ተዘክሮታት ሳንቲም፡ ፕሮፌሰር ኢለኒ ዘለቀ መን’ያ ነይራ?

“ሓካይም ‘ግዘ የብልኽን’ ኢሎም። ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት ካብዛ ዓለም ክፍለየ’የ”።

እዚኣ፡ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ፕሮፌሰርን ተመራማሪት ፖለቲካን ኢለኒ ዘለቀ’ያ።

ነዚ መልእኽቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ኣሕለፈት ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኢስት ኢንድ ሆስፒስ ዓሪፋ።

ፈተውታ፡ ክገልጹዋ እንከለው ‘ተጻዋቲት፡ ሰሓቒት፡ በላሕ፡ ለጋስ፡ ጽንዕቲ፡ ተቓላሲት . . .’ ዝበሉ ቃላት የዘውትሩ።

ብብዝሒ ‘ሳንቲም’ እናበሉ ስለ ዝጽውዑዋ፡ ኣብዚ ዛንታ’ውን ሳንቲን እናበልና ኢልና ክንቅጽል።

ሳንቲም፡ ብቐረባ ዝፈልጣ ሰብ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ቅጽላት ካብ ሰብ ክሰምዖም ምጽባይ ኣየድልዮን።

ብሓቂ ተጻዋቲት’ያ ነይራ። መምህር’ውን እያ።

ተመሃሮኣ፡ ቀኖናዊ [dogmatic] ኣይኰነትን” ክብሉ ይገልጹዋ።

ምስ ተመሃሮኣ ጽቡቕ ምሕዝነት ክትፈጥር ስለ ዝኽኣለት፡ ነጻነት ገብረሚካኤልን ሰራዊት በቀለን ድሕሪ ትምህርቲ’ውን ምሕዝነቶም ክቕጽሉ ካብ መንጐ ዘፍቀደትለን እዮም።

ንኽልቲአን ቅድሚ 16 ዓመታት ከተምህረን እንከላ፡ ንሶም ካልኣይ ዲግሪ ንሳ ድማ ሳልሳይ ዲግሪ የጽንዓ ነይረን።

ነጻነት፡ “መምህር ምዃን ምስ ስብእናኣ ዝተሓሓዝ ይመስለኒ። ካብኣ ዝረኸብናዮ ዓብዪ ነገር ሓታቲ ምዃን’ዩ። ተመሃሪ ምዃን ማለት ሓታቲ ምዃን ማለት’ዩ ዝብል እያ ምሂራትና። ምህርቲ ምዃና ድማ ሕቶታት ብምሕታት ኣቢልካ ኢኻ ትፈልጦ” ትብል።

ሳንቲም፡ ምሕንባስ ከም እትፈቱ፡ ኣብ ደሴታት ኬንያ ዝተስኣለቶም ስእሊታት ይምስክሩ።

ተልሂትን ሙዚቃን’ውን ከምኡ። ንፈተውታን መሓዙታን መግቢ ምድላውን ምእንጋድን’ውን ትፈቱ ነይራ።

ሳንቲም፡ ብዛዕባ ተልሂትን ሙዚቃን ኣብ ሙሁራዊ ፕሮጀክታታ’ውን ክንጸባረቑ ገይራ’ያ።

ሰራዊት በቀለ፡ “ሳንቲም ከተውግዕ እንከላ፡ ዘስሕቕ ነገር ወይ ብዛዕባ ማሕበራዊ ጕዳይ ኰይኑ እናሃለወ፡ ናብ ሙሁራዊ ሸነኽ እያ ተንዘብል። ሰሓቕን ጸወታን ናብ ኣዝዩ ረቂቕ ሙሁራዊ ሓሳብ ናይ ምውሳድ ዓቕሚ ኣለዋ። ንሳ ከይተስተብህለሉ ትኽእል፤ ግን ካብኣ እዚ ኹሉ ኢና እናተመሃርና መጺእና። ብሰሓቕን ጸወታን” ትብል።

ሳንቲም፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዘሕተመቶ መጽሓፍ ሽም ክልቲአን ተመሃሮኣ ጠቒሳ ኣመስጊናተን’የን።

ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዋ ሳንቲም፡ ብ28 ሰነ 2016 ዓ.ም [ኣ.ግ] ሞይታ።

ንህይወት ኣዝያ እትፈቱ፣ ክብሪ ወዲሰብ እትግንዘብ ሰብ ብምንባራ፡ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ነይራ’ያ ሓሊፋ።

ቁልዕነት፡ ካብ ጐንደር ክሳብ ጋያና

ቅድሚ 53 ዓመታት ኣዲኣ ወይዘሮ ኢለኒ እምሩ ሕርሲ ተታሒዘን እንከለዋ፡ ሓደ ኣመል ስርቂ ዘለዎ ውልቀሰብ ካብ መንበሪ ገዛ ስድራ ዶ/ር ዘለቀ በቀለ ሳንቲም ሒዙ ይጐዪ።

ዶ/ር ዘለቀ ክሕዙዎ ፈቲኖም ግን ኣይሰመረሎምን። በዓልቲ ቤቶም ግን ካልእ 'ሳንቲም' ኣበሲራቶም።

ኣብ ጐንደር ዝተወልደት ኢለኒ፡ ኣብ ጋያና፡ ባርቤዶስን ካናዳን’ያ ዓብያ።

ኣቡኣ ዶ/ር ዘለቀ ዲን ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ጐንደር ኰይኖም ዝመርሑ ፈላሚ ኢትዮጵያዊ’ዮም።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ጅግጅጋ ፈላሚ ዘመናዊ ሆስፒታል ኣብ ምጥያስ ዓብዪ እጃም ነይርዎም።

ሽማ ንጓላ ዘውረሰት ኣዲኣ ወይዘሮ ኢለኒ እምሩ ድማ፡ ንቀዳማዊ ሃይለስላሴ ጓል ሓፍቲ ኣዲኦም ኰይና፡ ጓል ልኡል ራእሲ እምሩ ሃይለስላሴ’ያ።

ሳንቲም፡ ጓል ክልተ ዓመት እንከላ ምስ ስድርኣ ናብ ካናዳ ከይዳ።

ዶ/ር ዘለቀ ኣብ ካናዳ ንሒደት ዓመታት ምስ ተቐመጡ፡ ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም ተጸንቢሮም። ብስራሕ ምኽንያት ድማ ናብ ጋያና፡ ቀጺሉ ድማ ናብ ባርቤዶስ ኣምሪሖም።

ሳንቲም፡ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ እትውድእ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ኣብ ዝርከባ ሃገራት እያ ትቕመጥ ነይራ።

ኣብ ጋያና ብዛዕባ ዝነበራ ናይ ቁልዕነት ግዜያት ኣብ ዝተፈላለዩ ቃለ መጠይቓት ብተደጋጋሚ ተልዕሎ ነይራ።

“ንጋያና ማዕረ ኢትዮጵያ እያ እተልዕላ፤ በዚ ምኽንያት ካብ ጋያና ዝመጽአት’ዩ ዝመስለና ነይሩ” ትብል ነጻነት።

ሳንቲም፡ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ዘሕለፈቶም ዓመታት፡ ንኣተሓሳስብኣ ከም ዝቐረጹዎ ተዛሪባ ነይራ።

ሽዑ፡ ማእከል ዓለምለኸ ንግድን ማእከል ንግዲ ጊላ ኣትላንቲክን ኣብ ዝነበራ ከባቢታት ካሪብያን፡ ኣብ ስርዓት ጊላነት ዝጠመቱ ሙሁራዊ መድረኻት ዘተ ይካየዱ ነይሮም።

በዚ ምኽንያት “ኣብ ከባቢ ካሪቢያን ዘሎ ፓን ኣፍሪካኒዝም ምናልባት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ፓን ኣፍሪካኒዝም ዝያዳ ዝብርትዕ ይመስለኒ። ኣነ’ውን በዚ ዝተስሓልኩ ይመስለኒ ” ክትብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተመሓላለፈ ሓደ ቃለ መጠይቕ፡

ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዲግሪ ኣብ ካናዳ እያ ኣጽኒዓ።

ጓል 18 ዓመት እንከላ፡ ኣብ ካናዳ ቫንኩቨር ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ ቀዳማይ ዲግሪ ክትመሃር ጀሚራ።

ኣብኡ ዝነበራ ህይወት፡ ጸሊምን ኣፍሪቃውን ምዃን ማለት ዘይነጻጸሉ ጕዳያት ምዃኖም ዝተገንዘበትሉ እዩ ነይሩ።

ቅድሚ 24 ዓመታት ኣብ ዝጽሓፈቶ ሓደ ጽሑፍ፡ “ኣብ ካናዳ ‘ጸሊም’ ፖለቲካዊ ቃል ከም ዝዀነ ተገንዚበ። ሰብነተይ፡ መንነተይ፡ ብዓሌታዊ መነጽር ከም ዝርአ ምስ ተገንዘቡ ጸላም ምዃነይ ናተይ መለለዪ’ዩ ኢለ ክጥቀመሉ መሪጸ” ትብል።

ትምህርትን ጋዜጠኝነትን

ሳንቲም፡ ነዚ ኣብ ዙርያ ዓሌትን መንነትን ዝነበራ ርድኢት ካብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ ወጺኣ ናብ ጋዜጠኝነት ኣትያ።

ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝሰርሓትሎም እዋናት፡ እቲ ሞያ “ሓታቲት ንክኸውን ገይሩኒ’ዩ” ትብል።

ትምህርታ ምስ ወድአት ኣብ መፋርቕ 1990ታት ኣብ ካናዳ ማኑቨር ኣብ ዝሕተም “ኪኔሲስ” ዝተባህለ ጋዜጣ ጽሑፋት ትጽሕፍ ነይራ።

ኪኔስስ ናይ ቤት ትምህርቲ ጋዜጣ’ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ወርሓዊ ዝሕተም ጋዜጣ ‘ፌሚኒስታዊ’ ኢድ ይሓጽሮ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ወለንታውያን ዝምርኰስ’ዩ ነይሩ።

ሳንቲም ድማ፡ እቲ ጋዜጣ ንክሕተም ግዘን ጉልበትን ካብ መንጐ ዘወፈያ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ’ያ።

ኤዲተር እቲ ጋዜጣ ዝነበረት ፋጢማ ጃፈር፡ “ሳንቲም ኣብ ዕድሚኣ ዘይተለምደ ነገራት ንምፍላጥ ህንጡይነት ነይሩዋ” ትብል።

ኣብ መንጐ ክልቲአን ናይ ዓሰርተ ዓመታት ኣፈላላይ ኣሎ። እዚ ግን ክልቲአን ንከይመሓዘዋ ኣየዐንቀፈን።

ክልቲአን ንሚድያ ዝነበረን ድልየትን ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእትን ዓሌታውነትን ዝነበረን ኣተሓሳስባን ብዙሕ ቃላት ከይተለዋወጣ ክረዳድኣ ገይሩወን።

እቲ ጋዜጣ፡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያንን ካብ ካናዳ፡ ካሪቢያንን ኣመሪካን ዝመጽኡ ጸለምቲ ተመሃሮን ዝተኣኻኸብሉ እውን ነይሩ።

ኣብ ጋዜጣ ኪኔስስ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ክኣ፡ ጸጋማውያን ተሓለቕቲ ፌሚኒስታት ነይረን።

ከም ኦድሬ ሎርድ፣ ኣሳታ ሻኩር፣ ቶኒ ሞሪሰን፣ ፋጢማ ሜርኒሲ፣ ጁምፓ ላሂሪ፣ ሳንድራ ሲስኔሮስ፣ ቼሪ ሞራጋ ዝጽሓፍኦ ጽሑፋት ድማ የንብባ።

ዝበዝሕ ግዝአን ብሓባር ከሕልፍኦ እንከለዋ፡ ብዛዕባ ፖለቲካ የውግዓ፡ ይስሕቓ፡ ይዛነያ። እታ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ እትሕተም ጋዜጣ ድማ ጽብቕቲ ኰይና ክትሕተም ይገብራ።

ሳንቲም፡ ኣብ ቫንኩቨር ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ኣብ ዙርያ ጥበብ፡ ታሪኽ፡ ፖለቲካ፡ መንነትን ካልኦት ጕዳያትን ትዅረት ዝገበሩ ጽሑፋት ጽሒፋ።

ፋጢማ፡ “ኣብ መጀመርታ 20ታት እትርከብ ሳንቲም ከምዚ ዓይነት ግሩም ስራሕቲ ትሰርሕ’ያ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን” ትብል።

ካብዚኦም እቲ ሓደ፡ ቅድሚ 28 ዓመታት ብ1996 ዓ.ም [ኣ.ኤ]፡ ኣብ ካናዳ 50 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ “Women March against Poverty” ዝተሰምየ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ነይሩ። ሳንቲም ሓንቲ ካብአተን እያ።

ንሚዲያ፡ ፍልጠትን ፌሚኒዝምን ዝነበራ ፍቕሪ፡ ኣብዚ ምንቅስቓስ ሓደ ሓሳብ ሒዛ ክትሳተፍ ምልዕዓል ፈጢሩላ።

እዚ ድማ፡ መጽሓፍቲ ብናጻ ንደቂ ኣንስትዮ ምዕዳል ዝብል ነበረ።

“ካብ ከተማ ወጻእ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ መጽሓፍቲ ክረኽብኦ ዘይኽእል ብጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝተጽሓፉ መጽሓፍቲ ናይ ምንባብ ዕድል ክህልወን’ያ ትደሊ ነይራ” ትብል ፋጢማ።

እዚ ድልየታ ድማ፡ ኣብታ ብብዝሒ ጸዓዱ ዝነብሩላ ብሪቲሽ ኮሎምቢያን ካልኦት ከባቢታትን መጽሓፍቲ ብመኪና ብምዛር ጋህዲ ክኸውን ገይራ።

ንዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ቫንኩቨር ቭጋዜጠኝነት ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ከተማ ሞንትሪያል ከይዳ።

ኣብ ዩኒቨርቲ ኮንኮርዲያ ድማ፡ ‘communication studies’ ካልኣይ ዲግሪ ተማሂራ።

ኣብዚ፡ ኣብ ዙርያ ታሪኽን ፖለቲካን ኢትዮጵያ ዓᎁቕ ምርምርን መጽናዕትን ከተካይድ ጀሚራ።

“ቈልዓ 11 ዓመት ኰይነ፡ ታሪኽ ሃገረይ ይርድኣኒ ነይሩ። ምኽንያት እቲ ብ1960ታት ዝተኻየደ ሰውራ ዝዀኑ ገለ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸገማት’ውን ይርድኡኒ ነይሮም” ትብል።

ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት “Ethiopia in Theory: Knowledge Production and Social Change, 1964-2016” ዝብል መጽሓፍ ኣሐቲማ።

ኣብ እዋን ቁልዕነታ “ዘሕዝን” እትበሎ ሙዚቃታት “ትዝታ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ሙዚቃታት ምስማዕ ኣብ ልዕሊ ቁስሊ ጨው ምንስናስ ኰይኑ ስለ ዝስምዓ፡ ነዞም ሙዚቃታት ኣይትፈትዎምን።

በዚ ምኽንያት፡ ሰባት ሓቢሩዎም ዘሎ ዝኽሪ ክናፍቑ የብሎምን ትብል ነይራ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ግን፡ ሕሉፍ ምግዳፍ ሙሉእነት የብሉን ዝብል ዝኽሪ ሒዛ ኣብ መጽሓፋ መጒታ።

እዚ መጽሓፍ ክልተ ክፍሊ ኣለዎ።

እቲ ሓደ፡ ኣብ 1960ታት ኣብ መጽሄታት “ታገል”፣ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ልሳን ማሕበር ተመሃሮ ኢትዮጵያ ዝነበረ “ቻሌንጅ” ዝወጽኡ ዝነበሩ ጽሑፋት ይፍትሽ።

እቶም ንሰውራ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ተመሃሮ፡ ቁጠባን ፖለቲካን እታ ሃገር ብኸመይ ተረዲኦምዎ? ምስ ዓለምለኻዊ ክውንነት’ከ ብኸመይ ክዛዘመድ ገይሮም” ዝብል ይትንትን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነ መላእ ኣፍሪቃ ዘለው መጽናዕቲታት ማሕበራዊ ሳይንስ ክንደየናይ እሱራት ፖለቲካ ምዃኖም የርኢ።

ብዙሓት ሙሁራት ኢትዮጵያ ዝዘንግዑዎም ጕዳያት ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ እቲ መጽሓፍ ተብርህ።

መንሽሮን ኲናትን

ፕሮፌሰር ኢሌኒ ዘለቀ፡ ብሰንኪ ራብዓይ ደረጃ መንሽሮ ጡብ’ያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሞይታ።

ሳንቲም፡ እቲ ንዓመታት ምስ መንሽሮ ጡብ እትገብሮ ዝነበረት ቃልሲ ብማሕበራዊ ሚዲያኣ ከተካፍል ጸኒሓ እያ።

ኣብዞም ጽሑፋት፡ በቲ ሕማም ኣቢላ፡ ብዛዕባ ማዕነትን ተበጻሕነትን ሕክምናን እያ ትምጕት ነይራ።

ምስ መንሽሮ ምቅላስ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ፡ ብዛዕብኡ ዝተመሃረቶን ዝተገንዘበቶን ጽሒፋ።

ሳንቲም፡ ከምቲ ካልእ ሕሙም መንሽሮ ኣይነበረትን፤ እቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል “ንመንሽሮ ኢዳ ሂባ” [she lost her battle to cancer] ዝብል ኣበሃህላ ኣካል ጕዕዞኣ ክኸውን ኣየፍቀደትን።

ሰራዊት በቀለ፡ “[ሳንቲም] በዚ ኣበሃህላ ኣይትሰማማዕን። ንመንሽሮ እትርእየሉ መገዲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ’ዩ” ትብል።

ሳንቲም፡ ካብ ጽሑፋታ መንሽሮ ከም ሓደ ክፉእ፡ ግዳማዊ ሓይሊ ዘይኰነ ኣብ ጕዕዞ ምንባር ህይወት ናይ ምድላይ ጻዕሪ ገይራ ትርእዮ ምንባራ ምርዳእ ይክኣል።

እቲ ሕማም ተጠቒማ’ውን፡ ካብ ፍልስጤም ክሳብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለው ኲናታት ዘስዓቡዎ በሰላታት ትጽሕፍ ነይራ።

ሕማምን ኲናትን “ዘለና ዓቕሚ፡ ፍትሓውነትን ጽኑዕ ማእገርን ዘዳኽሙ’ዮም። ስለዚ ነዚኦም ብግጉይ ናይ ጅግንነት ታሪኻት ወይ ሽልማት/መቕጻዕቲ ክንቀብሮም ንፍትን” ትብል።

እቲ ፈውሲ ዘይብሉ ደረጃ ኣርባዕተ መንሽሮ ጡብ መበገሲ ገይራ፡ ብዛዕባ እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ሓድሕድ ሓያሎ ትንተናታት ጽሒፋ እያ። ድሒሩ’ውን ብዛዕባ ኲናት ቓዛ ትጽሕፍ ነይራ።

ሳንቲም፡ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝሞቱ ኣቡኣ ዶ/ር ዘለቀ ዝጽሓፉዎም ደብዳበታት ብመጽሓፍ መልክዕ ክሕተሙ ገይራ’ያ።

ምስ ኣቡኣ ዝነበራ ርክብ ኣዝዩ ዝተፈለየ ካብ ምዃኑ ብዝብገስ፡ “ብመስኰት ማዕድየ ክጥምት እንከለኹ፡ ሓደ ፈለግ ታሪኽ ኣቦይ’የ ዝርኦ” ኢላ ነይራ።

ሳንቲም፡ ካልእ ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መጽናዕትን ምርምርን ዝሓዘ መጽሓፍ ኣብ ምድላው’ያ ነይራ።

ሙሉእ ትሕቶ እቲ መጽሓፍ’ከወ እንተዘይረኸብና፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ ግን እቲ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ምሕሳብ እንታይ ማለት’ዩ? ንኣፍሪቃ እንርእየሉ መገዲ እንታይ ይመስል? ዝብሎ ሕቶታት ዘልዕል ምዃኑ ተዛሪባ ነይራ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ድማ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ሓያሎ ክትዓትን ርኢይቶታትን ትህብ ነይራ ነይራ።

እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ካልኦት 60 ኣፍሪቃውያን ሙሁራት ብምዃን ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ነቶም ተራጸምቲ ወገናት ንከሸማግሉ ጸዊዓ ነይራ።