እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ብዙሓት መንሽሮታት ዝተገብረ መርመራ ደም ሓቀኛ ተስፋ ኣርእዩ
ኣብ ልዕሊ 50 ዓይነታት መንሽሮ ዝተገብረ መርመራ ደም፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ፈተነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ሓቀኛ ተስፋ ከም ዘርኣየ ተመራመርቲ ገሊጾም።
እቲ መርመራ፡ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪሞም ዝኸዱ 5 ሽሕ ሰባት፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ መንሽሮታት ክልተ ብትኽክል ኣረጋጊጹ።
ኣብ 85 ሚእታዊት ካብቶም መንሽሮ ከም ዘለዎም ዝተረጋገጹ ሕሙማት፡ መበገሲ ኣካል ናይቲ መንሽሮ እውን ኣለልዩ።
እቲ መርመራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መንሽሮታት ኣብ ዝርከብ ቁንጣሮ ጀነቲካዊ ኮድ ፍሉይ ለውጢ የለሊ።
ክሕከም ዝኽእል መንሽሮ ብኣግኡ ምፍላጥ ህይወት ከድሕን ከም ዝኽእል ዝፍለጥ’ዩ።
እቲ መርመራ ኣዝዩ "ኣብ መስርሕ ዘሎ" ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ይሕብሩ፡ እንተዀነ ግን ቁጽሪ ናይቶም ዝተለለዩ መንሽሮታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሕሙማት ከም ምጉዳል ክብደት ሰብነት ዝኣመሰሉ ምልክታት ዝርእዩ’ኳ እንተዀነ፡ ጠንቁ ግን ዝተፈላለየ ክኸውን ስለዝኽእል ናብ ሆስፒታል ክመመላለሱን ብዙሕ መርመራታትን ክገብሩን ይግደዱ እዮም።
ኣብቲ መጽናዕቲ ልዕሊ 350 ተሳቲፎም እዮም - እዚ ድማ ምልክታት መንሽሮ ዘለዎም ሕሙማት ካብ ዝተሳተፉሎም መጽናዕትታት እቲ ዝዓበየ ይገብሮ። ብድሕሪኡ ኣብቶም ተሳተፍቲ ከም ስካንን ባዮፕሲን ዝኣመሰሉ ልሙድ ሜላታት ብምጥቃም መርመር መንሽሮ ተኻይዱ።
ካብቶም ውጽኢት መርመራ ደሞም እወታዊ ዝዀነ፡ እቶም 75 ሚእታዊት መንሽሮ ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ፤ ካብቶም ውጽኢቶም ኣሉታዊ ዝዀነ ድማ 2.5 ሚእታዊት መንሽሮ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ።
ዋላ'ኳ " ሕማም መንሽሮ" ንምርግጋጽ እኹል እንተዘይኰነ፡ እቲ መርመራ ንሕሙማት ኣዝዩ ጠቓሚ ከም ዝነበረ መሪሕ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ማርክ ንቢቢሲ ኒውስ ገሊጹ።
"እቲ መርመራ መበገሲ ናይቲ መንሽሮ ኣብ ምፍላጥ 85 ሚእታዊት ትኽክለኛ እዩ ነይሩ - እዚ ድማ ብሓቂ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ እቶም ምልክታት ናይ መንሽሮ ድዮም ኣይኰነን ከምኡ’ውን ነቲ ሕሙም እንታይ ዓይነት መርመራ ከምዘድሊ ብቕጽበት ርኡይ ኣይኸውንን" ይብል።
"በቲ ካብቲ ፈተና ዝረኸብናዮ ትንቢት፡ ንመጀመርታ ግዜ ስኮፕ ወይ ስካን ንክንእዝዝ ክንውስንን ቅኑዕ ትእዛዝ ንህብ ከምዘለና ከነረጋግጽን ንኽእል ኢና።"
እዚ ርኽበታት ኣብ ዋዕላ ማሕበር ክሊኒካዊ መንሽሮ ኣመሪካ፡ ኣብ ቺካጎ ክቐርብ እዩ።
'ተወሳኺ መጽናዕቲ'
ብተወሳኺ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ እቲ መርመራ ደም ሕቡእ መንሽሮታት ከለሊ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዝብል ንምፍላጥ ኣብ ኣሽሓት ምልክት ዘየርኣዩ ሰባት ክጥቀመሉ ጸኒሑ'ዩ።
ናይ መጀመርታ ውጽኢት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክግለጽ ትጽቢት ይግበር፤ ውጽኢቱ ዕውት እንተዀይኑ ድማ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 2024ን 2025ን ናብ ተወሳኺ ሓደ ሚልዮን ሰባት ክዝርግሖ መደብ ሒዙ ኣሎ።
እቲ መርመራ ብፍላይ ንምልላይ ኣጸጋሚ ዝዀኑ ከም መንሽሮታት ርእስን ክሳድን፣ መዓንጣ፣ ሳንቡእ፣ ጣፍያን ጎሮሮን ዝኣመሰሉ ንምልላይ ኣገዳሲ ክኸውን’ዩ።
"እቲ ካብቲ መጽናዕቲ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ እዚ መርመራ ኣብ ክሊኒካዊ ገምጋማት ክውዕል ከም ዝኽእል ይሕብር - እንተዀነ ግን መርመራታት ሓፈሻዊ ሓኪም ከማሓይሽ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ንምፍላጥ፡ ኣብ ዓብዪ ፈተነ ጽዑቕ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምክያድ ኣድላዪ’ዩ” ይብል ዶክተር ዴቪድ ክሮስቢ፡ ካብ ካንሰር ሪሰርች ዓባይ ብሪጣንያ።
ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ሃገራዊ ዳይረክተር መንሽሮ ዝዀነ ፕሮፌሰር ፒተር ጆንሰን ብወገኑ፡ "እዚ መጽናዕቲ፡ መንሽሮ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ንምልላይ ሓድሽ ሜላ ኣብ ምፍታን ቀዳማይ ስጉምቲ'ዩ። ኣቐዲምካ መንሽሮ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ መርመራ ድማ ቀልጢፍና ቀደሞት ደረጃታት መንሽሮ ንምልላይን ህይወት ኣሽሓት ንምድሓንን ዝሕግዝ'ዩ" ኢሉ።