ቱርኪ ናብ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሓበሬታ ኣሕሊፎም ዝበለቶም ሰባት ኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓይልታት ጸጥታ ቱርኪ ናብ ኣገልግሎት ስለያ እስራኤል ሞሳድ ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 7 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ስሞም ዘይተጠቕሰ ሰበስልጣን ገሊጾም።
እዚ ማእሰርቲ፡ ኣብ ኢስታንቡልን ምዕራባዊት ከተማ ኢዝሚርን ፖሊስን ሰበስልጣን ትካል ስለያ ኤምኣይቲን ሓባራዊ ወፍሪ ድሕሪ ምክያዶም ዝተወሰደ ስጉምቲ’ዩ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ ሞሳድ ምትእስሳር ኣለዎም ዝተብሃሉ 34 ሰባት ብሰለያ ተኸሲሶም ነይሮም።
ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲብ ጠይብ ኤርዶሃን፡ እስራኤል ኣብ መሬት ቱርኪ ንዝርከቡ ኣባላት ሓማስ ዒላማ እንተገይራ "ከቢድ ሳዕቤን" ከምዝህልዎ ኣጠንቂቑ።
ቱርኪ ዘይከም መብዛሕትአን ምዕራባውያን ሃገራትን ገለ ሃገራት ዓረብን ንሓማስ ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ኣይትምድቦን።
ኣብ ቱርኪ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ሓያል ደገፍ ኣሎ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ብቐጻሊ ኣብ ኢስታንቡልን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ዝካየዱ ሰልፍታት ይሳተፉ።
ቱርኪ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ማእሰርቲ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትን።
ብመንገዲ ስሞም ዘይተጠቕሱ ሰበስልጣን ዝወጸ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ግን፡ ሞሳድ ንጥርጡራት ኣባላት ሓማስ ንምክትታልን ንምስኣልን ናይ ብሕቲ መርመርቲ ይጥቀም ምንባሩ ኤምኣይቲ ከምዝረኸበ ይሕብሩ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ሚኒስተር ፍትሒ ይልማዝ ቱንች፡ እቶም 34 ጥርጡራት፡ ብስም ስለያ እስራኤል "ፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ስለያ" ከምዝተኸሰሱ ገሊጹ ነይሩ።
ሞሳድ ከም ኣካል ስርሒታቱ ኣብ ቱርኪ ንዝነብሩ ፍልስጤማውያንን ዜጋታት ሶርያን ከምዝመልመለ ይግመት።
ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን፡ እስራኤል ምስ ሓማስ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ መሪር ናይ ቃላት ኲናት ተጸሚዱ ኣሎ።
ንሱ ነቲ ሚስተር ኔታንያሁ ኣብ ጋዛ ዝፈጸሞ ተግባር "ምጽናት ዓሌት" ክብል ገሊጽዎ'ሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ምስ ሂትለር ኣነጻጺርዎ።
ሰበስልጣን ስለያ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ፣ ቀጠርን ቱርኪን ሓዊሱ ካብ ግዝኣታት ፍልስጤም ወጻኢ ንዝርከቡ ኣባላት ሓማስ ዒላማ ከምዝገብሩ ቃል ምእታዎም ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







