ጃፓናዊ ትካል መዕቆር-ሽንቲ ህጻናት ብሰንኪ ዝኣርግ ዘሎ ህዝቢ ንዓበይቲ ጥራይ ከፍሪ ወሲኑ

መዕቆር ሽንቲ ህጻናት (ናፒ) ዘፍሪ ዝነበረ ጃፓናዊ ትካል ካብ ናይ ቆልዑ ናብ ዓበይቲ ከምዝተሰጋገረ ኣፍሊጡ።

እቲ 'ኦጂ ሆልዲንግስ' ዝተባህለ ኩባንያ፡ እቲ ብዕድመ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈጠሮ ጠለብ ዕዳጋ እናዓበየ ይመጽእ ብምህላዉ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመት ኣብታ ሃገር ካብ ናይ ህጻናት ንላዕሊ ናይ ዓበይቲ መዕቆር-ሽንቲ (ናፒ/ዳይፐር) ዝያዳ ክሽየጥ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ 2023 ኣብ ጃፓን ዝተወልዱ ህጻናት (758,631) ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ5.1 ሚእታዊት ከምዝነከየ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብታ ሃገር መዝገብ ካብ ዝተታሕዘሉ፡ ካብ 19 ክፍለዘመን ኣትሒዙ፡ ንፈለማ እዋን'ዩ እቲ ዝተሓተ መጠን ወሊድ ተመዝጊቡ ዘሎ። ኣብ 1970ታት ቁጽሪ ዓመታዊ ወሊድ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን'ዩ ዝበጽሕ ነይሩ።

ኣካል እቲ ኩባንያ ዝኾነ፡ ኦጂ ነፒያ ዓመታዊ 400 ሚልዮን ናፒ ህጻናት'ዩ ዘፍሪ ነይሩ። ካብ 2001 ጀሚሩ ግን ካብቲ በጺሕሉ ዝነበረ 700 ሚልዮን ከንቆልቁል ጀሚሩ።

ሓያለ ንህጻናት ዘፍርያ ዝነበራ ትካላት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ኣብ 2011፡ ኣብ ጃፓን እቲ ዝዓብየ ኣፍራዪ ዳይፐር ዝኾነ 'ዩኒቻርም' እቲ ንኣረጋውያን ዝሰርሖ መዕቆር-ሽንቲ ካብቲ ናይ ህጻናት ብዕጽፊ ዓብዩ።

ብሓፈሻ እቲ እናዓበየ ዝመጸ ዕዳጋ ዳይፐር ዓበይቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ዶላር ይግመት።

ኣስታት 30 ሚእታዊት ህዝባ ልዕሊ 65 ዓመት ዕድመ ኮይኑ ዘሎ ጃፓን ኣብ ዓለም ብእርጋን ቀዳመይቲ ተሰሪዓ'ላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መጠን ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ጃፓናውያን ልዕሊ 10 ሚእታዊት በጺሑ ምንባሩ ይዝከር።

ኦጂ ሆልዲንግስ፡ ነቲ ኣብ ጃፓን ምስራሕ ኣቋሪጽዎ ዘሎ ናይ ህጻናት ዳይፐር፡ ኣብተን ዓቢ ጠለብ ዘለወን ሃገራት ማሌዥያን ኢንዶነዥያን ምፍራይ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

ብሰንኪ እርጋንን ባይታ ዝዘበጠ መጠን ወሊድን እናንቆልቆል ዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ኣብታ ካብ ዓበይቲ ቁጠባታት ዓለም ዝኾነት ጃፓን ከቢድ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ። ነቲ ብድሆ ንምፍታሕ መንግስቲ እታ ሃገር ክገብሮም ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ዘዕግብ ውጽኢት ኣይተረኽቦምን።

ንህጻናት ዝምልከቱ መደባት ይኹኑ ንመንእሰያት መጻምድቲ ወይ ወለዲ ንምትብባዕ ዝግበር ድጎማ ንመጠን ወሊድ ከደንፍዖ ኣይተራእየን። ክኢላታት ከምዝብልዎ፡ እቲ ምኽንያታት ዝተሓላለኸ ኮይኑ፡ ትሑት መጠን መርዓ፡ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ብምውፋረን፡ ከምኡ'ውን ምውሳኽ ወጻኢታት ምዕባይ ቆልዑ ይርከብዎ።

"ጃፓን፡ ከም ሕብረተሰብ ክንቅጽል ዲና ኣብ ዝብል ገምገም ኢና በጺሕና ዘለና" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ፉሚዮ ኪሺዳ "ሕጂ ወይ ንሓዋሩ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ጃፓን ግን ንበይና ኣይኮነትን ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣጋጢምዋ ዘሎ። መጠን ወሊድ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ ሲንጋፖር፡ ታይዋንን ደቡብ ኮርያን'ውን የንቆልቁል'ዩ ዘሎ። ብፍላይ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዓለም እቲ ዝተሓተ መጠወን ዊሊድ ዘለዋ ሃገር'ያ።

እታ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ ዘለዋ ቻይና'ውን እንተኾነት፡ መጠን ህዝባ ንክልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ከምዝነከየ ኣብ 2023 ተረጋጊጹ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ፡ ወሊድ ንምትብባዕ ከምቲ ናይ ጃፓን መተባብዒ ክትህብ ተገዲዲ'ያ። እንተኾነ ግን እቲ እናኣረገ ዝመጸን ብሰንኪ 'ሓደ-ቆልዓ' ዝብል ፖሊሲ መንግስቲ እናወሓደ ዝኸደን ህዝቢ ዓቢ ደሞግራፊካዊ ጸገም ፈጢሩላ ይርከብ።