ኩዕሶ እግሪ ክጽምብል ብስእሉ ዝተትሓዘ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝተሰወረ ‘ገበነኛ’

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ‘ተደለይቲ’ ኢጣልያ ኣብ ግሪኽ ንጋንትኡ ኩዕሶ እግሪ ክሕጎስ ዘርኢ ስእሊ ምስ ተዘርገሐ ተታሒዙ።

ወዲ 60 ዓመት ቪንቸንዞ ላ ፖርታ፡ ምስቲ ኣብ ናፖሊ ዝርከብ ‘ካሞራ’ ዝተሰምየ ዝተወደበ ጕጅለ ገበን ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎ ይግመት።

ን11 ዓመታት ተሰዊሩ ጸኒሑ - ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ግን ኣብ ግሪኽ ዓወት ኩዕሶ እግሪ ምስ ዝጽንብሉ ደገፍቲ ኣብ ዝተሳእለ ስእሊ ተራእዩ።

ፖሊስ ናፖሊ ካራቢኒየሪ፡ "እቲ ዘቃለዖ፡ ንኹዕሶ እግሪን ንናፖሊን ዝነበሮ ፍቕሪ'ዩ" ኢሉ።

ፖሊስ መኮንናት ከም ዝበልዎ፡ እቶም ስእልታት ጋንታ ናፖሊ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ሻምፕዮን ኢጣልያ ድሕሪ ምዕታራ ዝተሳእሉ እዮም።

ፖሊስ፡ "ላ ፖርታ ድሕሪ እቲ ዓወት ሻምፕዮን፡ ምጽንባል ክጻወሮ ኣይከኣለን" ኢሉ።

ላ ፖርታ ሕዚ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዘይለወሉ ብገበናዊ ፍፃመታት፡ ምሕባእ ግብሪን ምትላልን ተፈሪዱ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ፖሊስ ብዓርቢ ኣብ ደሴት ግሪኽ እናተጓዕዘ እንከሎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ፡ ሕጂ ድማ ናብ ኢጣልያ ተመሓላሊፉ ክወሃብ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ይጽበ ኣሎ።

ናብ ጣልያን ኣሕሊፉ እንተተዋሂቡ ድማ ናይ 14 ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይጽበዮ።

ጠበቓ ላ ፖርታ ንኤፒ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ግሪኽ ሓዱሽ ስድራቤት መስሪቱ ነይሩ... ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቆልዓ ኣለዎ፡ ንመነባብሮኡ ድማ ከም ኣሰላፊ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ብሕማም ልቢ ይሳቐ እዩ። ተመሓላሊፉ እንተድኣ ተዋሂብዎ ስድርኡ ክብተን እዩ” ኢሉ።

እቶም ሰበስልጣን ንላ ፖርታ ንምሓዝ ዕረፍቲ ስኢኖም ነይሮም።

ፋይናንሳውን ናይ ኢንተርነትን ምንቅስቓሳቱን ብቐረባ ይከታተሉን "ገለ ስጉምቲ ክወስድ ይጽበዩዎን" ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ናፖሊ ድሕሪ 33 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዋንጫ ክትዓትር ከላ ግን፡ ላ ፖርታ ዝተሰምዖ ፍናን ክትቆጻጸሮ ኣይከኣለን።

ፖሊስ፡ ኣብ ደገ ሓደ ቤት መግቢ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ናፖሊ ቆቢዕ ቤዝቦል ተኸዲኑን ሰማያውን ጻዕዳን ሕብሪ እታ ጋንታ እናወዛወዘ ኣብ ዝተሳእለ ስእሊ ርእዮሞ።

እቶም መርመርቲ ኣብኡ ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጡ፡ ክሳብ ግሪኽ ሰዓብዎ።

ካብ ግሪኻውያን መሳርሕቶም ብቑሩብ ሓገዝ ብዓርቢ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውዎ ፖሊስ ግሪኽ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ተሰዊሩ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ሓላፊ ማፍያ፡ ብሓገዝ ‘ጉግል ማፕስ’ ኣብ ቀይዲ ምእታዩ ዝዝከር እዩ።