ካብ ሕማም ጸላም ከብዲ ክትፍወሱ ዝተለገሰ ቀልቀል ምተጠቅምኩምዶ?

ወላ'ኳ ሓቅነቱ እንተዘይተረጋገጸ ብዙሕ እዋን ሽንቲ ማይ ንዝተፈላለዩ ውሽጣዊ ሕማማት ክፍውስ ከም ዝኽእል ብተደጋጋሚ እንሰሞዖ እዩ።

እዚ ሕጂ ብዕሊ ዝጅመር ዘሎ መጽናዕቲ ግና ካብ ሽንቲ ማይ ዝሓለፈ፡ ማለት ሽንቲ ደገ ወይ ቀልቀል ናይ ምፍዋስ ዓቕሚ ኣለዎ ብዝብል እምነት እዩ።

"ፑ ትራንስፕላንት" ማለት ቀልቀል ካብቶም ጥዑያት ናብቶም ሕሙማት ምስግጋር፡ ነቶም ብሕማም ጸላም ከብዲ ዝሳቐዩ ሰባት ክጠቅም ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዝምርምር ክሊኒካዊ ፈተነ፡ ብሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ዩኒቨርሲቲታት ለንደን ተጀሚሩ'ሎ።

እቲ ፈተነ፡ ሕሙማት ን21 ኣዋርሕ ካብ ጥዑይ ተለጊሱ፡ ኣብ በረድ-ዝሒሉ ናብ ደረቕ ዝተቐየረ ቀልቀል፡ መድሃኒት ዝወስድሉ መስርሕ እዩ።

ተመራመርቲ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ድማ ንጥዕና መዓንጣ ናይቶም ሲሮሲስ (ዓይነት ሕማም ጸላም ከብዲ) ዘለዎም ሰባት ከማሓይሽ ተስፋ ኣለዎም።

ሲሮሲስ ሓደ ካብ ዓይነታት ሕማም ጸላም ከብዲ ኮይኑ ፡ ጸላም ከብዲ በሰላ ምስ ዝህልዎን ንሓዋሩ ምስ ዝጉዳእን ዝኽሰት እዩ።

ብመሰረት እቶም ተመራመርቲ፡ ሕዱር ሕማም ጸላም ከብዲ (CLD) እቲ እንኮ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓቢ ሕዱር ሕማም እዩ።

ብተወሳኺ ሕዱር ሕማም ጸላም ከብዲ (CLD) ንኣብ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ሳልሳይ ዝዓበየ ጠንቂ ኣብ ዘይግዚኡ ዘጋጥም ሞት ምዃኑ ይግምቱ።

ምስቲ ሕማም ዝነብሩ ሰባት ንረኽሲ ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም፣ እዚ ድማ ብጸረ-ነፍሳት [ኣንቲባዮቲክ] ንምሕካሞም ዝያዳ ከቢድ ክገብሮ ይኽእል።

ስለዚ እቶም ተመራመርቲ፡ ነቲ ኣብ ዝተበላሸወ ጸላም ከብዲ ዝርከብ "ተጻባኢ" ባክተርያ፡ ካብ ጥዑይ ሰብ ብዝተለገሰ ባክተርያ ምትካእ ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምኑ።

ኣብቲ ክሊኒካዊ ፈተነ፡ ሓሙሽተ ክኒን ደረቕ ቀልቀለ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ምውሳድ ከድሊ እዩ።

ሕሙማት ነዚ መስርሕ ፍወሳ ን21-ኣዋርሕ ወይ ድማ ክሳብ ናይ መጀመርታ ረኽሲ ኣማዕቢሎም ናብ ሆስፒያል ዝኣትዉ ክከታተልዎ እዮም።

'ናይ ሞት ፍርዲ'

እቲ ፈተነ፡ ጎናዊ ሳዕቤናት ሲሮሲስ ጸላም ከብዲ ይንኪ እንተኾይኑን ንጥዕና ጸላም ከብድን ስርዓተ ምክልኻልን ጠቓሚ እንተኾይኑን ክምርምር እዩ።

ነቲ ፈተነ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ሊንድሲ ኤድዋርድስ፡ ረኽሲታት "ንሕሙማት ጸላም ከብዲ ናይ ሞት ፍርዲ" ምዃኑን፡ በዚ ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት ድማ ንሕክምናዊ መድሃኒታት ተጻዋርነት ናይ ምምዕባል "ልዑል ሓደጋ" ከምዘለዎም ገሊጹ።

እቲ ፈተነ ብሃገራዊ ትካል ምርምር ጥዕናን ክንክንን ዓባይ ብሪጣንያ (NIHR) ዝምወል ኮይኑ፡ ኣስታት 300 ተሳተፍቲ ዘካተተ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ክፍሊ መጽናዕቲ ኣብ ኣጠቓቕማ ካፕሱላት መድሃኒታት ቀልቀል (ናይ ሰገራ) መድሃኒታት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ኣገባብ ውሑስን ተግባራውን ኮይኑ ረኺብዎ እዩ።

ዋና መርማሪ ናይቲ ፈተነ ፕሮፌሰር ደቢ ሻውክሮስ፡ እቶም ካፕሱላት ዘይከምቲ ስሞም ዝሕብሮ "ዝኾነ ጣዕምን ጨናን" ከምዘይብሎምን፡ ነቶም "ካብ ሕክምናዊ ኣማራጺ ወጻኢ ዝኾኑ" ሕሙማት ሲሮሲስ ሓድሽ ተስፋ ክህቡ ከምዝኽእሉን ገሊጻ።

እቲ ፈተነ ብብሪጣንያዊ ትካል ጸላም ከብዲ ዝድገፍ ኮይኑ፡ ሓላፊቱ ፓሜላ ሄሊ፡ እቲ መጽናዕቲ ካብ ሕክምና ጸላም ከብዲ ዝሓለፈ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል ትኣምን።

ንተጻዋርነት ዘለዎም ባክተርያ ንምፍዋስ ሓደስቲን ውጽኢታውያንን መገድታት ምርካብ ኣብ ዓለማዊ ሕክምና ካብ ዘለዉ ኣገደስቲ ብድሆታት ሓደ ኮይኑ፡ እዚ ፈተነ ውጺኢታዊ ምስ ዝኸውን ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ዘጥፍእዎ ሚልዮናት ፓውንድ ከድሕን ዝኽእል ፍታሕ ክህብ ይኽእል'ዩ" ኢላ።