ቅልውላው መሪሕነት ከምዘጋጠሞ ዝገልጽ ህወሓት፡ ስለምንታይ መራሕቲ ክቕይር ኣይከኣለን?

ካብ ዝምስረት ፍርቂ ዘበን ዘቝጸረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ካብ ተዋጋኢ ሓይሊ ናብ መራሕ መንግስቲ፣ ካብ መራሒ መንግስቲ ናብ ክልላዊ ምምሕዳር፣ ቀጺሉ ናብ ደባይ ተዋጋኢ፣ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ድማ ዓብላሊ ክልላዊ ኣመሓዳሪ ኰይኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ባይታ ንምርካብ ይቃለስ ኣሎ።

ምስ ምጅማር እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበለዐን ማእለያ ዘይብሉ ንዋታዊ ዕንወት ዘውረደ ኲናት ትግራይን ኣተኣላልያኡን ሓያሎ ወቐሳታት ዝቐርበሉ ህወሓት፡ ቅልውላው ስትራተጂያዊ መሪሕነት ከምዘጋጠሞ ኮምሽን ቍጽጽር እቲ ውድብ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ተሰሚዑ እዩ።

ነዚ ዘጋጠሞ ቅልውላው ንምፍታሕ ድማ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሓሙሽተ ጥራይ ኣባላት ፈጻሚት፡ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ፡ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይን ካብቲ ውድብ ዝተሰናበቱ ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ሒዙ፡ ማዕጾ ሸጊጡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ኣኼባን ገምጋምን ሓግዩ።

ህወሓት ተመሳሳሊ ጸገም ከጋጥሞ እዚ ንፈለማ ኣይኰነን። ኣብ መዋእሉ ብዙሓት ምስ መሪሕነት ዝተተሓሓዙ ፈተናታትን ሓርጐጽጎጻት እዩ ሓሊፉ።

ፈላማይ ፈተና ህወሓት ተገይሩ ዝውሰድ እቲ ውድብ ምስተመስረተ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘጋጠመ ብ “ሕንፍሽፍሽ’ ዝፍለጥ ምክፍፋል እዩ። እቲ ፍልልይ ዝተፈተሐሉ መንገዲ ዘይዲሞክራስያን በሰላ ዝገደፈን ምንባሩ ይግለጽ።

ኣብ 1977[ግእዝ] ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ፍልልይ ድማ ካብ መስረትትን ላዕለዎት መራሕትን እቲ ውድብ ዝነበሩ ኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘርኣጽዮንን ካብ ቃልሲ ወጺኦም ናብ ወጻኢ ሃገር ክስደዱ ምኽንያት ኰይኑ።

ቀጺሉ ዘጋጠመን ኣብ ፖለቲካዊ ቁመና እቲ ውድብን ብቐንዱ ድማ ትግራይን ከቢድ ክሳራ ከምዘስዓበ ዝእመን ምክፍፋል ኣብ 1993 ዓ/ም ዘጋጠመ እዩ። ኣብቲ እዋን ብኣቶ መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ጕጅለ ንፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ገብሩ ኣስራትን ኣባላት ፈጻሚት ዝነበሩ ኣቶ ስየ ኣብርሃ፡ ኣረጋሽ ኣዳነን ዝርከቡዎም ገዳይም ተጋደልቲ ኣባሪሩ ውድባውን መንግስታውን ስልጣን ሒዙ ቀጺሉ።

እቲ ምብራር ኣብ ፖለቲከኛታት ጥራይ ደው ዝበለ ኣይነበረን። ምስቲ ፍልልይ ብዝተሓሓዝ ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ አዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት ካብ መዝነቶም ተሰናቢቶም፤ ደገፍቲ ናይቲ ዝተስዓረ “ኣንጃ” ዝተባህሉ ሓያሎ ሰባት ድማ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ተባሪሮም።

ኣብ ታሪኽ እቲ ውድብ ናይ ቀረባ ኰይኑ ዝውሰድ ድማ ኣብ 2010 ዓ/ም ዝተገበረ ለውጢ መሪሕነት እዩ።

ኣብቲ እዋን ዓሰርተታት መዓልቲታት ኣብ ዝወሰደ ገምጋም ንመሪሕነት እቲ ውድብ “ብጸረ ዲሞክራሲያውነትን ኔት-ዎርክን (ጕጅለኣዊነት)” ብምግምጋም ነቲ ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ መሪሕነት እቲ ውድብ ዝተረከበን ፕረዚደንት እቲ ክልል ዝነበረን ኣቶ ኣባይ ወልዱ፡ ካብ ፈጻሚት ኣልዒሉ ናብ ማእከላይ ኮሚቴ ኣውሪድዎ።

ኣባል ፈጻሚት እቲ ውድብ ንዝነበረት ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ድማ ካብ ሓላፍነታ ብምእላይ፡ ካብ ኣባልነት እቲ ውድብ ኣጊዱ። ንኣቶ በየነ መክሩ ብተመሳሳሊ ካብ ኣባል ፈጻሚት እቲ ውድብ ናብ ማእከላይ ኮሚተ ኣውሪዱ። ነዚ ስዒቡ ድማ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር እቲ ውድብን ግዝያዊ ፕረዚደንት እቲ ክልልን፣ ንወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ድማ ምክትል ገይሩ ሸይሙ።

ህወሓት በዞም ክልተ ሰባት እናተመርሐ መንግስቲ ፈደራል ዘይሕጋዊ ዝበሎ መረጻ ኣካይዱ፤ ኣብ መንጐ እቲ ውድብን መንግስቲ ፈደራልን ዝነበረ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከሪሩ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኲናት ተወሊዑ።

ብዙሓት መራሕቲ ህወሓትን ገዳይም ተጋደልትን ናብተን ዕድመ ንእስነተቶም ዘሕለፉለን በረኻታት ትግራይ ተመሊሶም። ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ተጋሩ ነቲ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝፍለጥ ሰራዊት ኣቝሞም፡ ሸሞንተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዝወሰደ ቃልሲ ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ተቘጻጺሮም። ህወሓት፡ “ህዝቢ ዝመረጾ መንግስተይ ናብ ቦታኡ ተመሊሱ” ኢሉ።

ነቲ ኲናት ደው ንምባል ድሕሪ ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ብህወሓት ዝዕብለል ግዝያዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ። ኣብ መንጐ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ውድብ ህወሓትን ፍልልያት ከምዝተፈጠሩ ዝገልጹ ሓበሬታታት ብተደጋጋሚ ክስምዑ ጸኒሖም። ኮሚሽን ማእከላይ ቍጽጽር እቲ ውድብ ድማ ብተደጋጋሚ ሰኣን “ብቑዕ መሪሕነት ውድብ ትፈርስ ኣላ” ክብል ኣዊጁ።

ነዚ ቅልውላው መሪሕነት ንምምፍታሕ ህወሓት ንክልተ ኣዋርሕ ዕጹው ኣኼባ ከካይድ ቀንዩ። ትማሊኳ ኣኼባኡ ከምዝዛዘመ እንተገለጸ፡ ትጽቢት ዝተገበረሉ ለውጢ መሪሕነት ግን ኣየካየደን።

ህወሓት ስለምንታይ ቅልጡፍ ለውጢ መሪሕነት ክገብር ኣይከኣለን?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስን ስትራተጂያዊ መጽናዕቲታትን፡ መምህርን ተመራማርን ዝዀነ ገብረመድህን ገብረሚካኤል፡ ቅልውላው መሪሕነት ህወሓት ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ከምዝዀነ ዝኣምን ኰይኑ፡ ሓቀኛ እምነት እቲ ውድብ ብዛዕባ ምዃኑ ግን ሕቶ የልዕል።

“ህወሓት ናይ መሪሕነት ቅልውላው ኣጋጢምዎ ኣሎ። ሐዚ ጥራሕ ዘይኰነስ ጸኒሑ እዩ። ንባዕሉ በዚ ካብ ዝግምግም እውን ብዙሓት ዓመታት ተቘጺሮም እዮም። እዚ ካብ ኮነ፡ ናይቲ ጸገም ምንጪ ዝኾነ መሪሕነት ብፍላይ እቲ ስትራተጂያዊ መሪሕነት ዝበሃል ክቕየር ኢኻ ትጽበ። ኰይኑ ግን ከምዚ ኣይንርእይን ዘለና። ምኽንያቱ፡ ሓደ እቲ ጸገም ኣለኒ ኢሉ ዝኣምኖ ባዕሉ እውን ካብ ደገ ድፍኢት ስለዘለዎ፣ ተደጋጋሚ ወቐሳ ስለዝለዓል ንዕኡ ንምትንፋስ ደኣምበር ‘ብሓቂ እምነቱ ደኸ እዩ? ብኡ መሰረት ውሽጡ ክፍትሽን ክቃለስን ውፉይ ድዩ?’ ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ኣነ ድማ፡ ነቶም ዝሓመቑ መራሕትን ሕመቁን ንምቕያር፡ ቅኑዕ ዝዀነ ሓቀኛ ውሽጣዊ ቃልሲ ስለዘይብሉ ይመስለኒ።”

ካብዚ ብተወሳኺ ካብቶም መራሕቲ ብዓቕሚ ጸብለል ኢሉ ክረአ ዝኽእል ጸላዊ ሰብ ዘይምህላዉ እውን ከም ካልኣይ ምኽንያት ይጠቅስ።

“ኵሎም ኣብ ተመሳሳሊ ብርኪ ሕመቕ እዮም ዘለዉ። እቲ ውድቀት ናይ ሓደ ናይ ክልተ ኣይኮነን። ውድባዊ፡ ስትራተጂያውን መሪሕነታውን እዩ። ጸብለል ዝበለ ውልቀ ሰብ ወይ መራሒ የለን። መን ካብ መን ሕይሹ? መን ክወጽእ? መን ክቐየር? ዝብል ኣሎ። ኣነ እውን ከምኡ እየ ዝኣምን።”

ቅድም ክብል ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝነበሮን ኣብዚ እዋን ንፖለቲካ እቲ ክልለ ዝከታተልን ዝትንትንን መምህር ኣብራሃ ተኽሉ እውን ምስዚ ዝሰማማዕ ሓሳብ ኣለዎ።

“ህወሓት፡ ክሳብ ሕልፈት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ብተነጻጻሪ ኣብ ሓሳብ፡ ነቲ ዝገጠሞም ኵነታት ኣብ ፍሬምዎርክ ኣእትዮም ናይ ምርኣይ ተኽእሎታት ነይሩዎም። ስለዚ ኵነታት ክፍጠር እንተሎ፡ ብሓሳብ ይርእይዎ። እንታይ ኣጋጢሙና? ንምንታይ ኣጋጢሙ ይብሉ። ዓለማዊ፡ ዞባውን ኵነታት ከምኡ እውን ናብ ባዕልቶም ይርእዩ።

“እቲ ሐዚ ዘሎ መሪሕነት ተጎሊሉ ተጎሊሉ ናይ ክፍሊ ህዝቢ ተራ ዝነበሮ መሪሕነት እዩ ዝኒሀ። ክፍሊ ህዝቢ ከኣ፡ ዝኸኣለ ንእሽተይ ጥበብ ወሲኹ የፈጽም፤ ዘይከኣለ እውን ብጸረ-ዲሞክራሲ እውን ዘፈጽም ኣሎ። ስለዚ ተርኡ ከምዚ ዝነበረ ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ናብ ቅርቅርቲ መሪሕነት መጺኡ ኣሎ። ስለዚ ናይ ሓሳብ ለውጢ ከየምጽኡ ብሓሳብ ደረጃ ኣይኰኑን ዝማጐቱ ዘለዉ። ስለዚ ናይ መሪሕነት ለውጢ ዘየምጽእሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ኣብ ውልቀኦም ይጨቓጨቑን ይመናጨቱን ስለዘለዉን እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ ናብ ዝለዓለ ዘይምትእምማን ምጥርጣርን ወሲድዎም” ይብል።

ኣብራሃ ተኽሉ፡ ደጋዊ ኢድ ኣእታውነት ካልእ ጸገም ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝገልጽ።

“እቲ ውድብ ብተነጻጻሪ ዕጹው ብዝዀነ ከይዲ እዩ ጸገማቱ ናይ ምፍታሕ ልምዲ ዘለዎ። ሕዚ ግን እቲ ሲስተም ግልጺ ስለዝዀነ ሚስጢራት ክሓብእ ኣይኽእልን። ሓበሬታታት በብግዚኡ እዮም ዝውዝዑ። በዚ መጠን ከኣ፡ ካብ ደገ ነቲ ኵነታት ክጋደድ ዝደሊ ኣካል ብዝደለዮ ሰብ ኣቢሉ፡ ናይ ምዝራግ፣ ምርግጋእ ከይህሉ ናይ ምግባር ተኽእሎታት ስለዝዓበየ እዩ” ይብል።

ህወሓት ጸገማቱ ብኣኼባን ብምግምጋምን ናይ ምፍታሕ ልምዱ ዝንእዱ ብዙሓት እኳ እንተሃለዉ፡ ኣብቲ ውድብ ዝተለመደ ናይ ምጕጅጃል (ኔትወርክ) ግን እቲ ውድብ ሓቀኛ ለውጢ ከየምጽእ ዕንቅፋት ከምዝዀነ እዮም ዝገልጹ። ኣብዚ እዋን እውን ብተመሳሳሊ እቲ ውድብ ብጕጅለ ተመቓቒሉ ካብ ሓሳብ ወጺኡ ኣብ ምጽልላምን ምክሳሰን ከምዘሎ ዘመልክቱ ሓበሬታታት ካብ ላዕለዎት መሪሕነት እቲ ውድብ ይስምዑ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ሓደ ህዝባዊ መድረኽ እቲ ውድብ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝወሰደ ኣኼባኡ ኣብ ወሰንቲ ዛዕባታት ህዝቢ ከምዘይዘተየን፡ ኣብቲ ምግምጋም ናብ ከባብያውነትን ካልእን ዝሃድሙ መራሕቲ ከምዘለዉን ገሊጹ ነይሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብዚ ቕነ ምስ ተሌቪዥን ቲኤምኤች ጻንሒት ዝገበረ ነበር ኣመራርሓ ህወሓት ኣቶ ስብሓት ነጋ ሽሞም ንዘይጠቐሶም መራሕቲ ሰራዊትን ፈጻሚት እቲ ውድብን “ልኡኻት ሲኣይኤ” ብምባል ነቲ ውድብ ከፍርሱ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ከሲሱ።

እቲ ምጕጅጃል ረብሓ መሰረት ዝገበረ ከምዝዀነ እዩ መምህር ገብረመድህን ዝገልጽ።

“ኣነ ካብ ረብሓ ሓሊፎም ኣብ ሓሳብን ህዝባዊ ጉዳያትን ኣለዉ ኢለ ኣይሓስብን። ኣይንሰምዕን እውን፤ እቲ ሓደ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ እቲ ካልእ ከኣ ናብ ስልጣን ንምምጻእ እዩ።”

መምህር ኣብራሃ ተኽሉ እውን ተመሳሳሊ ሓበሬታን ርድኢትን ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።

“ረብሓ እዩ፤ እቲ ምጕጅጃል ለውጢ ዝደሊን ለውጢ ዘይቅበልን ብዝብል ዝግለጽ ኣይኰነን፤ ‘እቶም ሓደሽቲ ናብ ቅድሚት ክመጹ እቲ ዝኣረገ ይኽልክሎም፡ ይዓግቶም ኣሎ’ ዝብል ኣበሃህላ ክውንነት የብሉን” ይብል።

ህወሓት ረቡዕ 22 ጥሪ 2016 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዓሰርተታት መዓልቲታት ዝወሰደ ኣኼባን ገምጋምን ከምዝዛዘመን፡” ድኽመት ስትራተጂያዊ መሪሕነት ቁልፊ ጸገሙ ምዃኑ ከምዝነጸረን” ብምግላጽ ኣብ ቀጻሊ ምትዕርራይ መሪሕነት ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ናይ መንፈስ ኣቦ እቲ ውድብ ከምዝዀኑ ዝንገረሎም ኣቶ ስብሓት ነጋ ድማ “ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ንህወሓት ዝወዳደር ሰልፊ ከምዘየለ” ዳግም ኣረጊጾም ተዛሪቦም ኣለዉ።

ገምጋም ናይዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምሁራት ተጋሩ ግን እቲ ውድብ መሰረታዊ ለውጢ እንድሕር ዘይኣካይዱ ሃለዋቱ ኣብ ሓጺር እዋን ከምዘብቅዕ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ስትራተጂያዊ መጽናዕቲታትን፡ መምህርን ተመራማርን ዝዀነ ገብረመድህን ገብረሚካኤል፡ “ህወሓት ጠንኪሩ ክወጽእ እዩ ዝብል ግምት የብለይን። ንዝተወሰነ ግዜ ክጸንሕ ምዃኑ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ካልእ ዝተዳለወ ሓይልን ዝተዳለወ ኣማራጽን ስለዘይብልና። ከም ውድብ ግን ብፍላይ ኣብ ስልጣን ኰይኑ፡ ንባዕሉ ኣስተኻኺሉ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክሰጋገር እዩ ኢለ ኣይኣምንን” ይብል።

ብኣንጻሩ ተንታኒ ፖለቲካን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት መምህር ስነቝጠባን መምህር ኣብራሃ ተኽሉ ግን፡ “እቲ ተጸሊኡን ተፈንፊኑን ዘሎ ውደብ” መሰረታዊ ለውጢ እንተገይሩ ክድሕን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለዎ።

ምእንቲ ህዝቢ፡ “ውልቃዊ ድልየቶም ብምግዳፍ፡ ንባዕሎም መስዋእቲ ናብ ምኽፋል ደረጃን ጉልበትን እንተመጺኦም ክድሕኑ ይኽእሉ እዮም” ይብል።