ሱዳን፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ተቘጻጺሮም

ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ደገፍ [ዳዕመ-ሰሪዕ] ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውግእ ንካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሱዳን - ኒያላ ካብ ሰራዊት ሱዳን ከምዝመንዑ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ነበርቲ፡ እቲ ግጭት ከምዝተወደአ ተስፋ ብምግባር ታሕጓሶም ይገልጹ ከምዝነበሩ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ገሊጹ።

እቲ ኣብ መንጐ ምዱብ ሰራዊት ሱዳን፡ እቲ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ልዕሊ 670 ሽሕ ሰባት ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ኣገዲዱ’ሎ።

ሆስፒታላት ከተማ ኒያላ ዓንዮም፡ ሬሳታት ኣብ ጐደናታት ተደርብዮም ከምዘለዉ ይንገር።

እዚ ዓቢይ ወተሃደራዊ ዓወት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተመዝጊቡ ዘሎ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዳግማይ ዝርርብ ሰላም ክጅምሩ ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን እዩ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ንያላ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ስዕረት ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበን።

ርእሰ ከተማ ግዝኣት ደቡብ ዳርፉር ዝዀነት ኒያላ፡ ንሱዳን ምስ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ እተራኽብ ስትራተጂያዊት ከተማ እያ።

ዳዕመ-ሰሪዕ መበገሲኡ ካብ ዳርፉር ኰይኑ፡ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝተወለዐ ግጭት ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዘይኰኑ ጕጅለታት ግፍዒታት ብምፍጻም ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ኒያላ ሓላፊ ሰራዊት ዝርከቦም ላዕለዎት ወተሃደራዊ ጀነራላት ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ውግእ ተቐቲሎም’ዮም።

ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ኣብ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌታት ተሳቲፉ ብዝብል ብኣመሪካ እገዳ ዝተገብረሉ ካልኣይ ኣዛዚ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ - [ዳዕመ-ሰሪዕ] ዓብዱልረሒም ዳግሎ፡ ንከተማ ኒያላ ንምቍጽጻር ንዝተኻየደ ውግእ ከምዝመርሐ ይግለጽ።

ዕጡቓት ናይቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነታ ከተማ ካብ ዝሕዙ ንደሓር ንኣባይቲ ሰላማውያን ነበርቲ ክዘምቱን ክወቕዑን ከምዝተርኣዩ መሰካኽር ዓይኒ ሓቢሮም።

ንግዳያት ኲናት ሕክምና ዝህብ ‘ኢመርጀንሲ’ ዝተበሃለ ትካል፡ ሱዳናውያን ሰራሕተኛታቱ ኣብ ኒያላ ካብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ህጻናት ተወሲዶም በቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዝተኣሰሩ ይገልጽ።

ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ሰነ ነታ ምስ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ እትዳወብ ንእሽቶ ከተማ ኡም-ዳፎግ ክቘጻጸር እንከሎ፡ ንናይ ቀረብ ሰንሰለቶም ቀንዲ መራኸቢት ምዃና ይእመን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብመንገዲ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ናይ ጫድ (ቻድ) ኡም-ዳፎግን ኣቢላ ናብ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣጽዋር ብምቕራብ ክትክሰስ ጸኒሓላ።

እታ ሃገር ግን ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክሲ ትነጽጎ።