እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንግስቲ እምባ፡ ብደገ ዕውት ህይወት ኣብ ገዛ ግን ብዘቤታዊ ግህሰት ዝተጸልወ ስቓይ
* እዚ ዛንታ ንገለ ሰባት ከጨንቕ ዝኽእል መግለጺታት ዘቤታዊ ዓመጽ ዘጠቓልል እዩ።
ታሪኽ ህይወት ላክፓ ሸርፓ ዘደንቕ እዩ።
ዓለም ዝፈልጣ ንእምባ ኤቨረሰት ብምሕኳር ብዘመዝገበቶ ክብረወሰን እዩ። ሸርፓ ንእምባ ኤቨረስት 10 ግዜ ዝሓዀረት ኰይና፡ ክንድኣ ዝኣክል ቍጽሪ ዘመዝገበት ጓል ኣንስተይቲ ፈጺማ የላን።
ይዅን’ምበር ብድሕሪ’ዚ ዘሎ ውልቃዊ ህይወታ ግን ብሓደጋን ብራዕዲን ዝተጸልወ እዩ።
ንሳ፡ ነቲ ንእምባ ኤቨረስት ክተንበርክኽ እንከላ፡ ካብ በዓል ቤታ ዘቤታዊ ግህሰት ይበጽሓ ከምዝነበረ ትዛረብ። እዚ ድማ ኣብ 2004 ካብ እምባ ኤቨረስት ኣብ ዝወርዱሉ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመ ዘጠቓልል እዩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣመሪካ እትነብር ሸርፓ፡ ከም ሰራሕተኛ ድኳንን ጽሬትን ተቘጺራ ሰለስተ ቈልዑ ኣባጺሓ እያ።
ኣብን ካብን እቲ እምባ ወጻኢ ዘሕለፈቶ ህይወት ዘርኢ ሰነዳዊ ፊልም፡ ‘ማውንቴን ክዊን፡ ዘ ሳሚትስ ኦቭ ላክፓ ሸርፓ’ ወይ ድማ ‘ንግስቲ እምባ፡ ዝለዓሉ ጠርዝታት ላክፓ ሸርፓ’ ብዝብል ኣርእስቲ ብዳይረክተር ሉሲ ዎከር ተዳልዩ ኣብ ኔትፍሊክስ ቀሪቡ ኣሎ።
ሸርፓ ብዛዕባ እቲ ሰነዳዊ ፊልም ሓበን ከምዝስምዓ ትዛረብ።
"ንሰባት ደቂ ኣንስትዮ ክገብርኦ ከምዝኽእላ ከርእዮም ይደሊ’የ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እቲ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን እዝዩ ዘደንቕ ዝገብሮ፡ ብንእሽቶ ልምምድ ወይ ስልጠና ጥራይ እያ ክትፍጽሞ ክኢላ።
ምሕኳር እምባ ኤቨረስት ቀታሊ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ - ብዛዕባ እቲ እምባ ቅድሚ ሓደ ክፍለዘመን ምስናድ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 30 ሞት ኣጋጢሙ እዩ።
ስለዚ ብቕዓት ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ክኸውን ኣገዳሲ’ዩ።
ኣብቲ ሰነዳዊ ፊልም፡ ሸርፓ ኣብ እምባታት ኮነቲከት እናሰጐመት ክትሓኵር ትርአ፤ ኣብ ንቡር ህይወት ስራሕ ዘድልዩ ነገራት እውን ተሰኪማ እያ ትስጕም።
"ፍልይቲ ኣትለት ኢኺ" ትብላ ዳይረክተር ሉሲ ዎከር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት። "ኣዚኺ ነዋሕ፣ ኣዝኺ ብርትዕቲ።"
"ሰባት ኣትሒቶም’ዮም ዝግምቱ። ካብ መዓልታዊ ስራሕ ተበጊስካ እምባ ኤቨረስት ምሕኳር ዘይእመን ዓወት እዩ።"
ሸርፓ፡ "ኣብ ትምህርቲ ንፍዕቲ ኣይኰንኩን፤ ኣብ እምባታት ግን ኣዝየ ንፍዕቲ’የ" ክትብል ትምልሰላ።
ኣብ 1973 ኣብ ኔፓሊዝ ሂማላያስ እያ ተወሊዳ። ስድራቤታ ያክ ዝተበሃሉ ኣብ ማእከላይ እስያ ዝመበቈሎም ዘጋፍ ዓይነት ኣብዑር ዘፍርዩ ሓረስቶት ኰይኖም ሸርፓ ምስ 11 ኣሕዋታ’ያ ዓብያ።
ኣብቲ ከባቢ፡ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይነበረን። ስለዚ ንሓዋ ተሰኪማ ኣኽራናት ሰጊራ ናብ ቤት ትምህርቲ ተብጽሖ ነይራ፤ ንሳ ንባዕላ ግን ናብ ቀጽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ክትኣቱ ኣይፍቀደላን ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ነገራት ኣብ ኔፓል ተመሓይሾም’ዮም። ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኣብ 1981 ዝነበረ 10 ሚእታዊት ኣብ 2021 ናብ 70 ሚእታዊት በሪኹ ይርከብ።
ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሕጽረት ትምህርቲ ግን ኣብ ሸርፓ ምሉእ ዕድመ ዝጸንሕ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ። ንሳ ክሳዕ ሕጂ ምንባብ ኣይትኽእልን።
ሸርፓ፡ ንብዙሓት ሰባት ቀሊል ኣብ ዝዀኑ ነገራት፡ ንኣብነት ናይ ቲቪ ሪሞት ኣብ ምጥቃም፡ ትጽገም እያ።
ኣብ መወዳእታ 1990ታት ዝተወልደ ኒማ ዝተበሃለ ወዳ ከምኡ’ውን 22 ዝዕድመኣ ሳኒን 17 ዝዕድመዓ ሻይኒን ዝተበሃላ ኣዋልዳን እዮም ኣብዚ ጉዳይ ዝሕግዝዋ።
እዛ ዘይተማሃረት መንእሰይ ኣብ 15 ዓመት ዕድመኣ ኣብ ወፍርታት ምሕኳር እምባ ከም ተሰካሚት ኰይና ክትሰርሕ ጀሚራ። ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነዚ እትሰርሕ እንኮ ጓል ንሳ እያ ነይራ።
እዚ ናይ ምሕኳር ስርሓ ድማ ካብ ብስድራቤታት ዝተወደበ ባህላዊ ሓዳር ንኸተምልጥ ሓጊዝዋ እዩ።
ኣብ ካትማንዱ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ርክብ ስዒቡ ነፍሰጾር ምስ ኰነት ግን ህይወት ኣጸጋሚ ኰይና።
እታ ሓዳር ዘይብላ ኣደ ናብ ቁሸታ ከይትምለስ ሕፍረት ኣሲሩ ሒዝዋ።
ይዅን’ምበር ብዝተኸኣለ መጠን ካብ ምሕኳር ዓዲ ኣይወዓለትን።
ሽዑ ጆርጅ ዲማረስኩ ምስ ዝተበሃለ ሮማንያዊ-ኣመሪካዊ ተዃናታራይ ምሕዳስ ገዛውቲ ተፋሊጣ።
ንሱ፡ ኣብ እዋን ውልቀ መላኺ ኒኮላይ ካውሰስኩ፡ ንሩባ ዳንዩብ ብምሕንባስ ሰጊሩ ዝተሰደደ እዩ።
ጆርጅ ዲማረስኩ ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ህይወት መስሪቱ ነይሩ። ኣብ 2002 ድማ ምስ ሸርፓ ተመርዒዮም ኣብ ኮነክቲከት ክነብሩ ጀሚሮም። ኣብኡ እውን ሳኒን ሻይኒን ዝተበሃላ ኣዋልድ ኣፍርዮም።
ጆርጅ ዓመጽን ጎንጽን ከርኢ ድሕሪ ምጅማሩ ግን ርክብ እዞም መጻምድቲ ከምዝነቕዐ ሸርፓ ትዛረብ።
እዚ ድማ ኣብ 2004 ምስ ኒው ኢንግላድ ዝተበሃለ ጉጅለ ሓዀርቲ ኰይኖም እናደየቡ እንከለዉ ዝያዳ ንጹር ኰይኑ።
ኣብ ጫፍ እቲ እምባ ድሕሪ ምብጽሖም ሓያል ኵነታት ኣየር ኣጋጢምዎም።
ባህሪ ጆርጅ “ብኡ ንብኡ ተቐይሩ” ይብል ንናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ዝጽብፍብ ዝነበ ጋዜጠኛ ማይክል ኮዳስ።
ንሱ ኣብታ ሰነዳዊት ፊልም ከምዝገለጾ፡ ኵነታት ጆርጅ "ተጻባኢ" ኰይኑ።
ምስኡ ኣብ ውሽጢ ቴንዳ ዝነበረት ሸርፓ ኣብ ቅድሚ ካሜራ፡ “ከም ነጐዳ፡ ከም ጥይት ኰይኑ፤ ጆርጅ እናጨደረ፡ ኣጒሲጡኒ’ውን” ትብል።
ሽዑ ኣብታ ፊልም ብኮሳስ ዝተሰኣሉን ሸርፓ ዕውልውል ኢሉዋ ኣብ መሬታ ወዲቓ እንከላን ዘርእዩ ብርክት ዝበለ ኣሳእል ይረኣዩ።
እቲ ጋዜጠኛ ከምዝብሎ፡ ጆርጅ "ነዛ ጐሓፍ ኣውጽኡለይ" እናበለ ንሸርፓ ካብቲ ቴንዳ ጎቲቱ ኣውጺእዋ።
ነጥቢ መቐይሮ ህይወት
ኣብታ ፊልም ሸርፖ’ውን ኣብ ዕወለት ኣትያ ከምዝነበረት ትዛረብ።
“ድምጺ ሰባት ናብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ተቐይሩ። ምሉእ ህይወተይ ርእየያ። ናብ ጥቓ ገዛ ኣደይ ነፊረ። ብዅሉ ዝዀነ ነገር ኣሕሊፈ ይርእእ ነይረ… ብገዛእ ርእሰይ ሓፊረ። በቃ ክመውት ደልየ።"
ድሕሪኡ ግን ንደቃ ከምዝዘከረት ትዛረብ። "ክመውት ድልውቲ ኣይኰንኩን" ድማ ትብል።
ኮዳስ ነቶም ዓመጽ ዝመልኦም ኣሳእል ‘ልዑል ገበን፡ ዕድል ኤቨረሰት ኣብ ዘመነ ስስዐ’ ኣብ ዘርእስታ ኣብ 2008 ዝተሓተመት መጽሓፍ ኣካቲትዎም እዩ።
ርክብ እቶም መጻምድቲ ነቒዑ’ኳ እንተነበረ፡ ንብዙሕ ዓመታት ግን ብሓባር ምንባር ቀጺሎም።
ኣብ 2012 ጆርጅ ዳግማይ ምስ ኣጥቃዓ ግን ናብ ሆስፒታል ክትኣቱ ከምዝተገደደት ሸርፓ ትገልጽ።
እዚ ድማ ነጥቢ መቐይሮ ህይወታ ነይሩ።
ብሓገዝ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሸርፓ ምስ ክልተ ደቀ ናብ መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮ ግዒዛ ህይወታ ዳግማይ ክትሃንጽ ጀሚራ።
ሓዳር እቶም መጻምድቲ ኣብ 2015 ፈሪሱ፤ ኣብ 2016 ድማ ቤት ፍርዲ "ሓልዮት እተን ክልተ ኣዋልዶም" ናይ ሸርፓ ጥራይ ክኸውን ወሲኑ።
ጆርጅ ኣብ 2020 ብሕማም መንሽሮ ሞይቱ፤ ብድሕሪኡ ዝገደፎ በሰላ ግን ርኡይ’ዩ ነይሩ።
ሸርፓ ኣብታ ሰነዳዊት ፊልም ብዛዕባ ርክቦም ንምግላጽ ክትጽገም ትርአ።
"እቲ ጎንጺ ምስጢር እንተዝኸውን እምነ፤ ሰባት ክፈልጥዎ ኣይደለኹን" ትብል።.
ወዳ ግን ዝቐደሙ ስራሕቲ ሉሲ ዎከር ድሕሪ ምግምጋሙ ኣደኡ ምስታ ዳይረክተር ኰይና ነታ ፊልም ንኽትሰርሕ ኣተባቢዕዋ።
እታ ዳይረክተር፡ "ዛንታኺ ክተዘንትዊ ከለኺ፡ 'ብዛዕባ እዞም ዓመታት ኣይንዘራረብን' እናበልኪ ገለ ዝርዝራት ትዘሊ ነይርኪ" ትብላ።
"ቀስ፡ ቀስ እናበልና ናብቶም ዘጸግሙ ጉዳያት ኣቲና።
"ንዓኺ በሰላዊ (ዘሰንብድ) እዩ ነይሩ። ትርበሺ ነይርኪ፤ ኣይትድቅስን። ጽዑቕ’ዩ ነይሩ።
"ብሓቂ ግን እንተካፊልክዮ ሰባት ዝያዳ ክፈትውኺ እዮም። ምኽንያቱ ሰባት ኣጸጋሚ ግዜ ከምዘሕለፍኪ ክፈልጡ ክትገብሪ ዝያዳ ምሳኺ ዘዛምዶም ነገር ይረኽቡ’ዮም።"
'ዝተጐድአት ጓል ኣንስተይቲ ብርትዕቲ’ያ'
እዚ ሳኒን ሻይኒን እውን ዘቃልሓኦ ጉዳይ እዩ።
ኣብታ ሰነዳዊት ፊልም ይቐርባ፤ ኣብ መጀመርታ "ምርኣዩ ኣዝዩ ብርቱዕ" ኰይኑ ከምዝረኸባኦ ይዛረባ። ምኽንያቱ ድማ "ምሉእ ህይወትና ብምርኢት ቀክቐርብ እንከሎ ተቓላዕነት ስለዘሎ" እዩ።
ግን ኣካል እታ ፊልም ክዀና ተሰማሚዐን። "ከም ስድራ ዘሕለፍናዮ ቃልሲ፡ እዚ ድማ ንኸድክመና ዘይኰነስ ንኸበርትዓና ከመይ ከምዝተጠቐምናሉ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣካል ዛንታ ኣደና’ዩ።"
ሸርፓ ድሕሪ ሓዳራ ዝነበራ ህይወት ብበሰላ ዝተጸልወ እዩ ምባላ ዘገርም ኣይኰነን።
"ኦ ኣምላኸይ፡ እቲ ብኽያት። ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ተሰኪመ፤ በርቲዐ ይሰርሕ፡ ኣዝየ ይተብዕ" ትብል።
"ሓደ ሓደ ግዜ 'ድሕሪ’ዚ ዅሉ ሓደጋ ስለምንታይ’የ ብህይወት ዘለኹ፡ ስለምንታይ ዘይሞትኩ' ይብል። ዳርጋ መንግስተ ሰማያት ኣትየ እየ ተመሊሰ። ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ግን ብዝዀነ ገይረዮ...
"ዝተጐድአት ጓል ኣንስተይቲ ብርትዕቲ’ያ'። ብቐሊሉ ኢዳ ኣይትህብን። ምቅላስ ድማ ትቕጽል።"
ንሸርፓ ምሕኳር ሃረርታ ጥራይ ኣይኰነን - እንተላይ ኣገባብ ሕውየት እዩ።
"ጸገማተይ [ኣብቲ እምባ] ንድሕሪት ይገድፎም" ትብል።
ደቃ ብኣደአን ከምዝሕበና ንጹር እዩ።
ሸርፓ፡ ደቃ ኣብ ኣመሪካ "ዝሓሸ ህይወት" እንተላይ ትምህርቲ ክረኽባ ትገብር ከምዘላ ትዛረብ።
"ኣበርቲዐ ይሰርሕ፡ ህይወተይን ህይወት ደቀይን ክቕይር ብሓቂ ድሌት ኣለኒ።"
ሳኒን ሻይኒን’ውን "ኣሰር ኣደና ተኸቲልና ናብ ጫፍ እምባታት ምሕኳር ጀሚርና ኣለና" ይብላ።