ተስፋን ብድሆን ኣብ ኣቭየሽን ኣፍሪቃ ተነሓናሕቲ ዝዀኑ መገዲታት ኣየር ኢትዮጵያን ኬንያን

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንዓመታት ‘ኣብ ኣፍሪቃ ብሉጽ መገዲ ኣየር’ ዝብል ናእዳ ክረክብ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ኣህጉራት ብምርካብ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ኰይኑ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ኣቭየሽን ልዑል ጽልዋ የሕድር ኣሎ።

መገዲ ኣየር ኬንያ'ውን፡ ካልእ ኣብ ኣፍሪቃ ዓቢ ስም ዘለዎ መገዲ ኣየር ኰይኑ፡ ንርእሱ ‘ሓበን ኣፍሪቃ’ ብምባል ይጽውዕ።

ክልቲኦም መገዲታት ኣየር፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዓብዪ ቦታ ዘለዎም ኰይኖም፡ በዚ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ኢንዳስትሪ ኣቭየሽን ኣፍሪቃ መሪሕነት ክህልወን ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ 2021፡ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝነበረ መገዲ ኣየር ኬንያ (ኬኪው)፡ ኣብ 2022 ብመገዲ ኣየር ሞሮኮ ኤይር ማሮክን መገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃን ተበሊጹ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተቐሚጡ እዩ።

ኣብዚ ዓመት፡ ስካይትራክስ 100 ብሉጻት መገዲታት ኣየር ዓለም ኢሉ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ዝርዝር፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሰሪዑዎ ኣሎ።

መገዲ ኣየር ኬንያ፡ መበል 81 ክስራዕ እንከሎ፡ ኤይሮ ማሮክ መበል 66 ከምኡ’ውን መገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃ መበል 79 ደረጃ ሒዞም ይርከቡ።

ስካይትራክስ፡ ብቕዓት ኣገልግሎት ልዕሊ 350 ዓለምለኸ መገዲታት ኣየር ዝምልከት ዳህሳስ መጽናዕቲ ዓማዊል ገይሩ’ዩ ነዚ ደረጃታት ዝህብ።

መገዲ ኣየር ቀጠር፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ንሸውዓተ ዓመታት፡ ቀዳምነት ብምሓዝ ብሉጽ መገዲ ኣየር ዓለም ተባሂሉ እዩ።

መገዲታት ኣየር ኢትዮጵያን ኬንያን፡ ንዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀዳምነት ብምሓዝ ንሓድሕዶም ንሕንሕ ከርእዩ እኳ እንተጸንሑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣቭየሽን ኣፍሪቃ ልዕልነት ሒዙ ጸኒሑ ኣሎ።

ንኣብነት፡ ብ2019፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 13.3 ሚሊዮን ገያሾ ከጉዓዕዝ እንከሎ፡ መገዲ ኣየር ኬንያ 4.9 ሚሊዮን፣ መገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ 4.6 ሚሊዮን ገያሾ ከም ዘጉዓዓዙ ጸብጻብ ሩትስ ኦንላይን የመልክት።

ይኹን’ምበር፡ ብ2010 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝነበረ ኣሃዝ እንተርኢና፡ መገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃ ሸሞንተ ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ከመላልስ እንከሎ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበሩዎ ዓመዊል ትሕቲ ሰለስተ ሚሊዮን ነይሮም።

መገዲ ኣየር ኬንያ፡ ብ1977 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ክምስረት እንከሎ፡ ኣብ 1980ታት ብዝሒ ነፈርቲ ብምውሳኽ ኣገልግሎቱ ከስፍሕ ጀሚሩ።

ኣብ 1990ታት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝኽተሎ ኣንፈት ዝተፈለየ መገዲ ተኸቲሉ ክሳብ 2012 ቕልጡፍ ዕብየት ከርኢ እንከሎ፡ ቑጽሪ ተጉዓዝቱ ልዕሊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከብጽሖም ክኢሉ ኔሩ።

እንተዀነ፡ እቲ መገዲ ኣየር ዝነበሮ ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ወጻኢታት፣ ትልሚ ዕድጊት ነዳድን ምስ ኬኤልኤም ዝነበሮም ጸገምን እቲ መገዲ ኣየር ክወድቕ ምኽንያት ኮይኖም።

ብኣንጻሩ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሓዞም ናይ ምስፋሕ ትልምታት ብሰፊሑ እናዐወተ ብምኻድ፡ ኣብ እዋን ሃጸይ ሃይለስላሴ ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣገልግሎቱ ዘበናዊ ናይ ምግባር ስራሕቲ ነይሮምዎ።

ብተወሳኺ፡ እቲ መገዲ ኣየር ካብ መገዲ ኣየር ኣሜሪካ ትራንስ ወርልድ ኣልያንስን ኤክዚም ባንክን ድጋፍ ይረክብ ከም ዝነበረ መረዳእታታት የመልክቱ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ቦይንግ 767 ነፈርቲ ብምእዛዝ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ኰይኑ፡ ሕጂ ዝርከበሉ ደረጃ ዕብየት ካብ 2005 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ከም ዝጅምር ተንተንቲ ኣቭየሽን ይዛረቡ።

ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ እዋን እቲ መገዲ ኣየር ብመንጽር መገዲታት ኣየር ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ግብጽን፡ ዝነበሮ ደረጃ ዝትሓተ ከም ዝነበረ መረዳእታታት የመልክቱ።

ብ2010 ግን፡ ቑጽሪ ዓማዊሉ ናብ ሰለስተ ሚሊዮን ብምዕባይ፡ ዝሓዞም መደባት ከዐውት ጀሚሩ። ኣብዚ እዋን፡ ብብዝሒ ቑጽሪ ዓማዊል፣ ዝዓርፈለን ሃገራትን መኽሰብን ውጽኢታዊ ኰይኑ ይርከብ።

ኣብ 2025 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 18 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ንከመላልስ መደብ ሒዙ ኣሎ።

ሕጂ፡ ኣብ ዙርያ ምሕደራን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን፡ ንመገዲታት ኣየር ሽዱሽተ ሃገራት ንምንቕቓሕ ይሰርሕ ኣሎ።

ኣብ መገዲ ኣየር ማላዊ 49 ሚኢታዊት ኢንቨስት ብምግባር፡ ምስ መገዲ ኣየር ስካይ፣ መገዲ ኣየር ሞዛምቢክን ዛምቢያን ከምኡ’ውን መገዲታት ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃ ምትሕብባር ይገብር ኣሎ።

ኣቶ ተወልደን መገዲ ኣየር ኬንያን

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዘርኣዮ ዓበይቲ ዓወታት፡ ን11 ዓመታት ፈጻሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ዝነበረ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም፡ ብቐንዱ ይልዓል።

ንሱ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት “ብምኽንያት ጥዕና” ካብ ስርሑ ከም ዝለቐቐ ይፍለጥ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ግን፡ ሽሙ ምስ መገዲ ኣየር ኬንያ ብዝተሓሓዝ ይለዓል ኣሎ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ ኬንያ፡ መገዲ ኣየር ኬንያ ንምሻጥ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ምስ ሰብ መዚ መገዲ ኣየር ዴልታ ኣብ ዝቐረበ ሓሳብ ክዛተዩ እንከለው፡ ኣቶ ተወልደ ምስቶም ኣሜሪካውያን ነይሩ።

ጋዜጣ ዘ ኢስት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዘመዝገቦ ዓወት ዓብዪ ብጽሒት ዝሕዝ ኣቶ ተወልደ፡ ንኣቪየሽን ኣፍሪቃ ልዕሊኡ ዝፈልጦ የለን ክብል ጽሒፉ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ መገዲ ኣየር ዴልታ ዝዀነ ኣቶ ተወልደ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም መገዲታት ኣየር ክብጻሕ ዝኽእል ስምምዕ ንክሰምር’ውን ኣገዳሲ ሰብ እዩ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ይኹን’ምበር፡ ኣብዚ መስርሕ ንዴልታ ዝወከለ ኣቶ ተወልደ፡ መገዲ ኣየር ኬንያ ሰማያት ኣፍሪቃ ናይ ምቁጽጻር ተስፍኡ ዘማህመነ ሰብ’ዩ ኢሉዎ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2021 ልዕሊ 7 ሚሊዮን ሰባት ከጉዓዕዝ እንከሎ፡ መገዲ ኣየር ኬንያ 1.5 ሚሊዮን ጥራይ’ዩ ኣመላሊሱ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ኣሜሪካ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መፋርቕ 2022 ኣስታት 80 ሚሊዮን ዶላር ንዝኸሰረ መገዲ ኣየር ኬንያ ናይ ምሻጥ ድልየት ከም ዘለዎ ምግላጹ ማዕከናት ዜና ኬንያ ክገልጻ ጸኒሐን።

እዚ ስምምዕ ተግባራዊ እንተዀይኑ፡ ዴልታ 48.9 ሚኢታዊት ናይቲ ብመንግስቲ ኬንያ ዝውነን ብርኪ መገዲ ኣየር ኬኪው ክቆጻጸሮ ይኽእል እዩ።

ካልኦት ሰብ ብርኪ ድማ፡ ኣለቃሕቲ ውሽጢ ሃገር 38.1 ሚኢታዊት፣ ኤየር ፍራንስን ኬኤልኤምን 7.8 ሚኢታዊት፣ ካልኦት ሰብ በርኪ ድማ ክልተ ሚኢታዊት ክሕዙ እዮም።

መንግስቲ ኬንያ ግን፡ ሙሉእ ብጽሒቱ ድዩ ክሸጦ ወይስ ዝተወሰነ ዝብል ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

በዚ፡ እቲ መገዲ ኣየር ዘለዎ ልቓሕ ከፊሉ ክኸስብ ድዩ? ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያኸ ክወዳደር ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ቀጻሊ ብዝግበር ስምምዕ ዝምለሱ ክዀኑ’ዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 11 ዓመታት ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝመርሐ ኣቶ ተወልደ፡ መኽሰብ እቲ መገዲ ኣየር ካብ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ናብ 4.5 ቢሊዮን ዶላር፣ ካብ 33 ነፈርቲ ናብ 140 ክዓቢ ገይሩ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 12 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ከመላልስ ገይሩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ መገዲ ኣየር ካብ መገዲ ኣየር ኤምሬትስ ብምብላጽ ኣብ ኤዥያን ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጐ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓብዪ ድልድል ኰይኑ እዩ።

ብፍላይ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ዘርኣዮ መሪሕነት ልዑል ናእዳ ረኺብሉ እዩ።

ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘሎ ጉዕዞ እቲ መገዲ ኣየር

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ሓደጋ ቦይንግ 737 ማክስ ሸሞንተ ከምኡ’ውን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ልዕሊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓብዪ በሰላ እንተሕደሩ’ውን፡ ከስቡ ኣሐይሉ ንምቕጻል ኣየሰናኸሉዎን።

ባጀት ዝሓለፈ ዓመት እንተርኢና፡ 79 ሚኢታዊት ወሰኽ ብምርኣይ 5 ቢሊዮን ዶላር እቶት ክረክብ እንከሎ፡ ከስቡ ድማ 90 ሚኢታዊት ወሰኽ ብምርኣይ 937 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝረኸበ ንኢንቨስትመንት ሆልዲንግ ኢትዮጵያ ጸሪሑ ዘ ኢስት ኣፍሪቃ ጸብጺቡ ነይሩ።

ዓወት እቲ መገዲ ኣየር፡ “ቅልውላው ቁጠባ ዓለም ኣብ ዝናግዓሉ ዘሎ፣ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዝኸበረሉን ዓለምለኻዊ ለበዳ” ኣብ ዘለወሉን እዋን ዝተመዝገበ ምዃኑ ፈጻሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆልዲን ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ልዕሊ ኢንዳስትሪ ኣቪየሽን ዓብዪ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ይግለጽ።

በዚ ምኽንያት፡ መገዲታት ኣየር ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ተጐዲኦም እዮም።

መገዲ ኣየር ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ 82 ሚሊዮን ዶላር ከሲሩ፤ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ 95 ሚሊዮን ዶላር ከሲሩ።

መንግስቲ፡ እዚ ትካል ካብ ዝኣተዎ ቅልውላው ንምውጻእ 34.95 ቢሊዮን ሽሊንግ [283.7 ሚሊዮን ዶላር] ድጐማ ከም ዝገብር ተገሊጹ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እቲ መገዲ ኣየር ካብ ዝኣተዎ ዕዳ ንምንጋፍ 81.2 ሚሊዮን ዶላር ገንዘብ ከም ዝተዋህቦ ተሓቢሩ።

ኬኪው፡ ንኣካረይቲ ነፈርቲ፣ ወጻኢታት ጽገና፣ ነዳድን ግብርን 357 ሚሊዮን ዶላር ክኸፍል ትጽቢት ይግበር።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ተወሳኺ ክሳራ የምጽኡለይ ኣለው’ዮም ዝበሎም 12 በረራታት ደው ዘበለ ኰይኑ፡ ብጠቕላላ ኣብ ዓለም ናብ 16 መዓርፎ ነፈርቲ ዝገብሮ በረራ ከምዘቋረጸ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብተወሳኺ፡ ቑጽሪ ሰራሕተኛታት ምንካይ ዝርከቦ፡ ጽገና፣ ነዳድን ካልኦት ወጻኢታትን ንምቑጣብ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።

ብኣንጻሩ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቑጽሪ ነፈርቲ ይውስኽ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ፡ ካብ ኤክዚም ባንክ ልቓሕ 688 ሚሊዮን ዶላር ዝጸደቐሉ ኰይኑ፡ እቲ ልቓሕ 26 ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ንምዕዳግ ከም ዝዀነ ተገሊጹ።