‘ስድራቤታት ፎቘዶ ግብጽን ሊብያን ይብተኑ ኣለዉ’- ተጋሩ ስደተኛታት

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ካብ ከተማ ካርቱምን ከባቢኡን ዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ሕሱም ኩነታት ከም ዝርከቡን ብዙሓት ናብ ግብጽን ሊብያን ይብተኑ ከም ዘለዉን ገሊጾም።

ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ዝተወልዐ ኵናት ሕድሕድ፡ ዓስራይ ወርሒ ኣብ ዘቑጸረሉ እዩ እቶም ተፈናቐልቲ ንከቢድ ስቓይ ከም ዝተቓልዑ ዝገልጹ ዘለዉ።

ካብቲ ዛጊት መዕለቢ ሰላም ዘይተረኸበሉ ኲናት ህይወቶም ንምድሓን ኣማኢት ኣሽሓት ሱዳናውያንን ኣብታ ሃገር ዝፀንሑ ስደተኛታት ካልኦት ሃገራትን ነታ ሃገር ራሕሪሖም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደዱ እንከለው፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ውሑስ ቦታ ኣብ ዝበልዎም ከባብታት ተዓቊቦም ይርከቡ።

ነጋሲ ተስፋይ እታ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበረላ ካርቱም ናብ ዓውደ ኵናት ምስ ተቐየረት፡ ህይወቱ ንምድሓን ሃዲሙ።

ናብ ገዳሪፍ ካብ ዝመፅእ ሸሞንተ ወርሒ ዘቑፀረ ኣቶ ነጋሲ፡ ንሱን ካልኦት ህይወቶም ንምድሓን ዝሃደሙ ተጋሩን፡ ከቢድ ህይወት ክመርሑ ከም ዝተገደዱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኣብ ካርቱም ኲናት ምስ ተጀመረ፡ ሃንደበት ስለ ዝነበረ ምንም ነገር ከይሓዝና ኢና ወጺእና። ብድሕሪኡ ካብ ገበርቲ ሰናይ ኰነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገበረልና ሓገዝ የለን። ስለዚ እቲ ናብራ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ፤መዕቆቢ ወይ መዕቀሊ የለን፤ ናይ ምግብን ጽሩይ ዝስተ ማይን ጸገም ኣሎ “ ይብል።

ካብዚ ብተወሳኺ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ዛጊት ንሱ ዝፍልጦም ሸውዓተ ተመዛበልቲ ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ።

“ገሊኦም ሕማም ሽኮር፣ ገሊኦም ጸቕጢ ደም ዝነበሮም እዮም። ምኽንያት ሞቶም ድማ ሕጽረት ምግብን መድሃኒትን እዩ። ኲናት ካብ ዝጅምር ድሕሪ ወርሕን ፈረቓን ጀሚሩ፡ ኣብ ካርቱም ዝሞቱ ኣለዉ። ካብ ካርቱም ተፈናቒሎም ኣብ መደኒ ዝሞቱ ኣለዉ። ካብ መደኒ መጺኦም ኣብ ገዳርፍ ዝሞቱ ኣለዉ . . . ብሕማም ዝሳቐዩ እውን ብዙሓት እዮም”።

ፍረወይኒ በየነ፡ ዕብየታን ናብርኣን ኣብ ሱዳን እዩ።

እቲ ኵናት ምስ ተወልዐ ግና፡ ሓደጋ ኣጋጢምዋ ስለዝነበረ ካብ ካርቱም ብሓገዝ ካልኦት ሰባት፡ ኣብ ኡምጉርጃ ናብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ መጺኣ።

“ናይቲ ተመዛባሊ ህይወት ሰብ ርእይዎ ኣይፈልጥን። ኣብዚ ዓዲ ተወሊዶም ዝዓበዩ ህጻውንቲ ርእዮምዎ ዘይፈልጡ ከርተት ይብሉ ኣለዉ፤ ንፋስን ቁርን፤ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ምግቢ እውን ይትረፍ ቈልዓ ዓብዪ ዝበልዖ ኣይኰነን” ትብል።

ፎቈዶ ግብጽን ሊብያን ዝብተኑ ዘለዉ ስድራቤታት

ብሰንኪ እቲ እናተጋደደ ዝመጽአ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕን ዝካየድ ኲናት፡ ኣማኢት ኣሻሓት ሱዳናውያንን ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራትን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ግብጺ ይስደዱ ኣለዉ።

ዕጫ ናይቶም ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ዘይከኣሉ ተጋሩ እውን ካብዚ ዝተፈለየ ከም ዘይኰነን ስድራቤታት ከይተረፉ ብዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ እግሮም ናብ ዝመረሖም ይኸዱ ከም ዘለዉን ነጋሲ ይዛረብ።

“ንእሽተይ ንመሳፈሪ ዝኸውን ገንዘብ ዘለዎም ኣሕዋት፡ ከም ስድራ፡ ፎቖዶ ግብጺ፣ ሊብያ፣ ደቡብ ሱዳን ይኸዱ ኣለዉ። እግሪ ናብ ዝመርሖ ይጠፍእ ኣሎ። ምኽንያቱ ናብ ዓድና ናይ ምእታው ዕድል የብልናን።”

“ብደለልቲ ወይ ሰምሰርቲ ከም ዝኸዱ፡ ዝኸፍልዎ ክፍሊት ከም ዘሎ. . . ኣብ መንገዲ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ልክዕ ከምቲ ናይ ሊብያ ኩነታት፡ ካብቲ ዝተስማምዑሉ ገንዘብ ወስኹ እናበሉ ይኣስሩን የሳቕዩን ከም ዘለዉ ዝበጸሐና ሓበሬታ ኣሎ። እቲ መንገዲ ምቹው ኣይኰነን። ሰብ መማረጺ ስኢኑ ዝኸዶ ዘሎ እዩ” ይብል።

ካብቶም ኣብ ሱዳን ብዝተወልዐ ኵናት ሕድሕድ ዝተመዛበሉ ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ ዝተሰደቱ ልዕሊ 58 ሽሕ ተጋሩ ስደተኛታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ሱዳን ይርከቡ።

መዓልታዊ ኣብ ሻቕሎትን ራዕድን ከም ዝነብሩ ዝገልጹ እዞም ተመዛበልቲ፡ ዝብህግዎ ነገር እንተሃለወ ናብ ዓዶም ምምላስ እዩ።

ኣይተ ነጋሲ “ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ናዓና ከም ዜጋ ሓሲቡ ናብ ሉእላዊ መሬትና፡ በፍላይ ናብቲ ተፈናቒልናሉ ዝመጻና ምዕራብን ደቡብን ትግራይ፡ በቲ ስምምዕ መሰረት ናብ ዓድና ክመልሰና ንደሊ። ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ናብ ዓዶም ክኸዱ እንከለዉ፡ ንሕና ኣብ ውሽጢ ኲናት ኰይንና መማረጺ ስኢንና ኣብ ሓደጋ ኣለና” ክብል ይምሕጸን።

ፍረወይኒ እውን ናይ መብዛሕትኡ ትግራዋይ ድልየት ናብ ዓዱ ምምላስ ከም ዝዀነ እያ እትገልጽ።

“ሰብ ኣብ መንጎ መንጎ እዩ ዘሎ። ገዳርፍ እውን የፍርሕ እዩ ዘሎ። ሰብ ንዓዱ ክኣቱ እዩ ዝደሊ። ኣብዚ ዘለናሉ ገዳሪፍ እኳ ሙሉእ ለይቲ ጥይት እናተተኮሰ እዩ ዝሓድር።”

ድሕሪ እቲ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ተጋሩ ስደተኛታትን ተመዛበልትን፡ መንግስቲ ናብ ዓዶም ንክመልሶም ብሰላማዊ ሰልፊ ሓቲቶም’ዮም።

እንተዀነ መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ዝነብርሉ ዝነበሩ ምዕራብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዕጡቓት ኣምሓራ ስለ ዘሎ፡ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን።

እዋናዊ ኲነታት ሱዳን

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተመዛበልዋ ሱዳን ሰባት ብጥምየት ከም ዝሞቱ ዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዝበጸሖ ኣብ ወርሒ ለካቲት ገሊጹ ነይሩ።

ሰራዊትን ሱዳንን ካልእ ተቐናቓኒ ወተሃደራዊ ሓይልን ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ንምቁጽጻር ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን ዓመጽ ኣብ ሲቪላውያን ይውስኽ ኣሎ።

ጸጥታዊ ስግኣታትን ምዕጻው ጽርግያን ንንጥፈታት ሰብኣዊ ትካላት ዳርጋ ዘይከኣል ገይርዎ ኣሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ሱዳን ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ደረጃ ጥምየት ኣጋጢምዎም ኣሎ።

እዚ ድማ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብዕጽፊ ዝዛይድ ቁጽሪ ምዃኑ ውድብ መግቢ ዓለም ሓቢሩ።