ካርቱም፡ ሓንቲ ነፋሪት ብምውዳቓ ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ብዘጋጠመ ምውዳቕ ነፋሪት ብውሕዱ 46 ሰባት ከም ዝተቐትሉ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

እታ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ኡምዱርማን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ዝርከቦ ከባቢ ከም ዝወደቐት'ውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ነፋሪት ካብቲ ኣብ ከባቢ ካርቱም ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዋዲ ሰይድና ክትብገስ ኣብ ዝፈተነትሉ ከም ዝተሓምሸሸት የመልክት።

እቶም ግዳያት መኮንናት ዝርከብዎም ኣባላት ሰራዊትን ሲቪላትን ምዃኖም'ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

"ሎም ምሸት ሓንቲ ካብ ነፈርትና ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ዋዲ ሰይድና ክትብገስ እንከለ ተሓምሺሻ'ላ" ይብል እቲ ብጠቕላሊ እዚ ሰራዊት ሱዳን ዝወጽአ ጋዜጣዊ መግለጺ።

ጠንቂ ናይታ ስራሓት ሩስያ ዝዀነት ኣንቶኖቭ ዝዓይነታ ነፋሪት እንታይ ምዃኑ'ኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ገለ ምንጭታት ግን ብቴክኒካዊ ምኽንያት ወዲቓ ክትከውን ከም እትኽል ተዛሪቦም።

ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ዳዕመ-ኣልሰሪዕ ብሰኑይ ንሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ደቡብ ዳርፉር ሃሪሞም ከም ዘውደቕዋ ገሊጾም ነይሮም'ዮም።

ሰብመዚ ጥዕና ሱዳን፡ ነቶም ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት ምሕምሻሽ ነፋሪት ዝቖሰሉ ቆልዑ ዝርከብዎም ግዳያት ናብ ሆስፒታላት ካርቱምን ኦምዱርማንን ከም ዝወሰድዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣብቲ እታ ነፋሪት ዝወደቐቶ ከባቢ ሓያለ ኣባይቲ ዓንዩ ከምዘሎ መሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ጸብጺቡ።

ብሰንኪ'ቲ ዕንወት'ውን ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ጠፊኡ'ሎ።

ዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ግዳያት ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብቲ ዝቕጽል ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ሚልዮናት ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ንምሕደራ እታ ሃገር መቓቒሉዎ ይርከብ።

ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ንሰሜናዊን ምብራቓውን ክፋል ክቈጻጸር እንከሎ፡ ዳርጋ ንመላእ ከባቢታት ዳርፉር ሒዞም ዘለዉ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣ'ሰሪዕ ብወገኖም ገለ ከባቢታት ደቡባዊ ክፋል ተቘጻጺሮም ምህላዎም ይፍለጥ።