ኣሜሪካ ንቱርኪ 23 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ ክትሸይጥ’ያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ቱርኪ ስዊድን ናብ ኔቶ ንኽትጽንበር ድሕሪ ምጽዳቓ፡ 40 ሓደስቲ ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ ንቱርኪ ብ23 ቢልዮን ዶላር ክሽየጥ ኣጽዲቑ።
እቲ ስምምዕ ቱርኪ ንዝጸንሐ 79 ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ መዘመኒ ዝኸውን ናውቲ ዘጠቓልል እዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 40 ኤፍ-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ናብ ግሪኽ እውን ክሽየጣ ከምዘጽደቐን፡ እዚ ድማ 8.6 ቢልዮን ዶላር ከምዘውጽእን ገሊጹ።
ቱርኪ፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ንኽትጽንበር ዝቐረበላ ሕቶ ልዕሊ ሓደ ዓመት ብምድንጓዩ ኣብቲ ኪዳን ወጥሪ ፈጢሩ’ዩ።
ቱርኪ ነተን ጀት ንምዕዳግ ፈለማ ዝሓተተት ኣብ 2021 ክኸውን እንከሎ፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ንኽትጽነበር ዝቐረበላ ሕቶ እንከይተቐበለት ብምጽናሓ ግን ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ጸኒሑ።
ቱርኪ፡ ሽወደን ንተገንጸልቲ ኩርዳውያን ትድግፎም’ያ ዝብል ሕቶ ስለዝነበራ’ያ ነቲ ጉዳይ ኣደናጉያቶ።
ኣባላት ባይቶ ቱርኪ ግን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንሕቶ ሽወደን ኣጽዲቖም፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ድማ ናይ መወዳእታ ክታሙ ኣንቢሩሉ።
ቀጺሉ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ መሸጣ ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16 "ብዘይ ምድንጓይ" ክጸድቕ ኣተሓሳሲቡ።
ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምሉእ ወራር ምስጀመረት ኣገዳስነት ቱርኪ ኣብ ዞባ ጸሊም ባሕርን ኔቶን ሰማይ ዓሪጉ።
ኣቦ መንበር ኮሚተ ርክባት ወጻኢ ሰኔት፡ ዲሞክራሲያዊ ሰኔተር ቤን ካርዲን፡ "ቱርኪ ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ ንምዕዳግ ዘቕረበቶ ሕቶ ዘጽደቕናሉ ምኽንያት ቱርኪ፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ዝቐረበላ ሕቶ ስለዝተቐበለት’ዩ" ኢሉ።
እቲ ሰኔተር ኣስዒቡ "ግን ከይትጋገዩ፡ እዚ ብቐሊሉ ዝመጽአ ውሳነ ኣይነበረን" ኢሉ።
ቱርኪ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክተመሓይሽ ከምዘለዋን፡ ከምኡ’ውን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝገበረቶ ምሉእ ወራር ክትሕተት ዝያዳ ጻዕሪ ክትገብር ከምዘለዋን እቲ ሰኔተር ገሊጹ።
እታ እንኮ ክሳብ ሕጂ ኣባልነት ሽወደን ዘየጽደቐት ኣባል ኔቶ ሃንጋሪ ሃገር ኮይና፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ገለ ምዕባለታት ዘሎ ይመስል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣሜሪካ እተን እተፍርየን ተደለይቲ ዝኾና ኤፍ-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ካብ ዴንማርክን ሆላንድን ናብ ዩክሬን ንምስግጋር ኣጽዲቓ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







