እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ ሰራዊት ሱዳን ንዘተ ቅሩብ ምህላው ገሊጹ
መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡሩሃን ምስ ተቐናቓኒኡ መራሒ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንኽዝቲ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ነታ ሃገር ንምቁጽጻር ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ይርከቡ።
ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስቲ ተቐናቓኒኡ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ ብመርህ ደረጃ ኮፍ ኢሉ ክዝቲ ቅሩብ ከምዝኾነ’ዩ ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 5 ሽሕ ሱዳናውያን ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ብዘይካ'ዚ ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።
ኣብ 2021 ብዕልዋ መንግስቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ድሕሪ ምስምዑ ምስ ቢቢሲ ሓጺር ጻኒሒት ገይሩ።
እቲ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሐ ጀነራል፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዓለም ለኻዊ ድጋፍ ንምርካብን ንመሪሕነቱ ኣፍልጦ ክወሃቦን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ከምቲ ፈለማ ቃል ዝኣተዎ ስልጣን ናብ ሲቪሊያዊ ምምሕዳር ከረክብ ኣይከኣለን። ዝመርሖ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ ንዝብል ክሲ’ውን ይነጽግ።
እንተኾነ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት፡ መንበሪ ኣባይቲ እንከይፈለዩ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ካልኦት ትካላት ረድኤት መረዳእታ ከምዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
እቲ ኵናት ብዓወት ሰራዊቱ ከምዝዛም ‘ዘጠራጥር የብለይን’ ዝበለ ጀነራል ኣልቡርሃን ማእከል መእዘዚኡ ናብ ፖርት ሱዳን ከዛውር ከምዝተገደደ ግን ኣይሓብአን።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ እታ ከተማ ማእኸል መንግስቲ ኮይና ክትቅጽል ኣይከኣለትን።
ምስ ተቐናቓኒኡ ጀነራል ሕሜቲ ናብ ዘተ ከምርሑ ዝኽእሉ ኣብ ጅዳ ሱዕድ ዓረብ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ንምውሓስ ዝኣተውዎ ውዕሊ ምስ ዝኽበር ጥራይ ከምዝኾነ ጀነራል ኣልቡርሃን ተዛሪቡ።
“ኣብ ዘተ ንኽንሳተፍ ቅሩባት ኢና” ክብል ድማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣስዒቡ “መራሕቲ እዞም ጨፍጨፍቲ ሓይልታት ናብ ሕሊናኦም ተመሊሶም ንሰራዊቶም ካብ ከባቢታት መንበሪ ኣባይቲ ኣውጺኦም ናብ መዓስከሮም ዝምልሱ እንተኾይኖም ንዘተ ሰላም ኮፍ ክንብል ኢና። ነቲ ኣብ ጅዳ ዝተሰማማዕናዮ ውዕሊ ዘኽብሩ እንተኾይኖም ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ክንዘራረብ ኢና” ኢሉ።
ጀነራል ሕመቲ ኣብዚ ሰሙን ብቪድዮ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ንፖለቲካዊ ዘተ ድልዊ ከምዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ተኹሲ ደው ንምባል’ኳ ብተደጋጋሚ እንተተዛተዩ እቲ ኵናት ግን ክሳብ ሕጂ ደው ኣይበለን።
ጀነራል ኣልቡርሃን ሃገሩ ከም ሶማልያን ሊብያን ክትመቓቐል ትኽእል እያ ንዝብል ሻቕሎት ኣትሪሩ ተቓዊምዎ።
“ሓድነት ሱዳን ክጸንዕ’ዩ። ሱዳን ኣይክትትንከፍን'ያ። መንግስቲ ኣልቦ ሃገር ኣይትኸውንን። ኣብቶም ካልኦት ዝጠቐስክዎም ሃገራት ዘጋጠመ ነገር ኣብ ሃገርና ክኸውን ኣይንደልን።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሓደ ዕላማ ሰሚሩ’ዩ ዘሎ። እዚ እኩይ ተግባር ድማ ብሰላም ወይ ከዓ ብኵናት ክውዳእ’ዩ” ክብል ጀነራል ኣልቡርሃን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።