'ውላድ እንተደሊኺ፡ ስለምንታይ ንወዲ ተባዕታይ ትጽበዪ?'

ምንጪ ስእሊ, CLAIRE LONG
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ቁጽሪ ናይተን ብኣርቲፊሻል ምፍራይ ውላድ [IVF] ዝረኽባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዀነ መረዳእታ ይሕብር።
ኣብ መንጎ 2012ን 2022ን ቁጽሪ ናይተን በዚ መገዲ ውላድ ዝረኽባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ 1400 ናብ 4800 ከምዝዘለለ ካብቲ ተቖጻጻሪ ፍርያምነት ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር።
በዚ መንገዲ ውላድ ምርካብ ዝድግፋ ክኢላታት፡ ሓዳር ዘይገበራ ደቂ ኣንስትዮ ሓዳር ዝዀነን ሰብ ክሳብ ዝረኽባ፡ ካብቶም ነዚ ወሰኽ ምኽንያት ዝኾኑ ረቛሒታት ምዃኖም ይዛረባ።
ብዙሓት ካብኣተን ግን፡ ንበይነን ቆልዓ ከዕብያን ሕክምና ክረኽባን ፋይናንሳዊ ዕንቅፋታት የጋጥመን ከምዘሎ ይዛረባ።
ንበይነን ስድራቤት ክምስርታ ዝመረጻ ኣዴታት ብዛዕባ ተመኩሮአን ኣዘራሪብናየን ኣለና፡
ጓል 39 ዓመት ጂና፡ 'ብናይ ገዛእ ርእሰይ መገዲ ውላድ ምርካብ ይጥዕመኒ'
ጂና፡ መጀመርታ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኣ ናይ ፍርያምነት ገምጋም ድሕሪ ምግባር፡ ንበይና ኣደ ክትከውን ‘ብዕቱብ’ ክትሓስብ ከም ዝጀመረት ገሊጻ።
ኣብ ሓደ ውሳነ ድማ በፂሓ፡ "ውላድ ምርካበይ ንህይወተይ ጽቡቕ'ዩ፡ እዚ ክገብሮ ዝደሊ ነገር'ዩ" ኢላ ከም ዝሓሰበት ዘኪራ።
ወሲኻ ድማ፡ "ብተደጋጋሚ ዕርክነት ፈጢረ ነይረ ግን፤ ምስ ሓደ ሰብ ንነዊሕ እዋን ኣብ ርክብ ካብ ምጽናሕ [እሞ ድማ ምስኡ ቆልዑ ከፍርን ዘይከፍርን ዘይፈልጥ፡ ግዜ ካብ ዝሓልፈኒ ] ንበይነይ ክገብሮ ዝመርጽ ኮይኑ ተሰሚዑ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንበይነይ ወላዲት ምዃን መሪፀ"።
እታ ነርስ ጥዕና-ኣእምሮ ማሕበረሰብ፡ ብልግሲ ዝረኸበቶ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብቐጥታ ናብ ማህጸና ብመርፍእ ተወጊኣ።
ነቲ ከይዲ፡ ኣስታት 1500 ፓውንድ ወጻኢታት ዝገበረት ኮይና፡ ኣብ 2021 ሰሚሩላ ጠኒሳ።

ምንጪ ስእሊ, HANDOUT
ንሳ ናይ ቀረባ ስድራቤታዊ ሓገዛት ነይሩዋ፤ ሓፍታ ኣብቲ ሕክምናዊ መስርሕ ጥንሲ ተኸታቲላ።
ኣዲኣ ድማ ኣብ እዋን ሕርሲ ኣብ ጐድና ነይራ። ብዛዕባ ንበይና ወላዲነት ምዃና ብዝተኣሳሰር፡ "ዝኾነ ጭንቀት ዝፈጠረላ እዋን" ከም ዘይትዝክር ገሊጻ።
"ብናይ ገዛእ ርእሰይ መገዲ ከምኡ ምግባረይ ንዓይ ተመችዩኒ እዩ" ክትብል ወሲኻ።
ሕዚ ወዲ ክልተ ዓመት ዝኰነ ወዳ ኣብ 2022 ካብ እትወልድ ንደሓር፡ ኣብ ወጻኢታትን ክንክንን ሓገዝ ንምርካብ፡ ካብ ዮርክሻየር ናብ ዓዳ ናብ ኖርዝሃምበርላንድ ተመሊሳ።
"ናቱ ሳዕቤናት ኣለዎ፡ ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኣነ ግን ካልእ ዝሽገረሉ ሰብ ለዘይብለይ ጥራይ እየ ነገራት ብኸምኡ ዝቕጽል"።
"ኣብ ህይወትካ ውላድ እትረኽበሉ ዕድል እንተሎን፡ ኣብ ከባቢኻ ፍቕርን ደገፍን እንተሃልዩካ፡ ንምንታይ ወዲ ተባዕታይ ትጽበ?"።
ጓል 46 ዓመት ሶፊ፡ 'ግዜ ይሓልፈካ'
ሶፊ፡ ዝበዝሕ ዕድሚኣ "ናይ ብሓቂ ምሉእን ሕጉስን ህይወት" ከምዘሕለፈት፡ እንተኾነ ግን ናብ 40 ዓመት ምስተጸገዐት ከይወለደት ከይትተርፍ ስግኣት ነይሩዋ።
"ሰዓትካ ከምዝኣኸለ ትግንዘብ’ሞ፡ ከምቲ ዝሓሰብካዮ ዘይከውን" ።
ንሳ ንበይና ውላድ ክትፍትን ወሲና፡ ኣብ መጀመርታ ብመንገዲ ሕክምና [ብመርፍእ ብዝወሃብ ፍረ ወዲተባዕታይ] ጠኒሳ፤ ግንድማ ከይዱዋ።
ብድሕሪኡ እንቋቑሖኣ ኣብ በረድ ኣእትያ ፈቲና።
ኣብ 2021 ዕዉት ናይ ድቂ ምትሕልላፍ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፡ ምስ ሕደ-ጾታ ዝዀነት መጻምድቲ ሒዛ።
እታ ሓዳሽ መፃምዳ፡ ንጓላ- ማርታ፡ ሕጋዊት ወላዲት [ኣቦ] ኰይና።
እንተዀነ ግን፡ ነቲ ሕክምናዊ ከይዲ ብሓፈሻ፡ 30 ሽሕ ፓውንድ ዘውፀአት ኰይና፡ ንብሕታ ከምዘዕበየት እያ ትኣምን።
ሶፍ ካብ እትጠንስ ጀሚራ፡ ክሳብ ሕዚ ዝዀነ ዝፈጥረላ አሉታዊ ስምዒት ኰነ ጣዕሳ ከምዘየላ እያ ትዛረብ።
ሓደ ኣማኻሪ ስድራቤታት ሓዊሱ፡ ገለ መቕርባት፡ ንብሕታ ከም ኣቦን ኣደን ምዃና ዝፈጥሮ ጸገም ከይህሉ ውሳነኦ ከቐይሩዋ ፈቲኖም።
እታ ዘማኸረታ፡ "ኣይበሎ'ሞ፡ ንኣብነት እንተሞትኪ ኸ?" ክትብል ሓቲታታ ።
ምስታ መፃምዳ'ውን እንተዀነ፡ በዛዕባ እቲ ጉዳይ ከይድን፡ ዝጠነሰትሉ መስርሕን ብግልፂ ተዘራሪበናሉ እየን።
እንተዀነ፡ እዚ 'ብሕታዊ ኣደነት' ኣብ ገለ እዋናት ብድሆታት ከምዘለዎ ኣይሓብአትን።
"ኩሉ ውሳነታት ንብሕትኻ ኢኻ ትወስድ፡ ኩሉ እቲ ዘጨንቕ ባዕልኻ ኢኻ ትገብሮ፡ ኣብ ጐንኻ ዝሕግዘካ ሰብ የለን፤ እታ ህጻን እንትሓምም፡ እሞ ድቀስ ስኢንኪ ምስ ትሓድሪ ክንደይ ዝኣክል ብርትዕቲ ምንኝኪ ጥራይ እዩ ዝነግረኪ"።
ጓል 42 ዓመት ሚሸል፡ 'ፍቕርን ውላድን'
ሚሸል፡ ዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ተጠቒማ፡ ብሕክምናዊ መገዲ ክልተ ቆልዑ ክትወልድ ዝገበረቶ ጉዕዞ፡ምስ ፍቕራዊ ርክባ ምብቅዑ እዩ ጀሚሩ።
"ምስ መጻምድተይ ንነዊሕ እዋን ጸኒሐ ነይረ፡ ቆልዑ ክወልድ ከም ዝደሊ ድማ ኩሉ ግዜ እፈልጥ ነይረ። ንሱ ብዛዕባ ውላድ ድሌት የብሉን" ትብል ሚሸል።
"ሕጂ 38 ዓመት ኮይኑኒ፤ ስለዚ ድሕሪ ሕዚ ሐቀኛ ሰብ ረኺበ ናብ ውላድ ክበጽሕ ክፅበ ኣይደለኹን" ዝብል ስምዒት ፈጢሩላ።
ነዚ ድማ እዩ፡ ሚሸል፡ እቲ ርክብ ከብቅዕ ዝወሰነት።
ንሳ ንሓደ ልግሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ተጠቒማ ንሕክምናዊ ምፍራይ ከይዲ 1800 ፓውንድ ከፊላ ጠኒሳ።
ኣብ 2021 ወዳ ቅድሚ ምግልጋላ፡ ንነዊሕ እዋን ምስ ኣዲኣ ከምዝፀንሐት ሚሸል ትዛረብ።
"ምስ መጻምድቲ ይኹን ብዘይ መጻምድቲ ውላድ ምርካብ፡ ነናይባዕሉ ጽቡቕን ሕማቕን ጐድኒ ኣለዎ" ትብል።
"ንበይንኻ እትገብሮ ነገር ኩሉ ነገር ኣብ ማእገርካ እዩ፡ ምስ መሓዙትካ ብዘይ ገዲፍካ ቡን ክትሰቲ ኣይትኽእልን። ግዜ የብልክን።"
ብኻልእ ወገን ድማ ሚሸል፡ "ስም ካብ ምውፃእ ጀሚሩ፡ ከምኡ’ውን ኣበይ ከም እንነብርን ብኸመይ ከተዕብዮ ከምእትኽእልን፡ እቲ ፀውራ ንብሕታ እያ ትስከሞ" ትብል።
ኣብ 2023 ድማ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ጠኒሳ፡ ጓል ወሊዳ።
ሕጂ እዞም ሰለስተ ኣብ ሚልተን ኬይንስ ይነብሩ፡ እቶም ቆልዑ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ናብ መዋእለ ህጻናት ክኸዱ እንከለዉ፡ ሚሸል ድማ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ትሰርሕ።
ቀፃሊ ብድሆታት
ገለ ምምሕያሻት እንተሎኳ፡ ቁጽሪ ካብተን ብዘይ ስብኣይ-ንበይነን ውላድ ክረኽባ ዝደልያ ኣዴታት፡ ሕክምናዊ ደገፋት ዝረኽባ ኣዝየን ውሑዳት እየን።
ንሰ'ውን እንተኰነ፡ ካብ ናብ ቦታ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ አፈላላያት ኣሎ።
በዚ መንገዲ ውላድ ንምርካብ ዝግበር ኣገባብ ድማ፡ ሰፊሕ ገንዘባዊ ወፃኢታት ዝሓትት እዩ።
እቲ ኣገባብ፡ ዛጊድ ኣብ ስሩዕ መንግስታዊ ስርዓተ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ [NHS] ኣይተኻተትን ኣሎ።
ካብ 'ፈርቲሊቲ ኔትወርክ ዓባይ ብሪጣንያ' ዶክተር ካትሪን ሂል፡ ከምኡ ዀይኑ'ውን፡ ኣብ ዙርያ ንብሕትኻ- ምውላድ ዝነበረ ማሕበረሰባዊ ማሕንቖታት እናነከነየ ምምፅኡ ትዛረብ።
"ብዛዕባ ብሕታዊ-ወላድ ኣዴታት ዝፀንሐ ሕብረተሰባዊ ኣተሓሳስባ ሎሚሎሚ ዝተቐየረ ይመስለኒ፡ ሕጂእቲ ዘድሊ፡ ነዞም ለውጥታት ብፖሊሲ መንግስቲ ክድገፍ ምግባር እዩ" ክትብል ወሲኻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







