'ቀርኒ ድያብሎስ' ዘለዋ 'ሉሲፈር' ንህቢ ኣብ ኣውስትራልያ ተረኺባ

ምንጪ ስእሊ, Dr Kit Prendergast
ተመራመርቲ ኣውስትራልያ፡ ኣብታ ሃገር ዝመበቆላ ሓዳስ ዓይነት ንህቢ ከምዝረኸቡ ኣፍሊጦም።
እታ ፍልይቲ ንህቢ ንኣሽቱ ኣቕርንቲ ስለዘለዋ ድያብሎሳዊ ስም ክትጥመቕ ተገዲዳ ኣላ።
ተመራመርቲ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ብማዕድን ወርቂ ሃብታም ዝዀነ ከባቢ 'ብረመር ሬንጀርስ' ዳህሳስ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን'ዮም ነዚ 'ሜጋቺለ ሉሲፈር' ዝተባህለ ንህቢ ክረኽቡ ክኢሎም።
"እቲ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ቅሉዕ ኣቕርንቲ" ኣብ ኣንስትዮ ናይቲ ዓሌት ንህቢ ዘሎ ኰይኑ፡ ከም መከላኸሊ፡ ጽገ (ፖለን) ወይ መዓር ዕምባባ ንምእካብ፡ ከምኡ'ውን ሰፈፍ ንምስራሕ ዝጠቅም ዕንዲዳ ንምምእራር ትግልገለሉ ከይኰነ ከምዘይተርፍ'ውን እቶም ሊቃውንቲ ኣሚቶም ኣለዉ።
ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐት ተመራማሪት፡ ኣብቲ እዋን ኣብ መርበብ ነትፍሊክስ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎ ፊልም ትከታተል ብምንባራ 'ሉሲፈር' ዝብል ስም ከምዝሃበታ'ያ ትዛረብ። እታ ንህቢ ድሕሪ 20 ዓመት ዝተረኽበት ሓዳስ ኣካል ናይ ተመሳሳሊ ዓሌት ምዃና ድማ ትሕብር።
"እታ ኣንስተይቲ ኣብ ገጻ እቲ ዘገርም ንኣሽቱ ኣቕርንቲ ኣለዋ" ትብል ዶ/ር ኪት ፕረንደርጋስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ከርቲን።
"ናይዚ ሓድሽ ዓሌት መግለጺ ኣብ ዝጽሕፈሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ሉሲፈር ዝብል ፊልም ነትፍሊክስ እከታተል ነይረ፡ እቲ ስም ድማ ዝገልጻ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ነቲ ሉሲፈር ዝብል ኣብ ነትፍሊክስ ዘሎ ገጸባህሪ ድማ እፈትዎ እየ፡ ስለዚ ርዱእ'ዩ ነይሩ" ክትብል ክልቲኡ ከምዝተጋጠመላ ተወስእ።
ብዘይካ'ዚ፡ 'ሉሲፈር' ዝብል ቃል ብላቲን "ጸዋዒ ብርሃን" ዘስምዕ ስለዝዀነ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣናህብ ክዕቀቡ ከምዘለዎም ዘብርህን፡ ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ኣታኽልቲ ብኸመይ ከምዝዋሰቡ መረዳእታ ዝፈጥር ንምዃኑ ትገልጽ።
እቲ ኣብ ሓደ 'ጆርናል ኦፍ ሃይሜኖፕተራ ሪሰርች' ዝብል መጽሔት ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ እቲ ሓደስቲ ዓይነታት ንህቢን ብርቂ ዕምባባታት በረኻን ዝተረኽበሉ ከባቢ "ብወግዒ ክሕሎን ዘይትንከፍ ናይ ዕቃበ ከባቢ ኰይኑ ክእወጅን" ጸዊዑ'ሎ።
"እዞም ሓደስቲ ዓይነታት እንስሳ ምስቲ ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከብ ዕምባባ በረኻ ኣብ ሓደ ንእሽቶ ከባቢ ስለዝተረኽቡ፡ ክልቲኦም ብሰንኪ ምዝንባዕ ማሕድሮን ካልእ ከም ክሊማዊ ለውጢ ዝበሉ ስግኣት ዘሕድሩ መስርሓትን ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ይኽእሉ እዮም" ዝበለት ዶ/ር ኪት፡ ብዙሓት ኩባንያታት ዕደና ንጥፈታተን ኣብ ከባቢኦም ዘስዕቦ ጽልዋ ኣብ ዝግምግማሉ ነቶም መበቆላውያን ንህቢ ኣብ ግምት ከምዘየእትዋ ገሊጻ።
"ስለዚ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኣትክልትን ስነ-ህይወትን ኣብ ምድጋፍ ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ ዘይተፈልጡ ዓሌታት ክንስእን ንኽእል ኢና።"
"ኣየኖት መበቈላውያን ንህቢ ከምዘለዉን ኣብ ምንታይ ኣትክልትን ከምዝምርኰሱን ከይፈለጥና፡ ኣብኡ ከምዘለው'ውን ከይተረድኣና ክልቲኦም ናይ ምስኣን ሓደጋ ኣለና።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







