እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
10 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ጃፓን ዕድመኡ ልዕሊ 80 ዝዀነሉ ምስጢር?
ኣብ ታሪኽ ጃፓን ንመጀመርታ ግዜ፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እቶም ልዕሊ 10 ሚእታዊት፡ ልዕሊ 80 ዓመቶም ኣረጋውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ። እዚ ኸኣ ሓድሽ ዓለማዊ ክብረወሰን ኰይኑ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ፡ ካብቲ 125 ሚልዮን ህዝቢ ጃፓን፡ እቲ 29.1 ሚእታዊት፡ ዕድመኡ ልዕሊ 65 ዓመት ከምዝዀነ ክረጋገጽ እንከሎ፡ እዚ’ውን ካልእ ጃፓን ዘመዝገበቶ ዓለማዊ ክብረ ወሰን’ዩ።
ሕቡራት ሃገራት ነዚ መጽናዕቲ ምርኵስ ብምግባር፡ ጃፓን ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር እታ ዝበዝሐ ኣረጋውያን ዘለውዋ ሃገር ምዃና ብወግዒ ሓቢሩ ኣሎ።
ንጃፓን ስዒበን ኢጣልያ 24.5 ሚእታዊት፡ ፊንላንድ ከኣ 23.6 ሚእታዊት ካብ ህዝበን ልዕሊ 65 ዓመት ዕድመ ዘለወን ሃገራት ተባሂለን ካልኣይን ሳልሰይን ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።
ብመሰረት ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ጃፓን ኣብ 2040 ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ 34.8 ሚእታዊት ዕድመኦም ልዕሊ 65 ክኸውን’ዩ።
ጃፓን ካልእ ዘመዝገበቶ ሓድሽ ክበረ ወሰን ከኣ፡ ካብ ጠቕላላ ዓያዪ ሕብረተሰባ እቶም 13 ሚእታዊት ዕድመኦም ልዕሊ 65 ዓመት’ዩ።
እዚ ግን፡ እታ ሃገር ንማሕበራዊ ድሕነት ኢላ ካብ እተውጽኦ ገንዘብ ዘድሕና ኣይኰነን።
ጃፓን ኣብ ዝመጽእ ባጀት ዓመት፡ ንማሕበራዊ ድሕነት ሰሊዓቶ ዘላ ገንዘብ ኣብ ታሪኻ እቲ ዝዓበየ እዩ።
ጃፓን መጠን ወሊድ ንምውሳኽ ብዙሕ መተባብዒ’ኳ ክትገብር እንተጸንሐት፡ ምስቲ ዘሎ ክቡር ናብራን ነዊሕ ሰዓታት ስራሕን፡ መደባታ ክንድ’ቲ ዝተወጠኖ ሸቶኡ ክውቕዕ ኣይክኣለን።
ኣብ ብዙሓት መዳውብቲ ጃፓን ዝዀና ሃገራት፡ መጠን ወሊድ ይንኪ’ኳ እንተሎ፡ ኣብ ጃፓን ግን ብፍሉይ እቲ መጠን ኣመና እዩ ነክዩ።
ኣብ ጃፓን ሎሚ ዓመት ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተወለዱ 800 ሽሕ ህጻናት፡ ዝወሓዱ ህጻናት ክውለዱ’ዩ ትጽቢት ተገይሩ ዘሎ።
ሎሚ ዓመት ብዝተመዝገበ መጠን ወሊድ፡ ኣብታ ሃገር ካብ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ካብ ዝተመዝገበ ዝወሓደ ህጻናት ዝተወለዱላ ዓመት ኰይና ተመዝጊባ ኣላ።
ኣብ 1970ታት ኣብ ጃፓን ዓመታዊ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህጻናት’ዮም ዝውለዱ ነይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፊምዮ ኪሺዳ ኣብ ጥሪ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ መጠን ወሊድ ከም ሕብረተሰብ ናይ ምቕጻል ሓደጋ ኣጋጢምዎም ምህላዉ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
እንተዀነ ገለ ሰብ መዚ ዓቕሚ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ንምጕልባት፡ ክሰርሑ ዝኽእሉ ስደተኛታት ምቕባል ከም ኣማራጺ ከቕርብዎ ይስምዑ’ዮም።
ኣብ ኤስያ ብዙሓት ሃገራት ልክዕ ከም ጃፓን ጸገማት ብዝሒ ኣረጋውያን የጋጥመን ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጠን ብዝሒ ህዝቢ ቻይና ድሕሪ 1961 ንመጀመርታ ግዜ ከምዝጐደለን፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ’ውን ዓለምለኻዊ ክብረወሰን ዝሰበረ ዝወሓደ መጠን ወሊድ ከምዝተመዝገበን ዝዝከር’ዩ።