እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት፡ ኣፈጉባኤ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ነበር ኬርያ ኢብራሂም ካብ ኣባልነት ህወሓት ከምዘባረረ ኣፍሊጡ
ትማሊ ከም ዝተኻየደ ዝተገልጸ ኣኼባ ህወሓት፡ ነቶም ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ መንግስቲ ፈደራል ተታሒዞም ዝነበሩ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባላቱ “ብጸላኢ ዝተትሓዝሉን ድሕሪ ኣብ ኢድ ጸላኢ ምእታዎም ዝነበሮም ኵነታትን” ብዕምቈት ገምጊሙ ውሳነ ከምዝወሰደ ኣቓሊሑ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ኬርያ ኢብራሂምን ሙሉ ገብረእግዚኣብሄርን ኢደን ንጸላኢ ብምሃብን ምስጢር ኣሕሊፈን ብምሃብን ካብቲ ውድብ ከምዘባረረን ኣፍሊጡ።
እዘን ክልተ ሰባት እንታይ ዓይነት ምስጢር ኣሕሊፈን ከምዝሃባ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
ኬርያ ኢብራሂም ኣብ 2020 ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሩ ኢዳ ከምዝሃበት ይፍለጥ።
ንሳ፡ ኣብ መጋቢት 2021 ድማ ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፈቲሓ።
ኣብ ትግራይ ኲናት ምስተወልዐ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።
ዝቐረበሎም ክስታት ድማ ንህወሓት ብላዕለዋይነት ምምራሕ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ክሕደት ሃገር፡ ከምኡ ድማ ኣባላት ፖሊስን ምክልኻልን ምዕጋት ዝብል እዩ። ህወሓት ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፈደረሽን ነበር ኬርያ ኢብራሂም፡ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብቶም ዝለዓሉ ሓላፍነት ዝነበራ ሰብ እያ።
ኬርያ፡ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብጉዳይ መረጻ ምስተሰሓሐቡ፡ ኣብ ሰነ 2020፡ "ሕገ መንግስቲ ይጠሓስ ኣሎ" ብዝብል ብገዛእ ፈቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ወይዘሮ ሙሉ ገብረእግዚኣብሄር ድማ ምክትል ሚኒሰትር መጓዓዝያ ኮይና ሰሪሓ ምንባራ ይፍለጥ።
ህወሓት ኣብዚ እዋን ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምዝርከብን፡ ካብኡ ንምውጻእ ይቃለስ ከምዘሎን ተንተንቲ ይሕብሩ።
ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም መን እያ?
ኣብ 2010 [ግ] ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ ኰይና ዝተሸመት ወ/ሮ ኬሪያ፡ ካብ 1995 ኣትሒዛ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ወረዳ ጀሚሩ ኣብ ዘሎ መሓውር መንግስቲ ዘገልገለት እያ።
ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ክትከውን እንከላ፡ ቅድሚ ናብ ባይቶ ፈደሬሽን ምድያባ፡ ሓላፊት ስቪላዊ ኣገልግሎት ትግራይ ነይራ።
ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕን ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ኰይና'ውን ሰሪሓ እያ።
ኣብ ኣስመራ ዝተወለደት ወይዘሮ ኬርያ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ብስነ-ቍጠባ (ኢኮኖሚክስ)፡ ካልኣይ ዲግሪ ድማ ብ ‘ኢንቫይሮመንታል ኣንትሮፖሎጂ’ ተመሪቓ።