ ቁጽጽር ክትረክብ ክኢላ እያ።

ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ እስራኤልን ግብጽን ሎሚ ሰንበት ኣብ ካይሮ ተራኺቦም መሳገሪ ራፋሕ ዳግማይ ንክኽፈት ክዘራረቡ እዮም።