ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 16 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ከባቢ ከተማ ሽረ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 16 ሰባት ከም ዝሞቱ መዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ስሑል ዶክተር ገብረህይወት ለገሰ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ብቐዳም 15 ሚያዝያ 2023 ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ካብ ዓዲ ዳዕሮ ናብ ሽረ ትኸይድ ዝነበረት ሚኒባስ ብምግልባጣ ዝተፈጥረ ምዃኑ ዶ/ር ገብረሂወት ሓቢሩ።

ኣብቲ ሓደጋ ዝተጐድኡ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት’ውን ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።

ዶ/ ገብረህይወት ከም ዝበሎ፡ እታ ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ሚኒባስ “ብጣዕሚ ፍጥነት ዝለዝነበራ” ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ እንስሳታት መስመራ ብምስሓታ’ዩ እቲ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ተሳፈርቲን እግረኛታትን ሞትን መጉዳእትን ከም ዘስዓበ ድማ ጠቒሱ።

እቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ፡ “ንህይወት ዘስግእ'ኳ እንተዘይኰነ ክትትል ሕክምና ዘድልዮም እዮም”።

“ናይ መኪና ሓደጋ ዘጋጠሞም መብዛሕትኦም መጥባሕቲ” ከም ዘድልዮም ዝገለጸ ዶክተር ገብረህይወት፡ እቲ ሆስፒታል ግን ነዚ ዝኸውን እኹል መሳርሒ ከም ዘይብሉ ኣመልኪቱ።

“ናይ መድሓኒት፡ ናይ መጥባሕቲ መድሓኒት፡ ኣንቲባዮቲክ . . . ጥቕልል ብዝበለ ሕጽረት ኣሎ።”

ኣብ ትግራይ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከም ዘስዓበ ይፍለጥ።

ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ዝነበራ ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላት ጥዕናን እውን ከም ዝዓነዋን ዳርጋ መብዛሕትአን ኣገልግሎት ከቋርጻ ከም ዝተገደዳን ይፍለጥ።

ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን መራሕቲ ትግራይን ዝተገብረ ስምምዕ ስዒቡ፡ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ምእታው ጀሚሩ እዩ።

እንተዀነ ሕጂ’ውን ዓቢ ሕጽረት ኣገልግሎት ሕክምና ከም ዘሎ ይንገር። ገለ ትካላት ሕክምና’ውን መሊአን ኣገልግሎት ክህባ ኣይጀመራን።

እቲ ዶክተር ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ካብቲ ቅድሚ ስምምዕ ዘተ ዝነበረ ዝሓሸ’ኳ እንተዀነ፡ ምስቲ ድሌት ግን ዝመጣጠን ኣይኰነን።

“ድንገተኛ ወይ ሃንደበታዊ ጥራይ ኢና ንሕክም ዘለና” ይብል ዶክተር ገብረህይወት።

ኣብ ሃንደበታዊ ሕክምና’ውን እንተዀነ ሕጽረት ስለዘሎ፡ “ብዘለካ ኢኻ ትሕክም” ብምባል እቶም ህጹጽ ሕክምና ዝረኸቡ’ውን መድሓኒት ካብ ደገ ክገዝኡ ከም ዝግደዱን መብዛሕትኦም ድማ ዓቕሚ ከም ዘይብሎምን ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ “ገናሕቲ [መራሕቲ] መኪና . . . ፍጥነቶም ሓልዮም” ክጓዓዙ ዝተላበወ እቲ ዶክተር “ሕብረተሰብ’ውን ፍጥነትካ ሓሉ ክብል ክኽእል ኣለዎ” ብምባል ሓላፍነት ናይ ኩሉ ከም ዝዀነ ኣስሚሩ።