እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያ፡ ኣብ ሞቓድሾ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 25 ወተሃደራት ተቐቲሎም
ኣብ ሶማልያ፡ 25 ወተሃደራት ብቦምባ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐተሉ ወተሃደራዊ ምንጪታት ሓቢሮም።
ሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ሶማልያ፡ እቶም ኣብ መዓስከር ጃለ ሲያድ ኮሌጅ ሪጋ ሒዞም ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ሓደ ነታጒ ዝዓጠቐ ውልቀሰብ ነብሱ ብምፍንጃሩ ከም ዝሞቱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ካልኦት 48 ሰባት እውን ቆሲሎም ናብ ሆስፒታላት ሞቓድሾ ከም ዝተወስዱ ተገሊጹ።
እቲ ነብሱ ዘፈንጀረ ሰብ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ናብቲ መዓስከር ከምዝኣተወ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ወተሃደራዊ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ናይ ሓሶት መለለዪ መንነት ሒዙ ከም ዝነበረ’ውን ገሊጹ።
ሰራዊት ሶማልያ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝዀነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።
እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣል-ሸባብ፡ ሓደ ካብ ኣባላቱ ነቲ መጥቃዕቲ ቦምባ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ፡ ቁጽሪ እቶም ዝተቐተሉ ወተሃደራት 73 ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ቁጽሪ እቶም ዝቖሰሉ ድማ 124 ከም ዝበጽሕ የመልክት።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ዕጡቓት ኣባላት ኣል-ሸባብ፡ ኣብ ሞቓድሾ፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ፡ ሽዱሽተ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም፡ 10 ድማ ከም ዝቘሰሉ ዝዝከር እዩ።
ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማልያ እስላማዊ መንግስቲ ንምቛም ዓሊሙ፡ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣንጻር’ቲ ብኲናት ሓድሕድ ዝተዳኸመ ማእከላይ መንግስቲ ምንቅስቓስ ዝጀመረ ዕጡቕ ጕጅለ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዕርዲ ብምሓዝ ድማ ኣብ ወተሃደራውን ሲቪላውን ከባቢታት ከቢድ ጉድኣት ዘውረደ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲታት ክፍጽም ጸኒሑ።
መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃድሾ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ኣስታት 500 ብኣል-ሸባብ ከም ዝተቐተሉ ይገልጽ። ኣልሸባብ ግና ሓላፍነት ኣይወሰደን።
እዚ ኣስታት 10 ሽሕ ኣባላት ከም ዘለዎ ዝግመት ጉጅለ፡ ብኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ከም ዝተመዝገበ ይፍለጥ።
መብዛሕትኦም ሶማላውያን ሱፊያውያን’ኳ እንተዀኑ፡ ኣል-ሸባብ ግን ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተደፋፍአ ዋሃቢ መስመር እስልምና’ዩ ዝጣበቕ።
ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ፈጺሙ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ሞቓድሾን መደበራት ሰራዊትን ዝፍጽሞም መጥቃዕቲታት ኣሐይሉ ነይሩ።
እንተዀነ ካብ ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ብወተሃደራት ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝድገፉ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲን ምልሻታት ውሽጢ ዓዲን ኣንጻር እቲ ጉጅለ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።
ነዚ ስዒቡ ወተሃደራት መንግስትን ምልሻታት ቀቢላታትን ብዘካየድዎ ሓባራዊ መጥቃዕቲታት እቲ ጉጅለ ካብ ሓያሎ ቦታታት ተደፊኡ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰብመዚ ሶማልያ፡ ብዕጡቓት ኣል-ሸባብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብ70 ሚእታዊት ኣብ ንምንካይ ከም ዝተዓወቱ ገሊጾም ነይሮም።
ኣንጻር እቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ብዝተኻየዱ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝተረኸበ ዓወት ምዃኑ’ውን ምግላጾም ይዝከር።
ይኹን’ምበር ኣል-ሸባብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር መጥቃዕቲታት ካብ ምፍጻም ምሉእ ብምሉእ ኣይተዓገተን።