ግዳይ ምኽንሻብ፡ 'ጕድበይ ምለሱለይ'

ሎሚ ዓለማዊ መዓልቲ ምዉጋድ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ እዩ።

ኣብ ዓለም፡ ኣስታት 230 ሚልዮን ደቀንስትዮን ኣዋልድን ግዳያት ዝተፈላለየ ዓይነት ምኽንሻብ እየን።

ካብዚ፡ እተን ፍርቂ ኣብ ኣፍሪካ ይነብራ።

ቢቢሲ፡ ዛንታ ኣብ እዋን ቍልዕነታ ብዝተፈጸመ ምኽንሻብ ዝተቘረጸ ክፍሊ ኣካላታ ንምምላስ መጥባሕቲ ብዛዕባ ዘካየደት ጓለንስተይቲ ኣቕሪቡልኵም ኣሎ።

ሻምሳ ሻራወ፡ ኣብ ማሕበሰረብ ሶማልያን ዓለምን ኣንጻር ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይቲ ከይተሰከፈት ብምዝራብ ትፍለጥ።

ጓል ሽዱሽተ ዓመት እንከላ ኣብ ብልዕታ ብዛዕባ ዘጋጠማ ነገር ብቪድዮ ንምግላጽ፡ ጽላት ዕምባባ ጽጌረዳ ብምቝራጽ፡ ነቲ ዝተረፈ ብምስፋይ ዘርጊሓቶ።

እዚ ቅድሚ 16 ኣዋርሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቲክቶክ ምስ ዘርግሓቶ፡ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ 12 ሚልዮን ሰባት ርእዮምዎ ኣለው።

ዝዀነ ሶማልያዊ [ኣብ ሃገራት ወጻእ ዝነብር ከይተረፈ] ብዛዕባ ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይቲ ብግልጺ ኣይዛረብን።

ምስዚ ብዝዛመድ ክመጽእ ዝኽእል ሓያል ቃንዛ ዘለዎ ወርሓዊ ጽግያት፡ ጸገም ሽንቲ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዘጋጥም ቃዛንን ኣብ እዋን ሕርሲ ከጋጥም ዝኽእል ስንባደን’ውን ኣይግድሶን።

ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይቲ፡ ንጕድበን ጫፋት ብልዕትን ብምቝራጽ ዝፍጸም እቲ ርሕሚ ዝኽፈተሉ መጠን ክጸብብ ዝገብር ጐዳኢ ልምዲ እዩ።

እዚ ዓይነት ምኽንሻብ፡ ‘ኢንፊቡሌሽን’ ወይ “ዓይነት ሰለስተ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ መብዛሕትአን ኣዋልድ ሶማልያ ዝፍጸምን ምቝራጽ ደጋዊ ብልዕተን ድንግልናአን ክሕሎ ዝገብርን’ዩ ዝብል ልሙድ እምነት እዩ።

ዘይተኸንሸባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ግን መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ሶማልያ ልሕሉሕ ሞራል ወይ ልዑል ጾታዊ ድሌት ዘወለን፡ እዚ ድማ ክብሪ ስድራአን ዝዘርግ ሓደጋ ዘለወን ተገይረን ይቝጸራ።

ስድራ ጓል 31 ዓመት ሻምሳ፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሶማልያ ብ2001 [ኣ.ኣ] ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተሰዲዶም።

እዞም፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ሃገራ ብግልጺ ዘይዝረበሎም ‘ነውሪ’ ዛዕባታት ብዘዋዝን ዘስሕቕን፡ ሓሓሊፉ ድማ ኣዝዩ ልቢ ብዝሰብር መገዲ ኣብ ቲክቶክ ከተቕርቦም ጀሚራ።

18 ዓመት ምስ መልአት ነዊሕ እንከይጸንሐት፡ ናብ ሶማልያ ኣብ ዝገበረቶ መገሻ ብሓይሊ ተመርዕያ ከም ዝተዓመጸት ገሊጻ።

ሽዑ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽትምለስ ሽዱሽተ ወርሒ ወሲዱላ።

ካብዚ ኵሉ ንላዕሊ፡ ነውሪ ተባሂሉ ዝውሰድ ግን ምናልባት እቲ ብሰንኪ ምኽንሻብ ዝተቘረጸ ብልዕታ ክምለሰላ ከም እትደሊ ኣብ ኣደባባይ ምዝራባ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ነዚ ድማ፡ ኣብ ብሪጣንያ ብመገዲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS) ንደቂ ኣንስትዮ ዘይወሃብ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ዳግመ-ህንጸት ብልዕቲ ክትገብር ሓያሎ ገንዘብ ከፊላ።

ከምዚ ክግበር ከም ዝክኣል፡ ሃጃ ቢልኪሱ ካብ ዝተባህለት ጀርመናዊት ዜግነት ዘለዋ ኣብ እዋን ቍልዕነታ ዝተኸንሸበት ሴራሊዮናዊት እያ ፈሊጣ።

ቢልኪሱ፡ ኣብቲ ተቘሪጻ ዝተሰፈየት ዕምበባ ጽገሬዳ ሻራወ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ብሓገዝ ዶክተር ዳን ሞን ኦ’ደይ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሉዊዘን ዳግመ ምምላስ ከም ዝተገብረላ ገሊጻ።

ሻራወ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ዳግማይ ምቝራጽ ዝብል ሓሳብ ኣዝዩ ኣፍሪሑኒ ነይሩ። ንጥዕና ኣእምሮይ ክብል ግን ክገብሮ ነይሩኒ። ድሕሪ ደጊም ቃንዛ ከይስምዓኒ ጥራይ እየ ዝደሊ” ኢላ።

እቲ መጥባሕቲ፡ ዳግመ ህንጸት ጕድበ [ክሊቶሪስን ላብያን] ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ሓካይም ካብ መቐመጫ ሻምሳ ቲሹ ወሲዶም።

ዝስምዓ ዝነበረ ቃንዛ ንምንካይን ጾታዊ ድልየታ ንምምላስን በሰላ ዘጋጠሞ ጽኪን ቲሹን ኣልዮም።

ሻምሳ፡ ብኽያት ጓል-ኣንስተይቲ ደው ንክብል ብእትገብሮ ዘላ ቃልሲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝርዝር 100 ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ ኣትያ ነይራ።

ይዅን’ምበር፡ ምስ ሕብረተሰብ ሶማልያ ንኽትወሃሃድን ካብቲ ንዓመታት ግዳይ ግህሰት ኰይናትሉ ዝጸንሐት ካልኣይ ፍሹል ሓዳር ዘስዓቦ ስንባደ ክትሓውን ነዊሕ ግዜ ወሲዱላ’ዩ።

ሕጂ ኣደ ጓል 10 ዓመት ቈልዓ ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ 32 ሽሕ ዶላር ዝሓተተ መጥባሕቲ ገይራ።

“ባዕልኻ ንዘየምጻእካዮ ወይ ዘይፈጠርካዮ ጸገም ዋጋ ምኽፋል ፍትሓዊ ኣይኰነን” ትብል።

ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዘለውዎ ምኽንሻብ ይፍጸም፤

  • ክሊቶሪደክቶሚ፡ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ምእላይ ተሃዋሲ ኣካላት ጕድበ [ክሊቶሪስ]
  • ምቝራጽ፡ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ምእላይ ክሊቶሪስ ከምኡ’ውን ንርሕሚ ዝኸበበ ውሽጣዊ ቈርበት (labia minora)
  • ኢንፊቡሌሽን (Infibulation)፡ ምቝራጽን ዳግማይ ምቕማጥን ኣብ ዙርያ ርሕሚ ዝርከብ ደጋዊ ቈርበት (labia minora and labia majora) ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ንእሽቶ ክፍተት ጥራይ ንምግዳፍ ዝፍጸም ስፌት የጠቓልል
  • ከም ምእላይ፡ ምቝራጽ፡ ምሕግሓግን ምሕራርን ምልብላብን ክሊቶሪስ ወይ ከባቢ ብልዕቲ ዝሽፍን ንኹሎም ካልኦት ጎዳእቲ ኣገባባት ዘጠቓልል ኣገባብ እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ብሰንኪ ምኽንሻብ ዘጋጥም ሓደጋታት ንምጽጋን ዝዓለመ ሕክምናዊ ሜላታት ክመሃዝ ጸኒሑ ኣሎ።

ፈረንሳዊ ክኢላ መጥባሕቲ ዶ/ር ፒየር ፎልደስ ብ2004 ነዚ ሕክምና ዝጀመራ ፈላሚ ክኢላ እዩ።

ኣብ ከም ቤልጅም፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሽወደንን ስዊዘርላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ መጥባሕቲ ዳግመ ምምላስ ጕድበ ብመድሕን ጥዕና ይሽፈን።

መብዛሕትአን ግዳያት ምኽንሻብ ኣብ ዝርከባሉ ኣፍሪቃ ግን፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ኬንያ ዝተሓጽረ ኰይኑ፡ ግዳያት ኣስታት ሓደ ሽሕ ፓውንድ ይኸፍላ። ኣብ ግብጺ ድማ ዘይመንግስታዊ ትካላት ነቲ ወጻኢታት ክሽፍኑ ይኽእሉ።

“ኵሉ ሓኪም ነዚ መጥባሕቲ ክገብር ኣይክእልን’ዩ። ዝተሓላለኸን ኣብተን ግዳያት ዘሎ ተመኵሮ ዝተፈላለየን እዩ” ይብል ኣብ ኬንያ ዝርከብ ክኢላ ዶክተር ኣዳን ዓብደላሂ።

ብፍላይ እዚ ‘ዓይነት ሰለስተ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ መገዲ ምኽንሻብ፡ ምስ ምጽባብ ርሕሚ ዝተኣሳሰር ስለ ዝዀነ እዚ መጥባሕቲ ምግባር “ኣብ እዋን ሕርሲ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎ” ይብል።

ካልኦት ከም ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዘጋጥም ቓንዛ ዝበሉ ድማ፡ ክመሓየሹ ወይ ክፍወሱ ከም ዝኽእሉን ግዳያት “ርእሰ ምትእምማነን” ክመሓየሽ ከም ዝርኣይን ይዛረብ።

እቲ መስርሕ መጥቃሕቲ ግን ቀሊል ከም ዘይኰነ እተን ግዳያት ይገልጻ።

ከምዚ ዓይነት መጥባሕቲ ዘስዕቦ ኣካላዊ ሳዕቤን ዘተሓሳስባ ኣብ ግብጺ እትርከብ ሓኪም ዶክተር ረሃም ኣውዋድ “ብርግጽ መጥባሕቲ ንኵሉ ሰብ ፍታሕ ዝኸውን ኣይመስለንን" ትብል።

ኣብቲ ኣብ 2020 ዝተኸፍተ ክሊኒካ ኣስታት ፍርቂ ሕሙማት፡ ሕጂ ከም ብፕላትለታት ዝሃብተመ ‘ፕላዝማ’ ዝኣመሰሉ ቲሹታት ከም ብሓድሽ ክዓብዩ ዝገብሩ ክታበታት ብምሃብ ሕክምና ክረኽባ ከም ዝተገብረ ሓቢራ።

“እቲ ‘ፕላዝማ’ ዋሕዚ ደም ክለዓዓልን ክውስኽን ክገብር ይኽእል፤ ኣብቲ መርፍእ እትወግኣሉ ከባቢ ድማ ነድሪ ይንኪ” ትብል።

ብተወሳኺ፡ ግዳያት ኣገልግሎት ስነ-ልቦናዊ ማዕዳ ክረኽባ ከም እትገብር ገሊጻ።