እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘሰሓሕብ ዘሎ ውጥን ነታንያሁ ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ኣብ ቓዛ እንታይ እዩ?
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኲናት ቓዛ ምስተዛዘመ ብዛዕባ ዝፍጸሙ ተግባራት ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡
ብመሰረት ውጥን በንያሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል ንዘይተወሰነ እዋን ጸጥታ ቓዛ ክትቆጻጸር እያ፤ ንእስራኤል ምስ ዝጻብኡ ጉጅለታት ርክብ ዘይብሎም ፍልስጤማውያን ድማ ነታ ግዝኣት ከመሓድሩ እዮም፡፡
ቀንዲ መሓዛ እስራኤል ዝኾነት ኣመሪካ፡ ድሕሪ ኲናት እቲ ንዌስት ባንክ ዘመሓድር ዘሎ ምምሕዳር ፍልስጤም (ፒኤ) ንቓዛ ክመርሕ እያ እትደልይ፡፡
ኣብቲ ትማሊ ነታንያሁ ንሚኒስራቱ ዘቕረቦ ሓጺር ሰነድ ግና ብዛዕባ እዚ ዝተገለጸ ነገር የለን፡፡
ቅድም ክብል ነቲ ብማሕረሰብ ዓለም ዝፍለጥ ምምሕዳር ፍልስጤም ኣብ ድሕረ ኲናት ቓዛ ከምዘየሳትፎ ገሊጹ ነይሩ እዩ፡፡
ንሱ ካብ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ናጻ ዝኾነት ቓዛ እዩ ዝሓልም፤ ካብ ኣባላት ጸጥታ ወጻእ ኩሎም ወታሃደራዊ ዓቕምታት ቓዛ እስራኤል ክተወግዶም ምዃና ይገልጽ፡፡
ቓዛን ግብጽን ኣብ ዘዋስን ከባቢ ድማ ብልዕልን ትሕትን መሬት ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋር ከይህሉ ቁጽጽር ክገብር እዩ፡፡
ኣብ ኩሎም ሃይማኖታውን ትካላት ትምህርትን ‘‘ካብ ጽንፈኛነት ናይ ምጽራይ’’ መደባት ክወዓውዑ እዮም፡፡ ኣብዚ ዓውዲ ልምዲ ዘለወን ሃገራት ከምዝሳተፋ እውን እቲ ሰነድ የመልክት፤ እተን ሃገራት በዓል መን ምዃነን ግን ነታንያሁ ኣይጠቐሰን፡፡
ብመሰረት እቲ ትልሚ እስራኤል ነቲ ምስ ምዕራባዊ ዮርዳኖስ ዝዋሰን ከባቢ እውን ብመሬት፣ ባሕሪን ሰማይን ቁጽጽር ክተካይድ እያ፡፡
ነታንያሁ ብዛዕባ ኲናት ቓዛ ምስተዛዘመ ዝህሉ ኩነታት ትልሚ ከቕርብ ካብ ውሽጢ ዓድን ማሕበረሰብ ዓለምን ጸቕጢ እናተገበረሉ ጸኒሑ እዩ፡፡ ነቲ ዝደኸመ ተቓባልነቱ ከሐድስን ምስ ዓቃባዊ የማናውያን ሰልፊታት ሓበራዊ መንግስቲ ከቕውምን ድልየት ኣለዎ፡፡
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ምምሕዳረ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ውጥን ነታንያሁ ክፈሽል ምዃኑ ገሊጹሎ፡፡
ነቢልኣቡ ሩደይነህ ‘‘ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓቂ ኣብቲ ዞባ ድሕነትን ምርግጋእን ክህሉ ዝደሊ እንተኾይኑ፡ ወራር እስራኤል ኣብ መሬት ፍልስጤም ደው ከብልን ንናጻ ሃገር ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህብን ኣለዎ’’ ኢሉ፡፡
ነታንያሁ ግና ሃገራት ምዕራብ ንፍልስጤም ዝህበኦ ኣፍልጦ ሃገርነት ነጺጉ፡፡
ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ፡ እስራኤል ንቓዛ ደጊማ ክትቆጻጸርን ዝኾነ ቅነሳ ግዝኣት ቓዛን ከምእትቃወም ሓቢሩ፡፡
ብካልእ ምዕባለ ድማ ጊዝያዊ ምቁራጽ ተኹስን ምፍታሕ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባትን ክካየድ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣሸማገልቲ ኣብ ፓሪስ ክራኸቡ ትጽቢት ይግበር፡፡
ኣመሪካ፡ ቅድሚ እቲ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝጅመር ቅዱስ ጾም ሮሞዳን ስምምዕ ክብጻሕ ድልየት ኣለዋ፡፡
ሰብኣዊ ቅልውላው ቓዛ ይጋደድ ብምህላዉ ድማ ኲናት ደው ክብል ዓለም ለኻዊ ጸቕጢ ይሕይል ኣሎ፡፡
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ቓዛ ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ልዕሊ 29 ሽሕ 500ን ሰባት ከምዝተቐተሉ ይገልጽ፡፡
ዕጡቓት ሓማስ ናብ እስራኤል ጥሒሶም ብምእታዉ ኣስታት 1200 ዝበዝሑ ሰላማውያን ቀቲሎም፡ 253 ሰባት ጅሆ ሒዞም ድሕሪ ምውሳዶም እያ እስራኤል ስጉምቲ ምውሳድ ጀሚራ፡፡
ሎሚ ለይቲ ሓላፊ ናይቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ፍልስጤም ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት (unrwa) ናብ ዋና ጸሓፊ እቲ ትካል ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ኣብ ቓዛ ‘‘ንዞባዊ ሰላም፣ ጸጥታን ሰብኣዊ መሰላትን ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ሓደጋ’’ ከምዘጋጠመ ገሊጹ፡፡
እስራኤል ሰራሕኛታት ናይቲ ትካል ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቀምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ተሳቲፎም ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ ብዝሓት ሃገራት ነቲ ትካል ዝብረኦ ምወላ ደው ኣቢለን፡፡
ምዕጻው ናይቲ ትካልን ብካልእ ምትካእን ካብ ውጥናት እስራኤል ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ቓዛ እዩ፡፡
ብካልእ ዜና እስራኤል ኣብ ዌስት ባንክ እተካይዶ ምስፍፋሕ ሰፈራ ምስ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከምዘይቃዶ ኣመሪካ ገሊጻ፡፡