እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ መራሕቲ ህወሓት መቐለ ኣትዮም
ምስ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተፈትሑን ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ናብ ትግራይ ተመሊሶም።
እዞም ሎሚ ናብ መቐለ ዝኣተዉ መራሕቲ፡ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብርሂም፣ ዶ/ር ኣብራሃም ተኸስተ፣ ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማን ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይን ምዃኖም ተለቪዢን ትግራይ ሓቢሩ።
"ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተኸተመ ዉዕሊ ሰላም ዘላቕነት ክህልዎ ብሰንኪ ትግራዋይ መንነቶም ተኣሲሮም ነይሮም ክሶም ተቛሪፁ ካብ ዝተፈትሑ ላዕለዎት ሰብ መዚ ትግራይ ሎሚ ገሊኦም መቐለ ኣትዮም" ክብል እቲ ማዕከን ዜና ጸብጺቡ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን'ውን ካብ ማእርቲ ዝተፈትሑ "ብርክት ዝበሉ ሰብመዚ ተጋሩ" ናብ መቐለ ምእታዎም ይዝከር።
ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩ ዝርከብዎም ተጋሩ ኣብ ዝተፋለለዩ ቦታታት ተዳጒኖም ምህላዎም ሰብመዚ ትግራይ ይገልጹ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቶም ዝተረፉ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፌደራል ይላዘቡ ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ኲናት ደው ኢሉ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ከውርዱ፡ ኣሳታፊ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክቐውም፡ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ናብ ትግራይ ክኣቱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት እቲ ክልል ናብ ንቡር ክምለስን ዝብሉ ትሕዝቶታት ዘለዎ'ዩ።
ኣብቲ ኲናት ብኹሎም ወገናት ንዝተፈጸመ ከቢድ ግህሰታት ሰባዊ መሰላት'ውን ብመሰጋገሪ ፍትሒ ክርአ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ተሰማሚዖም ነይሮም።
ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ኵናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ናይቲ ኲናት ቀንዲ ተሓተቲ'ዮም ዝተባህሉ ሓያለ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።
ሓደ ካብ ሓደሽቲ ወለዶ መራሕቲ ህወሓትን ኢህወዴግን ዝነበረ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ፡ ሚኒስተር ቁጠባዊ ልምዓትን ፋይናንስን ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘገልገለ'ዩ።
ኣባል ፈጻሚ ስራሕን ማእኸላይ ኮሚቴን ህወሓት ዝኾነ ዶክተር ኣብርሃም፡ ቅድሚ ምእሳሩ ምክትል ርእሰምምሕዳርን ሓላፊ ፋይናንስን ልምዓትን ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ኣቦይ ስብሓት ነጋ ዝርከቦም ውሑዳት ነባራት መራሕቲ ህወሓት ነበር ኣቐዲሞም ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም'ዮም።