ፕረዚደንት ዩጋንዳ ወዱ ንኬንያ ክወርር’የ ንዝበሎ ይቕሬታ ሓቲቱ

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ነቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝዀነ ወዱ ዝሃቦ ርእይቶ ኣመልኪቱ ንኬንያውያን ይቕረታ ሓቲቱ።

እቲ ፕረዚደንት ንወዱ ሙሁዚ ካይነሩጋባ ካብ ሓላፍነት ሓይሊ ምድሪ ድሕሪ ምእላዩ እዩ ነዚ ናይ ይቕረታ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ።

እንተዀነ፡ ካይነሩጋባ ምሉእ ማዕርግ ጀነራልነት ክወሃቦ እንከሎ፡ ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ኰይኑ ከምዝቕጽል’ውን ተገሊጹ እዩ።

ሙሰቬኒ ነቲ ወዲ 48 ዓመት ወዱ ዝቕጽል መራሒ እታ ሃገር ንምግባር የዳልዎ ኣሎ ዝብል ርእይቶታት ክቕርብ ጸኒሑ ኣሎ።

ጀነራል ካይነሩጋባ ኣብ ፖለቲካ ዘለዎ ተሳትፎ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ክመጽእ ይርአ'ሎ። ነቐፍቲ ግን እዚ ጥሕሰት ንወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ምዃኑ ይገልጹ።

ንሱ ብሰኑይ ኣብ ትዊትር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፋት ብዛዕባ ኬንያ ዝሃቦ ርእይቶ ኣዘራራቢ ኰይኑ እዩ።

እቲ ጀነራል ኣብ ሓደ ካብ ጽሑፋቱ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝተዘራረበን ካብ ስልጣኑ ብምውራዱ ከምዘጕሃዮ ከምዝገለጸሉን እዩ ሓቢሩ።

“ምስ ፍትው ዓቢ ሓወይ ዘለኒ እንኮ ጸገም፡ ንሳልሳይ እብረ ዘይምውድዳሩ እዩ። ብቐሊሉ ምተዓወትና ኔረና!” ኢሉ።

ኣብቲ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ ገጽ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ካልእ ጽሑፍ ከኣ፡ “ንዓይን ንሰራዊተይን፡ ናይሮቢ [ርእሰ ከተማ ኬንያ] ንምቍጽጻር ክልተ ሰሙን ኣይወስደልናን እዩ” ኢሉ።

እዚ ርእይቶ ኣብ ትዊተር ቁጥዐ ከለዓዕል እንከሎ፡ ሰባት፡ እቲ ጀነራል “ሓላፍነት ዘይስምዖን” ንዝምድና ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ ክብሉ ነቒፎምዎ።

ድሒሩ ግን “ንሰራዊት ኬንያ ኣይክትንክፍን እየ ምኽንያቱ ኣቦይ ከልኪሉኒ ኣሎ! ስለዚ ህዝቢ ኬንያ ኣይትሻቐሉ!” ብምባል ጽሒፉ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩጋንዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዩጋንዳ ምስታ ጎረቤታ ንዘለዋ “ጽኑዕ ክልተኣዊ ዝምድና” ከምእተኽብር ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቬኒ እውን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ከም እተዘራረበን በቲ ወዱ ኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ ጽሑፋት “ከምዝሓዘነን” ምግላጹ ሓቢሩ።

“ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ነበር ጀነራል ሙሆዚ፡ ኣብታ ዓባይ ሃገር ንዝተኻየደ መረጻ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ብዛዕባ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንኬንያውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ይቕሬታ ክገብሩልና እሓትት።

“ሲቪላውያን ይዅኑ ወተሃደራውያን ሰብ መዚ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣሕዋት ሃገራት ርእይቶ ክህቡ ወይ ጣልቃ ክኣትው ቅኑዕ ኣይኰነን” ኢሉ ሙሰቬኒ።

ንሱ ወሲኹ፡ ዋላ’ኳ ወዱ “ጌጋታት” እንተፈጸመ፡ “ብዙሕ እወታዊ ኣበርክቶ” ክገብር ስለዝኽእል ማዕርጉ ናብ ምሉእ ጀነራል ከምዝወሰኾ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ሙሆዚ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ከምኡ’ውን ሓይልታት ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዘለው ቃልሲ ዝድግፍ ኣዘራራቢ ርእይቶታት ብምሃብ ኣቓልቦ ክስሕብ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ሓደ ናይ ትዊተር ልጥፎኡ፡ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ “ተባዕን ሓቀኛን” ብምዃና ከም ገዝሚ፡ 100 ከብቲ ምሃብክዋ ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

“ኣውሮጳውያን ንዝፈትውወን ደቂ ኣንስትዮ ዕምበባ ከምዝህቡ እፈልጥ እየ፤ ግና ኣይርድኣንን እዩ። ኣብ ባህልና ንእትፈትዋ ጓል ላሕሚ ኢኻ እትህባ፡” ኢሉ።