ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ባዲላቲ ክዕወት እንከሎ ሄኖክ ራብዓይ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, FERWACY
ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ተቐዳዳማይ Q36.5 ባዳሊቲ ቀዳማይ ኮይኑ ክዛዝም እንከሎ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሓሙሻይ፡ መትከል ኢዮብ መበል 11፡ ዳዊት የማነ መበል 12 ኣትዮም።
ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ናይ ትማሊ ዝተቐየረ የለን፡ ብጫ ማልያ ኣብ ዝባን ዊልያም ለሰርፍ ኣላ፡ መትከል እዮብ 11 ካልኢት ተፈንቲቱ መበል ሓሙሻይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ብ13 ካልኢት ድሒሩ መበል 9 ተሰሪዖም ኣለዉ።
እዚ መድረኽ እዚ እቲ ዝሓየለ ዓቐበት ዝነበሮ ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ሓሙሽተ ተረርቲ ዓቐበታት ተሰሪዕሎም።
እታ ኣብ ማእከል ዝነበረት 6.6 ኪሎሜተርን ንውሓት ዘለዋ ዓቐበትን ኣብ መወዳእታ ዝነበረት 5.4 ንውሒ ዘለዋ ተራር ዓቐበትን ንተቐዳደምቲ ዳንግኦም ረድረድ ዘበላ ተረርቲ ዓቐበታት እዚ መድረኽ እየን።
ጸወታ ማንካ ከይተለዓሎ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋየነ ዝርከቦም ኣርባዕተ ተጻወትቲ ሃዲሞም፡ ድሕሪ ውሑዳት ኪሎሜተራት ከኣ ካልኦት ኣርባዕተ ተወሲኾምዎም፡ ሸሞንተ ተጻወትቲ ዝሓቖፈት ድልድልቲ ጉጀለ ኣቘሙ።
ኣብ ክልተ ዝተሰረዐ ናይ ዓቐበት ውድድር ኸኣ፡ ኣብ ጽቡቕ ኣቓውማ ዝርከብ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ክልተ ግዜ ንፕሪትነዝ ተኸቲሉ ካልኣይ ብምውጻእ ነጥቡ ክብ ኣቢሉ።
ጸወታ 44 ኪሎሜትር ጥራይ ምስ ተለዓሎ ኸኣ ኣብ ሞንጎ ዓባይ ጉጅለን መራሒት ጉጅለን ናይ 2 ደቒቕን 15 ካልኢትን ፍልልይ ተፈጢሩ።
ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዝበለጸ ህልኽ ዘርኣየ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ ዝተሸለመ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ነዛ ሻሙናይ ርእሱ ዝነበራ ጉጅለ'ውን ኣብ ቅድሚት እናወጽአ ብተደጋጋሚ ይቕልሳ ነይሩ።
ኣብ ዓባይ ጉጅለ፡ ብጫ ማልያ ዝሓዙ ኲክ ስቴፕ ነቲ ዝተፈጠረ ፍልልይ ንምጽባብ ክስሕቡ ይርኣዩ ነይሮም፡ እንተኾነ እቲ ፍልልይ ኣብ መበል 55 ኪሎሜተር ናብ 2 ደቒቕን 45 ካልኢትን ድኣ ወሰኸ።
ኣብ መበል 66 ኪሎሜተር ዓባይ ጉጅለ ናህሪ ብምሕያል እቲ ፍልልይ ናብ 2 ደቒቕን 15 ካልኢትን ከተጽብቦ ከኣለት።
ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ነታ ኣብ መበል 70 ኪሎሜተር ተሰሪዓ ዝነበረት ነጥቢ እተውህብ ሕንጻጽ'ውን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሸውዓተ ተቐዳደምቲ ብምቕዳም ነተን ነጥቢ ናብ ከብሑ ኣእተወን።
ብዓል ኣኽሊሉ ናህሮም ብምውሳኽ ኣብ መበል 77 ኪሎሜር ምስ ዓባይ ጉጅለ ዘነበሮም ፍልልይ ናብ ክልተ ደቒቕን ፈረቓን ኣበረኽዎ።
ኲክ ስተብ ነቲ ኣብ ተቐዳዳማያ ጁንየር ዊልያም ለሰርፍ ዝነበረ ብጫ ማልያ ንምዕቃብ ካብ ዓባይ ጉጅለ ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ፡ እቲ ምስ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዝነበረ ፍልልይ ኣብ ሓጺር ርሕቐት ናብ ክልተ ደቒቕ ወሪዱ።
ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ምጅማር ጸወታ 94 ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ መድረኻት ብምውዳቕ፡ ብሕማም፡ ብድኻምን ካልእን፡ 24 ተቐዳደምቲ ጸወታ ኣቋሪጾም፤ ሎሚ 70 ተቐዳደም'ዮም ጸወታ ጀሚሮም፡ እዚ ኸኣ እቲ ጸወታ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ዘርኢ'ዩ፡ እዛ ናይ ሎሚ መድረኽ'ውን ግዳያት ዝገበረቶም ተጻወትቲ ብድሕሪት ዘርጠብጠብ ክብሉ ተራእዮም።
ንመራሒት ጉጅለ ኣብ ዝበዝሓ ክፋል ክመራሕ ዘተራኣየ ኣኸሊሉ ኣረፋይነ ኣብ መበል 114 ኪሎሜተር ዝነበረት ነጥቢ እተውህብ ሕንጻጽ፡ ንፕሪትዘን ተኸቲሉ ካልኣይ ኮይኑ ኣትዩ።
ዓቐበት ወዲኦም ቁልቁለት ኣብ ዝሓዙሉ ካብ መራሒት ጉጀል ሰለስተ ተቐዳደምቲ ነቲ ዝነበረ ናህሪ ክጻወርዎ ኣይክኣሉን፡ ኣኽሊሉ፡ ግሌረል፡ ፋውቸ፡ ፕሪትዘንን ብረስታጅን ንበይኖም ኣብ ቅድሚት ካልእ ጉጅለ ኣቖሙ።
ናህሮም ብምሕያል ኸኣ ፍልልዮም ናብ 3 ደቒቕን 20 ካልኢትን ኣበረኽዎ።
ኣብ ብጫ ማልያ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝነበረ ማትዮ ቮርቸር ኣብ ዓባይ ጉጅለ፡ ምውዳቕ ስለዘጋጠሞ ካብ ጸወታ ተኣልዩ።
ኣብ ቅድሚት፡ ግሬለር፡ ታሮዚን ፋውቸን ካብ መራሒት ጉጅለ ተፈንጪሎም ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ናይ 20 ካልኢት ፍልልይ ኣንጸፉ፡ ዓባይ ጉጅለ ኸኣ ብዘገምታ ትስዕቦም።
እታ ድሕሪ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዝነበረት ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝነበራ ጉጅለ ንመራሒት ጉጅለ ስለዘርከበታ፡ ኣብ ቅድሚት ሸውዓተ ተጻዋትቲ ፍልልዮም ዓቒቦም ንዝተረፎም 37 ኪሎሜተር የቋምቱ።
ሎሚኸ ብጫ ማልያ ዋና ክትቕይር ድያ ዘብል ኣፍካ ማይ ዘሙዕግ ጸወታ እዩ ኔሩ።
መራሒት ጉጅለ ዓቐበት ኣብ ዝሓዘትሉ፡ ኣኽሊሉን ባዲላቲን ሃዲሞም ብምውጻእ ንጸወታ ሓዊ ዘርእሉ።
20 ተቐዳደምቲ ጥራይ ዝሓቖፈት ዓባይ ጉጅለ ዳንጋ ኣኽሊሉን ባዲላቲን ከምዘይምሕራ ግዲ ተረዲእዋ፡ ናህራ ብምሕያል ፍልልያ ከተጸብብ ጀመረት። ፍልልይ'ውን ናብ ክልተ ደቒቕን ፈረቓን ወረደ።
ምሉእ መዓልቲ ጸወታ ክቅልስ ዝወዓለ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ንስካቶ ባዲላቲ ክጻወሮ ስለዘይኣለ ካብ ባዲላቲ ተረፈ።
ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ንዝነበረት ናይ ዓቐበት ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ፡ ባዲላቲ ቀዳማይ ክኣትዋ እንከሎ ብድሕሪኡ ዝነበረ ኣኽሊሉ ካልኣይ ብምእታው ኣኽሊሉ ኣብ ኩለን ሕንጻጻት ነጥቢ ኸሲቡ።
ተቐዳዳማይ ጋንታ Q36.5 ባዲላቲ ናህሩ ብምሕያል ምስ ኣኽሊሉ ዝነበሮ ፍልልይ ናብ 1 ደቒቕን 20 ካልኢትን ክብ ከብሎ እንከሎ ምስ ዓባይ ጉጅለ ኸኣ 2 ደቒቕን 20 ካልኢትን ነይሩ፡ ጸወታ 15 ኪሎ ሜተር ይተርፎ።
ባዲላቲ ኣብ ብጫ ማልያ፡ ካብ ቀዳማይ ብ1 ደቒቕን 8 ካልኢትን ተፈንቲቱ ኣብ መበል 18 ስለዝነበረ ፍልልዩ ዓቒቡ ምስ ዝኣቱ ብጫ ማልያ ክረኸብ ተኽእሎ ስለዝነበሮ ከም ፈረስ'ዩ ዝጋልብ ነይሩ።
ጸወታ ክዛዘም 10 ኪሎሜተር ጥራሕ ኣብ ዝተርፈሉ፡ ባዲላቲ ፍልልዩ ዓቒቡ ክጋልብ እንከሎ ብዓል ኣኽሊሉ ብዓባይ ጉጀለ ተዋሒጦም።
ጸወታ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ይተርፎ፡ ባዲላቲ ንበይኑ ኣብ ቅድሚት፡ ዓባይ ጉጅለ ሓደ ደቒቕ ድሒራ ንኹሎም ተጠመትቲ ተጻወትቲ ሒዛ ትስዕብ።
እቲ ፍልልይ ናብ ትሕቲ 55 ካልኢት ብምውራዱ ባዲላቲ ብጫ ማልያ ካብ ኢዱ እኳ እንተኣምለጠት ንበይኑ ብምምጻእ ዕዉት ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ-2023 ኮይኑ ዛዚሙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







