ኣብ ጎረባብቲ ሰላም እናተባህለ ስለምንታይ ኣብ ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ዝቕጽል ዘሎ?

መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ፈደራል ብምድጋፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝተሳትፎ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምውድኡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ቀጻልን ጽዑቕን ግፋ ይካየድ ኣሎ።

ሰላም እናተባህለን እናተዘመረን ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ኤርትራ መንእሰያትን ሽማግለታትን ዝገፍፍን ዘዕጥቕን ዘሎ?

ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ቢቢሲ ትግርኛ ንዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፡ ንኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ኢሳይያስ ከም ተጋዳላይን መራሕ ሃገርን

ኢሳይያስ ከም ሓያሎ መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ህዝቡ ብዝፈጸሞ ደረት ዘይብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለዝኽሰስ፡ ካብ ህዝቢ ናዕቢ ንከይመጽኦ ስግኣት ከምዘለዎ ይግመት።

ስለዝኾነ፡ ዋላ እውን ሰላም ኮይኑ እንተተባህለ፡ እቲ ብኣስገዳድ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣትዩ ዝጸንሐ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዕቑር ሰራዊት ናብ ቤቱን ዋኒኑን ክምለስ ክሓትት ይኽእል እዩ።

ሰራዊቱ ሕቶ ከየልዕል ስለዝሰግአ ከኣ እዩ ሕጂ እውን ኣብ ፈቐዶ ገጠራትን ከተማታትን ንኣዴታትን መርዑን ደቅኽንን ሰብኡትክን ኣምጽኣ እናበለ ጽዑቕ ግፋ ብምክያድ ነቲ ዓቕሚ ኣብ መዓስከራት ዝሕዞ ዘሎ ይብል ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ሕጂ ኣብ ዩኒቨሪሲቲ የል ሌክቸረርን፡ ዶር ኣሰፋው ተኸስተ።

“ኢሳይያስ ሃገራዊ ትካላት ክህነጽ ስለዘይደሊ፡ ኤርትራ ምዱብ ዘበናዊ ሃገራዊ ሰራዊት ክትሃንጽ ኣየፍቀደን። ነቲ ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝኣተወ ምኩር ሰራዊት ብፍላይ ከኣ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ብፍልጠትን ክእለትን አዕጢቑ ቅርጡው ግን ከኣ ስልጡን ልዑላውነት ሃገር ዝከላኸል ብቕዋም ዝእዘዝ ሰራዊት ክሃንጽ ይኽእል ነይሩ።

“ከምኡ ስለዘይገበረ እቲ ንኣስታት ዕስራ ዓመት ኣብ ድፍዓት ዝጸንሐ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብስም ዕቑር ሰራዊት ዝኸተተ ሓይሊ እንተተጣይሱ እንታይ ሒዙ ክተርፍ እዩ? እዚ እውን ካልእ ስግኣት እዩ ንዕኡ” ይብል።

ኤርትራ ብኩናት ዝዓነወ ቁጠባኣ ንምህናጽ፡ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኡ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ናይ 18 ኣዋርሕ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ዘገድድ ኣዋጃ፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ ዓመታዊ ልዕሊ 10 ሽሕ ናይ መበል 11 ክፍሊ ትምህርቲ ዝወድኡ መንእሰያታ ናብ ታዕሊም ክውሕዙ ጸኒሖም ኣለው።

እቶም ንሽዱሽተ ወርሒ ተዓሊሞም ናይ ዓመት ኣገልግሎት ፈጺሞም ነናብ ዋኒኖም ክምለሱ ዝግበኦም ዝነበረ መንእሰያት ግን ብሰንኪ ኤርትራ ምስ ኩለን እተን ብመሬት ዝዳወብኣ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተወቶ ውግእ ብዙሓት ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ክጸንሑ ተገዲዶም እዮም።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣገልግሎት ዝነውሖምን ብምሕደራ እቲ ስርዓት ዝተማረሩን መንእሰያት ከኣ ንስደት ዊሒዞም።

ሻቕሎትን ስክፍታን መንግስቲ ኤርትራ

ሕጂ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር፡ ኣብ ስሳታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ዩኒቨርሲቲ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩዎ ዝተማህረ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር፡ ኢሳይያስ ማዕረ ማዕረ እቲ ጻዕሩን ተባላሓትነቱን “ተበኣስን ተቐያምን” ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ዕርቀ ሰላም እናተባህለ ገና ስግኣትና ኣይተቐንጠጠን እናበለ ህዝቢ እናበሳበሰ መንእሰያት ዝገፈሉ ዘሎ ምኽንያት መጻኢ ስለዘይብሉ እዩ” ይብል።

ካብ ነጻነት ኤርትራ (1991-2012) ኣብ ዝተፈላለየ ሚኒስትሪታት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ዝሰርሐ፡ ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ብወገኑ “እቲ ሓጺር መልሲ፡ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሰላም ክነብር ስለዘይክእል እዩ” ይብል። ምኽንያታቱ እንከረድእ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝበዀረ ከም ትግባረ ቅዋምን ምምስራት ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ምንጋስ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝኣመሰለ ዓበይቲ ነገራት ስለዘሎ፡ “ኢሳይያስን ጉጅልኡን” ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ስለዝፈጸሙ፡ ሰላምን ምርግጋእን እንተመጺኡ ክሕተቱ ስለዝኸእሉ ውሕስነት ኣይስመዖምን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዮም ነቲ ህዝቢ ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ከንብሩዎ ዝፍትኑ ይብል።

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፐሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ምስተፈረመ መንግስቲ ኤርትራ “ንሓድሽ ኣጀንዳ ኣመሪካ ንምምካት- ሕጂ’ውን ጽንዓት ብዝበረኸ ንቕሓት!” ብዝብል ኣርእስቲ መንግስቲ ኣመሪካ ንስርዓት ወያነ ንምድሓንን እቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ንኸይረክብ ትሰርሕ ከምዘላ ዝኸስስ ጽሑፍ ምዝርገሖም ከኣ ሓደ ኣብነት ምዃኑ ይዛረብ።

እቲ “ገና ጸላኢ ኣሎና” ዘስምዕ ጽሑፍ “ ማእከል ወኪል ስለያ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብዚ ዞባ እዚ ቅልውላው እናፈጠረ ሽግራት ከሳስን ከመሓድርን ጸኒሑ እዩ።” ከብል ይኸስስ።

ኣመሪካ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ድያ?

ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ፡ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ሕሉፍ ናይ ፎስተር ዳላስ ታሪኽ ሓምሳታት እናልዓለ “ ኣመሪካ ጸላኢትና እያ ዝብል ናይ መንግስቲ ኤርትራ ምስምስ ሕጂ ትርጉም ከምዘይብሉ፡ ኣመሪካ ኤርትራ ነጻነታ ንምርግጋጽ ህዝበ ውሳነ ከተካይድ እንከላ ካብተን ኣፍልጦን ፋይናሲያዊ ደገፍን ዝሃባ ሃገራት ምኻና ብምግላጽ፡ “ብዘበን ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ይነብር” ከምዝበሃል እዚ ኣመሪካ ጸላኢትና እያ ዝብል ዘረባ ብዙሕ ትርጉም ከምዘይብሉ ይገልጽ። ይኹን እምበር እቲ ዘረባ ምስተደጋገመ ዝኣምኖ ስለዘይሰኣን እቲ ስርዓት ብቐጻሊ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ይዛረብ።

እንተኾነ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣመሪካ እትመርሐን ሃገራት ምዕራብ ኤርትራዊ ዓቕሚ ብምምጻይ ኮነ ብምስምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ንምስይጣን ብቐጻሊ ይሰርሓ ከምዘለዋ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ኣብ ጽባሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ “ንሓድሽ ኣጀንዳ ኣመሪካ ንምምካት- ሕጂ’ውን ጽንዓት ብዝበረኸ ንቕሓት!” ብዝብል ኣርእስቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተጻሕፈ ናይ ተቓውሞ ጽሑፍ እውን ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኮነ ወሃብ ቃል መንግስቲ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዘንጸባርቕ እዩ ይብል ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ።

እቲ ንስምምዕ ሰላም ብዝምልከት ዝቐረበ “ ኣብ መሬትን ብግብርን፡ ብኹልትናዊ ዓቕምን ቁመናን ንዝጠፍአ ህወሓት፡ ኣብ ወረቐትን ኣብ ዝኽርን’ውን ከይጠፍእ … ኣመሪካ ናይ ህይወት ኣድሕን ተራ ብምጽዋት ኣብ ኣፈታትሓ ናይቲ ግጭት ርኡይን ግሁድን ዕምጸጻ ተፈጺሙ” ክብል ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዕርቀ ሰላም ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዘይፍትሓዊ ተራ ከምዝፈጸመት ይኸስስ።

ነዚ ጽሑፍ እዚ ምርኩስ ብምግባር ከኣ ‘ኣመሪካ ገና ስለዘይደቀሰትልና ኤርትራ ኣብ ስግኣት እያ ዘላ’ ብዝብል ዘረባ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ኤርትራ ቀጻሊ ግፋን ሃድንን ይካየድ ኣሎ።

‘ኣሜሪካ ስለምንታይ እያ ንኤርትራ ትጸልኣን ንከይትምዕብል ትቐንኣላን?’ ዝብል ዘረባ ትርጉም ከምዘይብሉ ዝገልጽ ሰንጋል፡ እቲ ዛጊት ኤርትራ ኣለዋ ዝበሃል ከም ሃብቲ ዝቑጸር፡ እቲ ኣብ ሰፊሕ ዝገማግሙን ቀንዲ መስመር ንግዲ ዓለም ዝኾነ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ስለ እትርከብ እዩ።

ዋላ እውን ኤርትራ ኣብ እስትራቴጂካዊ ቦታ ትደኮን መንግስታ ንኣመሪካ ይኹን ንኻልእ ማንም ሃገር ንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት ከተካይደሉ ክኽልክል ሕጊ ከምዘየፍቅደላ ይገልጽ።

ኣብ ህዝቢ ዘጋጥም ዘሎ ግፍዕን ምክልባትን

ምንጭታት ቢቢሲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ወይ ሰብኡትክንን ደቅኽንን ኣምጽኣ እናተባህላ ወሊደን ዘመርዓዋ ኣዴታት ከይተረፈ፡ ኣብ ክንዲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ዘገልገሉ ሓዳር ተኺሎም ደቆምን ኣንስቶምን ክኣልዩን ክናብዩን ዘይከኣሉ ደቀን ከምዝተኣስራ ዝበጽሖ ጸብጻባት ይገልጽ።

ሓያሎ ብሰራዊት ትግራይ ዝተማረኹ፡ ዕድመ ዝደፍኡ ደቂ ስሳን ልዕሊኡን ኣባል ዕቑር ሰራዊት ኤርትራውያን ኣቦታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንደቆምን ስደራኦም ካብ ገዛ ኣውጺኦም ኣብ ግዳም ምስደርበዩዎም ንደቆም ከድሕኑ ክብሉ ከይፈተው ተገዲዶም ናብ ውግእ ከምዝኣተው ብማሕበራዊ ሚድያ ጸገሞም ክገልጹ ተራእዮም እዮም።

ሓደ ካብ ኤርትራ ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ንድሕነቱ ስሙ ዝተዓቀበ ሰብ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ዝቕጽል ዘሎ ግፋን ሃድንን፡ ኣብቲ ህዝቢ ደቂ መን ተገፊፎም ናብ ውግእ ክኣትው ደቂ መን’ከ ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ወይ ሃዲሞም ክነብሩ ካብ ዝብል ስምዒት፡ እቲ ህዝቢ ኣንጻር ሓድሕዱ ስለዝቐንዐ “ኤርትራ ንኹላትና ሓደ እያ ትብጽሓና ብማዕረ ከኣ ከነገልግላ ኣሎና” ብዝብል ስምዒት እቲ ግፋ ይካየድ ከምዘሎን ንመጻኢ እውን ከምዘይተርፍን ሓቢሩ።

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ንሓድሕዱ ካብ ምጥምማት ወጺኡ፡ እዚ ሕጂ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ነጻነት ዘምጸአ ስርዓት፡ ሕድርን መብጽዓን ናይቶም ንዓወት ዘብቅዑዎ ሰማእታቱ ከኽብር እንታይ ገይሩ? ሓድነትን ክብረትን ህዝቢ ክሕሉ እንታይ ገይሩ? ኣብ ናይ 30 ዓመት ስልጣኑ እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ብዓመጽ ዝገሃስ ዝነበረ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣኽቢሩዎ’ዶ? ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ብሰላም ክነብር፡ ወፊሩ ክኣቱ፡ ገይሹ ክምለስ፡ ሓረስታይ ክሓርስ፡ ነጋዳይ ክነግድ፡ ተማሃራይ ክመሃር ዕድላት ፈጢሩ’ዶ ዝብል ሕቶ ክምልስ ይግባእ ብምባል “ኢሳይያስን ስርዓቱን ኣብ ዕድመ ስልጣኖም ብዙሕ ስለዘበላሸው ብሕጂ ክቕይሩ ይኽእሉ እዮም” ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ይገልጽ።

ዶር ኣሰፋው ብወገኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ይትረፍ ንመንእሰያት ንዓበይቲ እውን ከይተረፈ ካብ ከተማታትን ዓድታትን እናገፈፈ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራትን እዝን ብምእታው ክቆጻጸሮም ስለዝደለየ ጥራሕ እዩ ብቐጻሊ ግፋ ነቲ ህዝቢ ሰላም ከሊኡዎ ዘሎ ይብል።

“ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ብዘይፍታዉ፡ ኢሳይያስ ብኣስገዳድ ደቁ ዘጥፍኣሉ ውግእ ሕጉስ ብዘይምዃኑ ኣብ ሰራዊት ኮነ ኣብ ህዝቢ ቁጠዐ ዝደፍኦ ምልዕዓል ከይፍጠር ሻቕሎት ኣለዎ” ይብል።

ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ፡ ክንዲ ዓበይቲ ከተማታት ጎረባብትና ካርቱም፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይሮቢ ዝብዝሒ ህዝባ ኤርትራ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ዝሓሊ ሓያል መራሒ እንተዝነብራ በቲ ዝርካቡ ንዋታውን ሰብኣውን ጸጋታታ ክሳብ ሎሚ ሓያል ቁጠባዊ ትሕተ ቕርጺ ክትፈጥር ከምእትኽእል ይሕብር።

መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ሳዕ ሓሲቡ ኣብ ክንዲ ጎንጽን ግርጭትን ውግእን ኵናትን፡ ምስ ጎረባብቱ ብፍቕርን ስኒትን ሰላምን ርግኣትን ክነብር እንተሓሲቡ መሪሕነቱ እንተተዓራርዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪሑ ዝናበር ጻዕራም ሰራሕተኛ ህዝቢ ስለዝኾነ ዝሓሸ ሰላማዊ ናብራ ከሕልፍን ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ግፋን ከልበትበትበትን ውግእን ወረ ውግእን ሞትን ስደትን ክድሕን ዓቢ ተስፋ ከምዘለዎ ይገልጽ።