ባይደን፡ ኲናት ቓዛ ደው ንክብል 'እማመ እስራኤል' ወግዓዊ ገይሩ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ "ሕጂ እዚ ኲናት ዘብቅዓሉ ግዜ’ዩ” ብምባል፡ ሓማስ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ደው ንምባል 'ሓድሽ እማመ እስራኤል' ፡ ክቕበል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሰለስተ ክፋላት ዘለዎ እማመ፡ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦ ብዝብል ዝጅምር ኰይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ካብቲ ህዝቢ ብፃዕቒ ዝነብረሉ ከባቢታት ቓዛ ክስሕቡ ይጠቅስ።

ብተወሳኺ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት “ክውስኽ” ከምኡ'ውን ገለ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው እስራኤላውያን ምስ ፍልስጤማውያን እሱራት ምልውዋጥ ክግበር ድማ ይጠልብ።

እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ቀዋሚ “ምቁራጽ ተጻብኦታት” ከምኡ'ውን መሰረታዊ ውጥን ዳግመ ህንጸት ቓዛ ሒዙ ክመጽእ’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓማስ ነቲ እማመ ብ “ኣወንታ” ከም ዝርእዮ ገሊጹ ኣሎ።

ባይደን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ብሓቂ ወሳኒ ህሞት'ዩ” ዝበለ ዀይኑ፡ “ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ከም ዝደሊ ይገልጽ’ዩ። እዚ ስምምዕ ክኣ እቲ ዝብሎ ናይ እማን ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ዕድል'ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ተኹሲ ደው ምባል፡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 600 ሓገዝ ዝጽዓና ቓፍላይ መካይን ናብ ቓዛ” ክኣትዋን ዝያዳ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቲ ኣብ ከቢድ ከባቢታት ዘሎ ክበጽሕን ዘኽእል ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ወተሃደራት ሓዊሱ ኩሎም ዝተረፉ ብህይወት ዘለዉ ጅሆታት ክምለሱ እዮም። ሽዑ እቲ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል “ናብ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ክሰጋገር’ዩ።

ካብቶም ንሓማስ ነቲ እማመ ክቕበል ዝምሕጸኑ ዘሎ ሓደ ዝዀነ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ብሪጣኒያ ዴቪድ ካሜሮን ኰይኑ፡ “እቲ ውግእ ደው ንክብል እቲ ጉጅለ ነዚ ስምምዕ ክቕበሎ ኣለዎ” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ዴቪድ ካሜሮን ወሲኹ፡ “ኩላትና ቅኑዕ ስጉምቲ ክንወስድ እንተተዳሊና እቲ ውግእ ደው ምባል ናብ ዘላቒ ሰላም ክቕየር ከም ዝኽእል ንነዊሕ እዋን ክንማጐት ጸኒሕና ኢና። ነዛ ህሞት ሒዝና ነዚ ጐንጺ ኣብ መወዳእታ ነብጽሓዮ” ኢሉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን ነቲ ምዕባለ ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ብምግላጽ፡ ዓለም “ኣብ ቓዛ ካብ መጠን ንላዕሊ ስቓይ [ን] ዕንወት ከም ዝረኣየት” ብምግላጽ እዚ “ደው ዝብለሉ እዋን'ዩ” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

“ንተበግሶ [ፕረዚደንት] ባይደን ብሓጎስ እቕበሎ [ከምኡ’ውን] ኩሎም ወገናት ነዚ ዕድል ተጠቒሞም ተኹሲ ደው ምባል፡ ንኹሎም ጅሆታት ንምፍታሕ፡ ውሕስነት ዘሎ ዘይተገደበ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነባሪ ሰላም ክህሉ እላቦ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ባይደን፡ ኣብ መንጐ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ዝግበር ድርድር ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ግን ኣይሓብአን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ከም ኣካል ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ነቲ ኲናት ከብቅዕ ምግባር ከም ዘይቕበሎ ይገልጽ ነይሩ። እዚ ነቲ ሕጂ ትጸዕቢት ዝግበር ዘሎ ስጉምቲታት ከየዐንቅፎ ይስጋእ።

እቲ ውጥን ብዙሕ ካብቲ ዝሓለፈን ኣብ መወዳእታ ዝፈሸለን ዙርያታት ዝርርብ ዝርዝራት ዘጠቓለለ ክኸውን እንከሎ፡ ኣመሪካ ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ንክመጽእ እተቕርቦ ዘላ ጻውዒት፡ ሓማስ ድሮ ክንሰማማዓሉ ኢና ብዝበሎ ውዕላት ናብ ድርድር ንምምላስ ጻዕሪ ንምግባር ዝተዳለወ ርኡይ ሕድገት ይመስል።

ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠለባት ናይቲ ጉጅለ ኰይኑ ጸኒሑ።

ሳልሳይ ምዕራፍ ናይቲ እማመ፡ ናይ ዝዀነ ጅሆ ዝተታሕዘ ዝሞተ እስራኤላዊ ኣስክሬን ክምለስን፡ “ዓብዪ ዳግመ ህንጸትን” ዝሓዘ ኰይኑ፡ ብሓገዝ ኣመሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ክህነጹ እዮም ይብል።

ባይደን ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ እስራኤል ዝርከቡ ሰበስልጣን ሓዊሱ - ነቲ እማመ ክቃወምዎ ከም ዝኽእሉ ተኣሚኑ።

“እቲ ዝመጽእ [ፖለቲካዊ] ጸቕጢ ብዘየገድስ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣመራርሓ ብድሕሪ እዚ ስምምዕ ደው ክብሉ እምሕጸን” ብምባል ህዝቢ እስራኤል ድማ “እዚ ህሞት ክንከስሮ ከም ዘይብልና ንገሩዎም” ኢሉ።

ሕጂ ሓማስ ከምቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ክደግም ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወሪዱ’ዩ ክብል’ውን ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምምላስ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙን ምውጋድ ወተሃደራዊን ናይ ምምሕዳርን ዓቕሚ ሓማስ ሓዊሱ ክሳብ ዕላማታቱ ዝዕወቱ እቲ ኲናት ከም ዘይውዳእ ኣነጺሩ።

እቲ ዳሕረዋይ ውጥን እስራኤል ነዞም መትከላት ክትሕሉ ዘኽእላ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓማስ ብወገኑ፡ ዘላቒ ተኹሲ ደው ምባል፡ ምስሓብ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ፡ ዳግመ ህንጸትን ምልውዋጥ እሱራትን ብዝብል ንዝቐረበ ጻውዒት “ብእወንታ” ከም ዝርእዮ ገሊጹ።

ካልእ ፍልስጤማዊ በዓል ስልጣን ግን፡ እቲ ቐሪቡ ዘሎ ሰነድ እቲ ኲናት ከም ዝውዳእ፡ ከምኡ’ውን ሰራዊት እስራኤል ካብ ቓዛ ሙሉእ ብምሉእ ከም ዝስሕቡ ውሕስነት ዝህብ ምዃኑ ኣየርእን ኢሉ።

እቲ እማመ ኣብ ቀጠር ብዝመደበሮም መንጐኛታት ኣቢሉ ናብ ሓማስ ከም ዝተመሓላለፈ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ዮርዳኖስ፣ ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ንዝርከቡ መዛኑኡ ቴሌፎን ብምድዋል፡ እቲ እማመ ዝሰፍሐ ደገፍ ንክረክብ ኣብ ምግባር ክጽዕሩ ሓቲቱ።

ብሊንከን፡ “ሓማስ ነቲ ስምምዕ ክቕበሎ ከም ዘለዎን ምስ ሓማስ ዝምድና ዘለወን ኵለን ሃገራት ብዘይ ወዓል ሕደር ንክቕበሎ ጸቕጢ ክገብራ ከም ዘለወንን” ተዛሪቡ ክብል ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ማቲው ሚለር ብዓርቢ ምሸት ገሊጹ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ መላእ ቓዛ ልዕሊ 36 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ዝተወልዐ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን፡ ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሎም 252 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ከምዝተወስዱ ፀብፃባት ይሕብሩ።