እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በዲዶ ህበይ፡ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ሰባት ብሰንኪ በዲዶ ህበይ ሞይቶም
ብራዚልን ስጳኛን ንመጀመርታ ግዜ ብበዲዶ ህበይ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጸን።
ኣብ ብራዚል ዝነብር ወዲ 41 ዓመት ሰብኣይ ንፈለማ ግዜ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ኰይኑ። ስጳኛ ብወገና ነዊሕ ከይጸንሐት ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጣ። እዚ ኸኣ ኣብ ኣውሮጳ፡ በዚ ሕማም ዘጋጠመ ናይ መጀመርታ ሞት እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በዲዶ ህበይ 'ዓለማዊ ስግኣት' ምዃኑ ወድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝኣወጀ ይዝከር።
እንተዀነ ግን ረኽሲ በዲዶ ህበይ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎኡ ዝሕል ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ንህዝቢ ብሓፈሻ ዘስዕቦ ሓደጋ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ብዓርቢ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል፡ እቲ ግዳይ ሊምፎማ ዝበሃል መንሽሮ ስርዓተ ሊምፍ ዘስዓቦ ዝደኸመ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ከም ዝነበሮን "ኣብ ሓደ ግዜ ክልተ ዓይነት ሕማማት ነቲ ኵነታቱ ከምዘጋደዶን" ገሊጹ።
ብራዚል ክሳዕ ሕጂ ቫይረስ በዲዶ ህበይ ከም ዘለዎም ዝተረጋገጹ 1,066፡ ከምኡ'ውን ዘይተረጋገጹ 513 ሰባት ከምዘለዉ ኣፍሊጣ እያ። ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመለክቶ ካብቶም ዝተረገጋጹ ሕሙማት ልዕሊ 98 ሚእታዊት ሕደጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሰብኡት እዮም።
ድሕር'ዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሚኒስትሪ ጥዕና ስጳኛ፡ ኣብ ኣውሮጳ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ንፈለማ ግዜ ሰብ ከም ዝሞተ ኣረጋጊጹ። እቲ ሰብ ብሰንኪ ረኽሲ ወይ ቍጥዐ ኣካላት ዝመጽእ ሕማም ነድሪ ሓንጎል (encephalitis) ነይርዎ።
ትማሊ ቀዳም ድማ ምስ በዲዶ ህበይ ዝተተሓሓዘ ካልኣይ ሞት ከም ዘጋጠመ ሰበ ስልጣን ስጳኛ ኣረጋጊጾም።
ሚኒስትሪ ጥዕና ስጳኛ ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም 3,750 በደዶ ህበይ ዝሓመሙ ሰባት 120 ወይ 3.2% ተሓኪሞም ሓውዮም እዮም።
ብመሰረት ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ ኣብ መላእ ዓለም 21,148 በዲዶ ህበይ ዝሓመሙ ሰባት ኣለዉ።
እቲ ሕማም መብዛሕትኡ ቀልጢፉ ዝሓዊ ኰይኑ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፈሉ ዕድል ትሑት እዩ። ይዅን እምበር ኣብ ህጻናት፡ ነፍሰ ጾር ኣደታትን ድዅም ዓቕሚ ምክልኻል ኣብ ዘለዎም ሰባት ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከላይን ምዕራባውን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘጋጥም ሕማም እዩ። ካብዘን ሃገራት ወጻኢ ምስ ጕዕዞ ብዝተሓሓዝ ምኽንያታት ክርአ ይኽእል።
ሰበ ስልጣን ጥዕና፡ ከም ሕደ ጾታውያን፤ ምስ ክልቲኡ ጾታ ርክብ ዝፍጽሙ ሰባትን ከምኡውን ከም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ዝኣመሰሉ ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ ሰባት ክኽተቡ ከም ዝግባእ ይላበዉ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ በዲዶ ህበይ 'ዓለማዊ ስግኣት' ተባሂሉ ምእዋጅ ምዕባለ ክታበትን ሰጕምቲታት ተግባራዊ ናይ ምግባርን መስርሕ ብምቅልጣፍ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ከም ዝሕግዝ ገሊጹ ነይሩ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ ስግኣት ሕማም በዲዶ ኣብ መላእ ዓለም መጠኑ ዝሓለወ'ኳ እንተዀነ ኣብ ኣውሮጳ ግን ልዑል እዩ ኢሉ።
እንተዀነ "እዚ ጕጅለታት ቅኑዕ ስትራተጂ ተጠቒሞም ክዓግትዎ ዝኽእሉ ለበዳ እዩ" ይብል። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምቍጽጻርን ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ንምዕቋብን ኣድላዪ ስጕምትታት ንኽወስዳ ዘተባብዕ መስርሕ ሓሳብ ከቕርብ እዩ።