ገስጋስ ሩስያ ስለምንታይ ንነበርቲ ምብራቕ ዩክረይን 'ሕማም ርእሲ' ኰይኑዎም?

ስግኣት ዩክሬናውያን ይውስኽ ኣሎ

ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን፡ መልክዕ ናይዚ ኲናት ተቐይሩ ጥራይ ዘይኰነስ፤ ብቕልጡፍ ይግስግስ’ዩ ዘሎ።

ማርያ ኣብ ኮስትያንቲኒቭካ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኣ ኮይና ቲቪ እናዓሸገት "እንታይ ከም ዝመጽእ ንፈልጥ ኢና" ትብል። ምስ ወዳ ናብ ኪቭ ቅድሚ ምጉዓዛ ቴሌቭዥና ናብ ኪቭ ትልእኽ እያ ዘላ።

"ምሉእ መዓልቲ ስለዝደኸምና ኣእምሮና ብስንባደ ይሳቐ’ሎ። ብቐጻሊ ጭንቀት'ዩ፡ ንፈርሕ ድማ" ኢላ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ሩስያ ነታ ስትራተጂካዊት ከተማ ኣቭዲቭካ ሒዛታ። ካብ ሽዑ ጀሚሮም እቶም ወረርቲ ንምዕራብ ዝያዳ ገስጊሶም፣ ሓያሎ ዓድታት ድማ ሒዞም።

ዩክረይን ሓይልታታ “ዓሪዶም" ከምዘለዉ ገሊጻ። ሕጂ ግን ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ሓሙሽተ ከባቢታት ኣብቲ 1100 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ግንባር መስመር የጥቅዑ ኣለዉ።

ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶኔትስክ ድማ እዮም ሓይልታት ዩክረይን ዝያዳ ዝፍተኑ ዘለዉ።

ኣብ ከም በዓል ፖክሮቭስክ፡ ኮስትያንቲኒቭካን ክራማቶርስክን ዝኣመሰላ ከተማታት ዝርከቡ ሰባት ሕጂ ብቕልጡፍ ዝቐርብ ቅድመ ግንባር፡ ዋላ’ውን ጎበጣ የጋጥሞም ኣሎ።

ማርያን ኣዲኣ ተትያናን “ሩስያውያን እናቐረቡ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን ህይወት እናኸበደ ይኸይድ ኣሎ” ኢለን።

ማርያም ኣዲኣ ተትያና ከም እትጸንሕ ትገልጽ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ከም እትስዕባ ግን ዓርሰ-ተኣማንነት ኣለዋ።

"ክልተ ግዜ ተበጊሰ ኣለኹ፡ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ?" ትብል ሓንቲ ጎረቤት ተትያና። ንሳ ነቲ ኩነታት ክትገልጽ እንከላ "ኣብ ኩሉ ቦታ ዘፍርሕ'ዩ። ሃገር ብምልእታ ሓዊ ትነድድ ኣላ።"

መላእ ዩክረይን ዞባ ኲናት ክኸውን ከሎ፡ ዞባ ዶኔትስክ - ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ግዝኣታት ዓውደ ውግእ እዩ። ናብ ጽዑቕ ጫካን ሰፊሕን ጽንኩርን መሬትን ክትቀርብ ከለኻ፡ ኩሉ ግዜ ናብቲ ከሰል ገጽ ናይዚ ግጭት ትቐርብ ዘለኻ ኮይኑ ይስምዓካ።

ሽማግለታት ምስ ደቂ ደቆም ይስደዱ

40 ኪ.ሜ ርሒቕካ ከቢድ ተኹሲ ክትሰምዕ ስለ እትኽእል፡ እቲ ርሑቕ ድምጺ መዳፍዕ ቀዋሚ እዩ።

ሩስያ ልዕልና ኣየርን ዝዓሞቐ ዕቑር ተተኮስትን ክትደፍእ ትጥቀመሉ ኣላ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ምዕራባውያን ንዩክረይ ዝህብኦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ትሑት ኮይኑ ምናልባት ብውሽጣዊ ፖለቲካ ተታሒዙ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣብ ስግር ግንባር ብዩክረናውያን "ዝህዱን" ተባሂሎም ዝተሰየሙ ኣለዉ። ትርጉም እቲ ቃል "ኣገልገልቲ" ኮይኑ ንእቶም ውሑዳት ሰባት ዘናሹ ቃል እዩ። እቶም ሰባት ደገፍቲ ሩስያ ከምዝኾኑን ንጎበጣ ዝተዳለዉን ዝብል ትርጉም ድማ ዝሓዘ እዩ።

ቫለሪ ሓደ ካብኣቶም ኣይኮነን። ኣብ ቁሸት ቶሬትስክ ዝርከብ ገዝኡ ዳርጋ ክልተ ግዜ ብደብዳብ ድሕሪ ምውቃዑ፡ ንብረቱን ወዲ ወዱ ደኒስን ናብ ሓደ ቦታ ይወስዶ ኣሎ።

ሩስያውያን 5 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቖም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ጎረባብቶም ጽቡቕ ይምነዩሎም ግን ሕጂ ውን ምኻድ ኣብዮም። ብድሕሪኡ እዞም ጽምዲ ኣብ ሓንቲ ናይ ዕጡቓት መኪና ፖሊስ ተሰቒሎም።

እዚ ወዲ 67 ዓመት ሽማግለ “ዝበዝሕ ህይወተይ ኣሕሊፈዮ ኣለኹ" ይብለና። "ነቲ ንእሽቶ ወዲ ወደይ ግን ከድሕኖ ኣለኒ" ኢሉና።

"ኣብ ስራሕቲ ዕደና ን20 ዓመታት ስለዝሰርሓኹ ዝኾነ ነገር ኣይፈርሕን እየ፡ ግን ንዕኡ እየ ዝጭነቕ" ክብል ወሲኹ ይዛረብ።

ወዲ 14 ዓመት ደኒስ፡ ርእሱ እናነቕነቐ ንሓሳብ ኣቦሓጎኡ ይድግፍ። ንሱ ኣስዒቡ "ናይ መወዳእታ ዓርከይ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን እዩ ተበጊሱ" ይብል።

ብሚሳይላት ሩስያ ዝዓነዉ መደብራት ባቡር

ካብ ቅድመ ግንባር ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ምውጻእ ግዴታ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ 15 ቆልዑ ገና ኣብ ቶሬትስክ ተሪፎም ኣለዉ።

ካብ ናይ ቅድመ ግንባር ከተማታት ንሰባት ንምውጻእ ዝሕግዝ ኣንቶን ፕሮን፡ እቲ ኩነታት መዓልታዊ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ይነግረና።

"ቀጻሊ ደብዳባት መዳፍዕ ኣሎ" ይብል። "ኣቬሽን ጸላኢ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ኣሎ። ሩስያውያን ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ጥራይ ቦምባ የውድቑ” ኢሉ።

ኣብዚ ኣብ 2022 ብውሕዱ 61 ሰባት ብሓደ ተቐቲሎም።ሕጂ እውን ኣብቲ ጽርግያ ምልክት ሽራፕነል ተቓጺሉ ኣሎ።

ምስታ ናብ ኪቭ እትኸይድ ባቡር ክትጉዓዝ ኣብ ትጽቢት እንከላ ዝረኸብናያ ኣላ "ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ካብ ምዕራባውያን ሓገዝ ክንረክብ ኢና ኢልና፡ ጸረ መጥቃዕትና ክሰርሕ'ዩ ኢልና ሓሲብና ነይርና፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ኣይኮነን" ትብል።

"ሰባት ይኣምኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግን ኣይኮነን።"

ዩክረይን ምብራቓዊ ግዝኣታ ሓደ መዓልቲ ዳግማይ ክትነብረሉ እትኽእል ውሑስ ቦታ ክኸውን ተስፋ ኣለዋ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እዞም ዝመዛበሉ ዘለዉ ተጓዓዝቲ ናብ ምንታይ ከምዝምለሱ ንጹር ኣይኮነን።

ሩስያውያን ኣብ ዞባ ዶኔትስክ ዝያዳ ናህሪ እንተረኺቦም፡ ኣበይ ደው ክብሉ እዮም ዝብል ሕቶ ንምምላስ

ኣጸጋሚ እናኾነ ክኸይድ እዩ።