ኣስታት 47 ሽሕ ነበርቲ ማይ ጸብርን ከባቢኡን ዳግም ናብ እንዳባጉና ተመዛቢሎም

ዘይስሩዕ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርቲ ማይ ጸብርን ከባቢኡን ናብ እንዳባጉና ከም ዘፈንቐሉዎም ሰራሕተኛታት ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መሰኻኽር ዓይንን ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢ እንዳባጉና ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ክሳብ ትማሊ ብሓፈሻ ኣስታት 10 ሽሕ መራሕቲ ስድራ [ብድምር ልዕሊ 47 ሽሕ ነበርቲ] መዝጊቦም ከምዘለው ንቢቢሲ ገሊጾም።

ዝበዝሑ ካብቶም ተመዛበልቲ፡ ካብ ሰለስተ ወረዳታት ጸለምቲ ዝመጽኡ ምዃኖም እቶም ዝረኸብናዮም ሰነዳት የመልክቱ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ከባቢ ማይ ጸብሪ ምስ ክልል ኣምሓራ ዝዳወብ ኰይኑ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሓሓሊፉ ኣብ ኢድ ሓይልታት ኣምሓራ ክወድቕ ጸኒሑ እዩ።

ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ፡ ኣብ ሕዳር ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ'ኳ እንተተፈረመ፡ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝዳወቡ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸሙ ገበናት ደው ከምዘይበሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣሶሼትድ ፕረስ እቲ ሓድሽ ምምዝባል ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ካብ መጀመርታ መጋቢት ጀሚሩ ካብ ማይ ጸብሪ ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ኣስታት 47 ሽሕ ሰባት ናብታ ብግምት 55 ኪሎ ሜር ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ከተማ እንዳባጉና ከምዝኸዱ፡ ዝረኣዮ ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ ሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ፡ ነበርቲ ካብ ማይ ጸብሪ ዝሃደሙ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ግፋን ግፍዕን ዝወረዶም ምዃኑ ይገልጽ።

እቶም ተመዛበልቲ ናብ ማእከል መዕቆቢ እንዳባጉና፡ ካብ ዝመጽኡ ንደሓር ዝበጽሖም ሓገዝ ከምዘየለ እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ወሲኾም ገሊጾም።

እቶም ናብ እንዳባጉና ከባቢ ዝተመዛበሉ ሰባት፡ ቅድም ክብል ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ዝተሃንጸ መጽለሊ እዮም ተዓቚቦም ዝርከቡ።

እንተዀነ፡ እቲ ማእከል ኣብ እዋን ኲናት ዕንወት ከምዝወረዶ ጸብጻብ ኣሶሼይትድ ፕረስ የመልክት።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብቲ ማእከል ዝበጽሐ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ ኣብኡ ዝነበረ ኵነታት "ኣዝዩ ሕማቕ" ምዃኑን፡ ቍጽሪ ሰባት ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን ገሊጹ።

ኣይኦኤምን ኣይኣርሲን ውሱን ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ሕክምና ይገብሩ'ኳ እንተለዉ፡ እኸል ከምዘይኰነን፤ ብፍላይ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ተመዛበልቲ ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ከምዝርከቡን እቲ ስሙ ዘይንገልጾ ሰራሕተኛ ረድኤት ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ንሱ ወሲኹ፡ ከም በዓል ኣንቲባዮቲክስ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ መድሃኒት ሕጽረት ከምዘሎ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ማይ ጸብሪ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቈቢ ኣጽሊሎም ዝነበሩ ሰባት ንኻልኣይ ግዜ ከምዝተመዛበሉን፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ካብ ዝነብሩሉ ገዛውቲ ተፈናቒሎም ኣብኡ ኣጽሊሎም ከምዝነበሩን ገሊጹ።

ሓይልታት ኣምሓራ ንምዕራብ ትግራይ ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ከም ዝተቘጻጸርዎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣሽሓት ተጋሩ ካብቲ ከባቢ ብሓይሊ ድሕሪ ምስጓጐም ብመንግስቲ ኣሜሪካ “ምጽናት ዓሌት” ፈጺሞም ተባሂሎም ከምዝተኸሱ ዝዝከር እዩ።

ይዅን እምበር፡ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ከባቢ ማይ ጸብሪ ዕደላ መግቢ ምዕጋቶም ከምዝቐጸሉ ሰራሕተኛታት ረድኤት የመልክቱ። ገለ ነበርቲ ድማ ኣብቲ ከባቢ ብቐጻሊ ቅትለት ይፍጸም ከምዘሎ ይዛረቡ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናዕቢታት ካብ ዝብገስ ጀሚሩ፡ እቲ ኵነታት ከምዝተጋደደን፡ ብገምጋም መዓልታዊ 150 ስድራቤታት ነበርቲ ካብ ማይ ጸብሪ ይስጐጕ ከምዘለዉን ገሊጾም።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራ ምላሽ ንምርካብ ዝገብረ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

እቶም ተመዛበልቲ እንታይ ይብሉ?

ንድሕነታ ስማ ዘይጥቀስ ኣደ ክልተ ቘልዑ ዝዀነት ሓንቲ ካብቶም ተመዛበልቲ፡ ኣብቲ ከብቲ ከባቢ ሕማቕ ኵነታት ከምዘሎ ንቢቢሲ ትገልጽ።

"ሕማቕ እዩ ዘሎ፣ ስቓይ እዩ። 30 ሰባት ኢና ብሓደ መጺእና። ንሱ’ውን መከራ እዩ፤ እናተሓባእካ ኢኻ ትወጽእ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ክልተ ቘልዑ ሒዘ እየ መጺአ። ንተከዘ ንክሰግር ንዓኣቶም 50 ቕርሺ ከፊለ፡" ትብል።

ንሳ ወሲኻ፡ "ካብ ተከዘ ምላሽ ናህና እዩ እናበሉ እዮም ዘሳቕዩና፤ እቲ ገዛውትና ሰይሮም ኣቝሑ ወሲዶምዎ እዮም። ትማሊ ንባዕሉ ሓደሽቲ 42 ሰባት መጺኦም ኣለዉ" ትብል።

ካልእ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ካብ ከተማ ማይ ጸብሪ ተመዛቢሉ ዝመጽአ ነባሪ ድማ፡ "እዚ ዓድኻ ኣይኮነን፤ ናይ ህወሓት ደጋፊ ነይርካ ተለዓዕል ነይርካ ተባሂልካ ኢኻ ትውሰድ፤ ምስ ተኣሰርካ'ውን ናብ ቦታ ሕጊ ኣይኮንካን ትውሰድ። ናብ በረኻ እዮም ዝወስዱኻ። ካብኡ ድማ ክሳብ 50 ሽሕ ክፈል ተባሂልካ ኢኻ ተወጽእ" ይብል።

ንሱ፡ ነቲ ከባቢ ዘመሓድሩ ዘለዉ ኣብቲ ከባቢ ዘይፍለጡን ካብ ካልእ ዝመጽኡን ከምዝዀኑ'ውን ንቢቢሲ ወሲኹ ተዛሪቡ። 'ካብ ጐንደር፣ ካብ ዓዲ ኣርቃይ ዝመጽኡ እዮም ነቲ ከባቢ ዘመሓድርዎ ዘለው' ኢሉ።

እቶም ተመዛበልቲ ናብቲ ማእከል መዕቈቢ ካብ ዝኣትዉ ዝረኸብዎ ረድኤት ከምዘየለ'ውን ተዛሪቦም።