እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቐጠር፡ ሽምግልና እስራኤልን ሓማስን ከምዘቋረጸት ኣፍሊጣ
ቐጠር ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ከም መንጐኛ ኰይና ከተካይዶ ዝፀንሐት ሽምግልና ደው ከምዘበለት ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
እታ ሃገር፡ ሓማስን እስራኤልን "ድልውነት ዕርቂ ምስ ኣርኣዩ" ስርሓ ክትጅምር ምዃና ገሊጻ።
ፍልስጤማዊ ጕጅለ ሓማስ፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ዝቐረበ ሓድሽ እማመታት ድሕሪ ምንጻጉ፡ ዋሽንግተን ድሕሪ ደጊም ህላወ ወከልቲ ሓማስ ኣብታ ሃገር ከብቅዕ ብምሕታታ'ዩ ቐጠር ነዚ ዝበለት።
ቐጠር ሽምግልና ከምዝሰሓበት'ኳ እንተኣፍለጠት፡ ኣብ ዶውሓ ዝርከብ ‘ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ 'ዕላምኡ ኣይፈጸመን’ ዝብል መግለፂ ሰብስልጣን ኣመሪካ ግን ኣይተዋሕጠላን።
ሓማስ፡ ብመሰረት ሕቶ ምምሕዳር ኦባማ ከምዝዀነ ዝግለጽ መደብር ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ቐጠር [ዶውሓ] ከምዝነበሮ ይንገር።
ከም ጸብጸብ ሓያለ ማዕከናት ዜና፡ ሓማስ "ሰናይ ድሌት ዝርርብ ሰላም ብምንጻጉ"፡ ቐጠር ኣብ ዶውሓ ዝርከብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈቱ ክትዓጹ ምስ ኣመሪካ ተሰማሚዓ ኣላ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ግን እቲ ጸብጻባት "ቅኑዕ ኣይኮነን" ክብል ነጺጉ ኣሎ። ሰበስልጣን ሓማስ እውን ብተመሳሳሊ ነጺጐምዎ።
እታ ንእሽቶ ግን ከኣ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዘለዋ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብቲ ዞባ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ እያ።
ዓቢ መደብር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ዘስፈረት ኰይና፡ ምስ ኢራን፡ ጣሊባንን ሩስያን ዝርከቦ ብዙሕ ተኣፋፊ ፖለቲካዊ ልዝባት ከምዘካየደት ይግለጽ።
ጎድኒ ጐድኒ ኣመሪካን ግብጽን፡ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝተኻየዱ ዝፈሸሉ ዝርርባት ሰላም'ውን ኣአንጊዳ።
ኣብቲ ዝምድና ለውጢ ከምዘሎ ዝሕብር መርትዖታት ግን እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።
ድሕሪ ቅትለት መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር፡ ሓማስ ኣብ ዶውሓ ኣብ ንእሽቶ ኣዳራሽ ንኽልተ ሰዓታት ጥራይ ንሓዘን ተቐሚጡ።
እዚ ድማ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንመራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ዝተኻየደ ንሰለስተ መዓልታት ምሉእ ዝተኣወጀ ሓዘን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ።
ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ዙርያ ዝርርብ ስምምዕ ክዕወት ኣይከኣለን።
ሓማስ፡ ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ እማመ ተኹሲ ደው ምባል ነጺግዎ። እቲ ጕጅለ ወትሩ እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ከብቅዕን ሰራዊት እስራኤል ካብ ቓዛ ጠቕሊሉ ክወጽእን ይጠልብ።
እስራኤል’ውን እንተዀነት፡ ነቶም ውጥናት ሰላም ብምንጻግ ትኽሰስ እያ።
ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ዮኣቭ ጋላንት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ኣንጻር ነቲ ካብ ሓለፍቲ ጸጥታኡ ዝተወሃበ ምኽሪ ደው ከምዝበለ ኣቃሊዑ ኣሎ።
እቲ ስልጣኑ ዘረክብ ዘሎ ምምሕዳር ባይደን፡ ሓማስ ካብ ቐጠር ይባረር ብዝብል ጻውዒት ኣብ ጥሪ ስልጣኑ ቅድሚ ምዝዛሙ ገለ ስምምዕ ሰላም ንምውራድ ዝገበሮ ፈተነ ይመስል።
ሓማስ ካብ ዶውሓ ክወጽእ እንተተገዲዱ፡ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈቱ ኣበይ ከም ዝምስረት ንጹር ኣይኮነን።
ቀንዲ መሓዛ ኢራን ሓንቲ ኣማራጺ እያ። እንተዀነ ኣብ ሓምለ ኣብ ቴህራን ድሕሪ ዝተፈጸመ ቅትለት እስማዒል ሃኒየ፡ ኣብኡ እንተሰሪቶም ካብ እስራኤል ንዝመፅእ ሓደጋ ዝተቓልዑ እዮም።
ነዚ ስዒቡ፡ ንመራሕቲ ሓማስ ዝያዳ ኣማራጺ ቦታ ኣበይ ክኾን እዩ ዝብል የዘራርብ ኣሎ።
ቱርኪኸ?
ቱርኪ ሓንቲ ካብተን ዝጥርጠራ ሃገራት ዀይና። ከም ኣባል ኔቶ ከምኡ ድማ ዝበዝሕ ህዝባ ተኸታሊ ሱኒ ብምዃኑ ንመራሕቲ’ቲ ጉጅለ ተዛማዲ ውሕስነት ዝህብ እዩ ተባሂሉ ይግመት።
ፕረዚደንት ኤርዶጋን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንናይ ሽዑ ሓላፊ ፖለቲካ ሓማስ እስማዒል ሃኒየን ልኡኹን ኣብ ኢስታንቡል ኣአንጊዱ ምዝርራቡ ዝዝከር እዩ።
እዚ ስጉምቲ፡ በታ ብዙሕ ግዜ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ከም መንጐኛ ኰይና ክትረአ እትፍትን ኣንካራ እውን ብሓጎስ ክትቅበሎ ትኽእል እያ።
ከም በዓል ኦሳማ ሓምዳን፣ ታህር ኣልኑኑን ካልኦትን ብተደጋጋሚ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝቐርቡ ወሰንቲ መራሕቲ ሓማስ ኣብ ኢስታንቡል ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ፀኒሖም ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ውልቃዊ ድሕነት መሪሕነት ሓማስ ነቲ ጉጅለ ዓቢ ስክፍታ ኮይኑዎ ከምዘሎ ይግመት። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዘይመልእ ግዜ ክልተ መራሕቲ ከምዝተቐንጸልዎ ይፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ሃኒየ ተቐቲሉ፤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሓማስ ከም ዝሓንፀፀ ዝእመነሉ ያህያ ሲንዋር ቀቲላ።
ቤት ምኽሪ ርክባት ወጻኢ ኤውሮጳ “ሓማስ ቐጻሊ ቅትለታት እስራኤል ዘመፀኦ ሳዕቤን ንምፍኳስ ኣምር ‘ሓባራዊ መሪሕነት’ ይኽተል ኣሎ” ይብል።
ኣብ ትካል ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ (ሩሲ) ላዕለዋይ ተሓጋጋዚ ኤች ኤ ሄሊየር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ክንድቲ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መደበራ ዘቖመትላ ዶሃ ዝኣክል፡ ካብ ፈተነታት ቅትለት እስራኤል ዘናግፍ ካልእ ውሑስ ቦታ የለን" ኢሉ።
ሓማስ ሓድሽ እማመ ክቕበል ይግደድ
እዚ ስጉምቲ ቀጠር ዝውሰድ ዘሎ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ኲናት ንምውዳእ ብዝወሰዶ ኣካይዳ ተስፋ ኣብ ዘቐበፅሉ እዋን እዩ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ኣመሪካ፡ እስራኤል ክሳብ 12 ሕዳር ዝያዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ዞባ ክውሕዝ ‘እንተዘይፈቒዳ’ ክብሉ ኣፈራሪሖም ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ኩነታት ሰሜናዊ ቃዛ ‘መስካሕኽሒ’ ከይኸውን ዘጠንቀቑ ዀይኖም ‘ኮሚተ ገምጋም ዓፀቦ’ [Famine Review Committee] ዝተብሃለ ናጻ ትካል'ውን "ኣብ’ቲ ዞባ ዓፀቦ ከጋጥም ሓያል ተኽእሎ ኣሎ" ኢሉ።
ርክብ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ናታንያሁን ኣብ መስርሕ ኲናት ቓዛ እናተበላሸወ ብምምጽኡ፡ ካብ ዋሽንግተን ጸቕጢ ይውስኽ ኣሎ።
ግን፡ ዶክተር ሄሊየር ከምዝበሎ ኣመሪካ ኣብ ድርድር ቃዛ ዘካየደቶ ፈተነታት ሰፊሕ ጉድለታት ነይርዎ'ዩ።
ዝኾነ ይኹን እማመ፡ ብኔታንያሁን የማናዊ ጥምረቱን ብተደጋጋሚ ተነጺጉ'ዩ። እዚ ዝበሃል ሳዕቤን ድማ ኣይነበሮን።
ሕጂ ድማ፡ እቲ ናብ መንበር ዝመጽእ ዘሎ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝገደደ ድፍረት ክስምዖም'ዩ።
ትራምፕ፡ እስራኤል ኣብ ቃዛ “ዝጀመረቶ ክትውድኦ” ከምዘለዋ ቅድሚ ሕጂ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበረሉ ናይ መጀመርታ እብረ-ስልጣኑ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብ ኢየሩሳሌም ምግዓዝ ሓዊሱ፡ ንእስራኤል ኣዝዮም ምቹኣት ዝተባህሉ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ወሲዱ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ትራምፕ ስልጣን ኣብ ዝሕዝሉ እዋን እቲ ውግእ መወዳእታኡ፡ ክርኢ ከም ዝደሊ ንኔታንያሁ ከም ዝሓበረሉ'ውን ይግለጽ ኣሎ።
ብዝኾነ መንገዲ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢየሩሳሌም ዝህልዎ ጽልዋ ዝነከየ ይመስል።
ስለዚ ገለ ዓይነት ውዕል ንምርኣይ፡ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ጸቕጢ ምግባር ምዃኑ ዝተኣመነሉ ይመስል።
ከምኡ ክኸውን ድዩ ኣይፋል፡ ኣብታ ንነዊሕ ቁልፊ መሓዛ ዋሺንግተን ዝኾነት ቀጠር፡ ዝምርኮስ እዩ።