ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን ግብረሽበራ ክትምክት ተሰማሚዓ

ብሪጣንያ ምስ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን ግብረሽበራ ንምምካት ስምምዕ ከም ዝፈጸመት ተገሊጹ።

እዚ ምስ ሰለስቲአን ሃገራት ዝገብረቶ ስምምዕ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንምፍታሕ ከም ዝሕግዝ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ መንግስቲ ብሪጣንያ ንሰለስቲአን ሃገራት ኣብ መኸተ ኣንጻር ግብረሽበራ ፖሊሲታት ንምምዕባል ዝሕግዝ 12.5 ሚልዮን ዶላር ከም ዝህብ ሚኒስተር ጸጥታ እታ ሃገር ቶም ቱገንዳት ንቢቢሲ ገሊጹ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን ኣብ ዶባቶም ዘሎ ናይ ሓባር ጸገም ንምፍታሕ ዓለምለኸ ደገፍ ክረኽቡ ንፈለማ እዋን እዩ።

ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝርከባ ዶባዊ ከባቢታት መብዛሕትኡ ግዜ ዝተነጸሉን ውሕስነት ዘይብሎምን ከም ዝዀኑ ይፍለጥ።

እዚ ድማ እተን ሃገራት ዘጋጥመን ሓደጋታት ንምቁጽጻር ከም ዘጸግመን ይንገር።

ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ፡ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብዞም ከባቢታት ብተደጋጋሚ ግብረሽበራዊ ተግባራት ዝፍጽሙ፡ ኣመሓደርቲ ሰበስልጣን ስለ ዘየለዉ ከም ዝዀነ ይኣምን።

ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብቲ ዞባ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ጉጅለ ስግኣት ኰይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ካብ ብሪጣንያ ዝመጽእ ምወላ፡ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ንዝተጠርጠረ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ብኣድማዒ መንገዲ ንኽሕብሩ ዘኽእሎም ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ።