ትግራይ፡ ክልተ ሚልዮን ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዝርከቡ ምስልታት ሳተላይት ኣቃሊዖም

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ድርቂ፡ ምኽነት ዝራእቲን ድሕሪ’ቲ ደማዊ ኲናት ዝቐጸለ ዘይውሕስነትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣንጸላልዩ ኣሎ። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓልዐ ከኣ ሓለፍቲ ትካላት ረድኤት ይገልጹ።

እቲ ኵነታት ብፍላይ ኣብ ነፍሰጾራትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናትን ከቢድ ምዃኑ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ይሕብር።

ምጅማር ሓምለ ወሳኒ እዋን ስለዝዀነ ሓረስቶት ነቲ ሽዑ ዝሃርም ወቕታዊ ዝናብ ንምጥቃም ኣእካል ክዘርኡ ኣለዎም። ግን ከኣ ሓገዝ መግቢ ኣዝዩ ስለዘድልዮም ኣብ መዓስከራት ተመዛበልቲ ክጸንሑ ተገዲዶም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ናብቲ ናይ ሕርሻ መሬቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን።

ቢቢሲ ነቲ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምግምጋም ንገለ ካብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከባቢታት ብምብጻሕ ብሳተላይት ዝተሳእሉ ምስሊታት መዓስከራት ተፈናቐልትን ዝደረቝ ስርዓታት መስኖን እውን ተንቲኑ’ሎ።

ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ኣብ ሰነ 2024 ዝነበረ ተመሳሳሊ ከባቢ ጥርሑ ዝተረፈ መዕቆሪ ማይን ዝደረቐ ግራውትን የርኢ።

እኹል ዝናብ እንተዘይሃልዩ እቲ ስርዓት መስኖ ክሰርሕ ስለዘይክእል ሓረስቶት ኣብቲ ከባቢ ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም።

መግብን ውሕስነትን

ብዝሒ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸውዓተ ሚልዮን ከምዝዀነ ይግመት።

ኣብቲ ክልል ክሳብ መወዳእታ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይ ኣንጻር ፈደራል መንግስትን መሻርኽቱን መሪር ኲናት ከምዝተኻየደ ይዝከር።

ኣብቲ ግጭት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ወይ’ውን ብሰንኪ ጥምየትን ሕጽረት ኣገልግሎት ጥዕናን ከም ዝሞቱ’ዩ ዝግመት።

ዕቝባ ንምሃብ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብ ብዝብል ከኣ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ መዓስከራት ተመዛበልቲ ተመስሪቶም።

ኣብ መላእ ትግራይ ዝርከቡ መዓስከራት ነቶም ካብ ግጭት ሃዲሞም መግብን ማይን ዝደልዩ ዘዕቆቡ እዮም።

ሕጂ እቲ ኲናት ተወዲኡ፡ ውሑዳት ድማ ናብ ዓዶም ክምለሱ ወሲኖም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ግን ኣብተን መዓስከራት ብምትራፍ ናብኡ ኣብ ዝቐርብ ሓገዝ መግቢ ጽግዕተኛ ኰይኖም ኣለዉ።

ሓደ ካብቶም መዓስከራት ተፈናቐልቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ሽረ ካብ ግድብ ቆሪር ንኣንፈት ምብራቕ ኣስታት 300 ኪ.ሜ. ርሒቝ ዝርከብን ብትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተን ኰይኑ ንልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ኣጽሊሉ’ሎ።

ኣብዚ ምስሊ ሳተላይት ዝረኣዩ ሰማያዊ ቴንዳታት ብዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ከምኡ’ውን እቲ ጻዕዳ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝተዳለዉ እዮም።

ኣብዚ ኣብ ጥቓ ከተማ ሽረ ዝርከብ መዓስከር ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ይነብሩ።

በዓል ቤታ ኣብቲ ኲናት ዝተቐተላ ወይዘሮ ጽብቕተይ ተኽላይ ኣብቲ መዓስከር ንሓሙሽተ ደቃ ኣብ ምንባይ ትርከብ።

“ጥሪት እንስሳ ነይረናና። ኣብ እዋን ክረምቲ ዘራእቲ ንእክብ ነይርና” ክትብል ኣብ ግንቦት ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ።

ኣስዒባ፡ “ብሓጺሩ ዝሓሸ ናብራ ኢና ንነብር ነይርና። ሕጂ ግን ጥራይ ኢድና ተሪፍና ኣለና፡” ብምባል ዘላትሉ ኵነታት ኣረዲኣ።

ኣብቲ መዓስከር ገንዘብ ክትረክብ ብምሕሳብ ገለ መግቢ እናዳለወትን ስርሓት ኢደጥበብ እናሰርሐትን ትናበር። ገሊኦም ደቃ ግን ክልምኑ ተገዲዶም ኣለዉ።

“ብውሑዱ መሬተይ ክምለሰለይ ተስፋ እገብር። ኣብ መሬትና ዝበቍል መግቢ ካብ ናይ ሓገዝ መግቢ ይበልጽ” ትብል።

“ናብ ዓድና ክንምለስ እንተኽኢልና ደቅና ክሰርሑ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይኽእሉ፤ስለዚ ድሕሪ’ቲ ኣብዚ ዘለናዮ ሕሱም ህይወት፡ ንዓኣቶም ዝበለጸ መጻኢ ክኸውን ተስፋ እገብር” ትብል።

ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ህጻናት

ቢቢሲ፡ ካብ ሽረ ንኣንፈት ደቡብ ኣስታት 20 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ እንዳባጉና ኣብ ዘሎ ሆስፒታል ንሓካይም ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታቶም ኣዘራሪቡ።

“ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህጻናት ክንሕክም ጸኒሕና ኢና” ይብል መዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ገብረክርስቶስ ግደይ።

ኣበባ የሻለም ዝተበሃለት ጓል 20 ዓመት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ኣብ ዘይግዚኡ ከም ዝወለደት ይዛረብ።

ዶክተር ገብረክርስቶስ ከምዝበሎ ውላድ ኣበባ የሻለም ትሑት ክብደት ሒዙ እዩ ተወሊዱ።

ኣብቲ ሆስፒታል ዝረኸብናያ ኣበባ “ሰብኣየይ ንበይነይ ገዲፉኒ ክመሃር ከይዱ፣ ብገንዘብ ክሕግዘኒ ኣይከኣለን። ስለዚ ንባዕለይ ይዅን ነቲ ህጻን ዝኸውን እኹል መግቢ የብለይን” ኢላትና።

እቶም ዝሕከሙ ዘለዉ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ህጻናት ካብቶም ኣብቲ መዓስከራት ዝነብሩ ስድራቤታት ጥራይ ዘይኰኑስ ካብተን ኣብ ቀረባ ዝርከባ ከተማታት ዝመጽኡ’ውን እዮም።

ዶክተር ገብረክርስቶስ፡ “ንዅሎም ዝተጸገሙ ንምሕብሓብ ዘኽእለና ዓቕሚ የብልናን” ይብል።

ዓዶም ክምለሱ ዝህንጠዩ ሓረስቶት

“ዋላ’ኳ ዲጋና ማይ እንተዘይብሉ፡ መሬትና ናብ ዝዀነ ቦታ ኣይከይድን’ዩ” ይብል ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ኮሚደረ፣ ሽጕርትን መሸላን ዘፍሪ ዝነበረ ኣቶ ድምጹ ገብረመድህን።

“ስለዚ ተስፋ ኣይንቘርጽን ናብ ሕርሻና ክንምለስ ድማ ተስፋ ንገብር” ይብል።

ንሕጂ ግን ድምጹ ኣብ ዝኽእሎ ስራሕቲ ህንጸት (መንደቕ) ካብ ምውፋር ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ የብሉን።

ሓደ መዓልቲ ናብ ሕርሻኡ ክምለስ ተስፋ ኣለዎ።

ትጽቢት ዝናብ

ሓላፊ ኮሚሽን ምሕደራ ስግኣታት ሓደጋ ክልል ትግራይ ዶክተር ገብረሂወት ገብረእግዚኣብሄር ከምዝበሎ እቲ ክልል ኣብዚ ዓመት “ዝለዓለ ወቕቲ ጥምየት” ዝበሃል ኣዝዩ በዳሂ እዋን ኣጋጢምዎ’ሎ።

ብልሙድ እዚ እዋን ሰባት ዝነበሮም ዕቝር መግቢ እናወድኡ ዝመጽኡሉ እዋን ብምዃኑ ንቐውዒ ጥቅምቲ ዝበጽሑ ኣእካል ክዘርኡ ኣለዎም።

"2.1 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ይርከቡ" ክብል ንቢቢሲ ዝሓበረ ዶክተር ገብረሂወት "ካልኦት 2.4 ሚልዮን ድማ ኣብ ዘየተኣማምን ቀረብ ሓገዝ ዝተመርኮሱ እዮም" ኢሉ።

ካብ ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ መረዳእታ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዘነበ ድኹም ዝናብ ሳዕቤን ከም ዝነበሮ የመልክት።

ከም ውጽኢቱ ከኣ ዞባታት ትግራይን ጐረቤት ክልል ዓፋርን ብድርቂ ተሃስዮም።

ብሸነኽ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ዕልቕልቕ ከስዕብ ከሎ ኣብ ዘራእቲን ጥሪትን ጉድኣት ኣውሪዱ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ጥሪን ለካቲትን ዝዘነበ ዝናብ እውን ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ካብ ንቡር ንታሕቲ እዩ ነይሩ። ኣብ መጋቢት ግን ኣብ ገለ ከባቢታት ምምሕያሽ ኣርእዩ።

ፖለቲካዊ ወጥሪ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስ ፈጻሚ ዳይረክተር ናይቲ ፋውንዴሽን ሰላም ዓለም ብዝብል ዝፍለጥ ተጣባቒ ጕጅለ ዝዀነ ፕሮፌሰር ኣሌክስ ደ ዋል፡ ነቲ ቅልውላው ኣዝዩ ውሑድ ኣቓልቦ ይወሃቦ ከምዘሎ ይዛረብ።

"ጥሜት ሰብ ዝሰርሖ ስለዝዀነ እቶም ዝፈጠርዎ ሰባት ነቲ መርትዖ ከህድሙን ተራኦም ክሓብኡን እዮም ዝደልዩ" ይብል።

ኣብዚ እዋን ዘሎ ኵነታት ትግራይ ነቲ ኣብ 1984 [1977 ግ.] ክሳብ ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ብጥምየት ዝሞተሉ ቀታሊ ጥሜት ዘመሳስል ከምዘለዎ ይዛረብ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1984፡ ሰውራኡ ድሙቕ ሓድሽ ዘመን ብልጽግና ከም ዘበስር ዓለም ክትኣምን ይደሊ ነይሩ። ወጻእተኛታት ለገስቲ ድማ ኣብ ዜና ቢቢሲ ስእሊ ናይ ዝሞቱ ህጻናት ክሳብ ዝረኣዩሉ እዋን ንመጠንቀቕታ ጥምየት ምእማን ኣብዮም ነይሮም” ክብል እቲ ፕሮፌሰር የዘኻኽር።

ትካላት ረድኤት፡ እቲ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው ምስ ፍሹል ዝናብ፡ ስእነት ሰላምን ረድኤት ንምቕራብ ዘኽእል ውሑስ ኵነታት ዘይምህላውን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ከም ምኽንያት የቐምጡ።

መርበብ ስርዓታት ቅድመ መጠንቀቕታ ጥሜት (ፊውስ ነት) [The Famine Early Warning Systems Network (Fews Net)] ንጐረባብቲ ዓፋርን ኣምሓራን ሓዊሱ ገለ ክፋል ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ዝጠልብ ኵነታት ከምዘጋጠሞም የመልክት።

ኣብቲ ደረቕ መልክዓ ምድሪ ትግራይ ብህይወት ምጽናሕ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ።

እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንግስቲ ፈደራል ግን ነዚ መጠንቀቕታታት ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣይቅበሎን።

ሓላፊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምሕደራ ሓደጋታት ኢትዮጵያ ሽፈራው ተኽለማርያም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ወግዓዊ ገምጋማት መሰረት ብምግባር፡ “ኣብ ትግራይ...[ወይ] ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዝርአ ሓደጋ ጥሜትን ዓጸቦን የለን” ኢሉ።

ወሲኹ ድማ ሰበስልጣን እታ ሃገር ዘጋጥሞም ብድሆታት ንምፍታሕ "ዝከኣሎም ይገብሩ" ከምዘለዉን "ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ሰባት" ቀዳምነት ክወሃቦም ምዃኑን ገሊጹ።

ኣብቲ ኲናት ዝነበረሉ እዋን፡ ‘ናብ ትግራይ ሓገዝ መግቢ ከይበጽሕ ይዕገት ኣሎ’ ዝብል ክሲ ካብ ሕቡራት ሃገራት ይቐርብ ብምንባሩ፡ ዝምድና መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላት ረድኤትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝላሕልሐ ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ 2021 ከኣ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ጥሜት ከምዘጋጠመ ንዝቐረበ ጸብጻብ ብምንጻግ ንሸውዓተ ላዕለዎት ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገር ኢዶም ኣእትዮም” ብምባል ኣባሪሩዎም።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራትን ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካን ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ ኵሉ ሓገዝ መግቢ ደው ኣቢሎሞ። ሰበስልጣን መንግስትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይሰርቁ ከምዘለዉ ከኣ ብመርትዖ ኣቃሊዖም።

እቲ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሕዳር እዩ ተጀሚሩ።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እውን ጉዳይ ክብደት እቲ ኵነታት ኣካታዒ እዩ ነይሩ።

ኣብ ለካቲት፡ ንትግራይ ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ኣስታት 400 ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱ ትካል መሰላት እታ ሃገር ድሕሪ ምሕባሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ግን "ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጥምየት ዝሞቱ ሰባት የለዉን" ክብል’ዩ ተቓዊሙ።

ብሰንኪ እዚ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ "ብገደብ ጥረ ገንዘብ ዝተቐየዱን ክትዕ ዝጸልኡን" ትካላት ረድኤት ነቲ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ከምዝደንጐዩ ኣሌክስ ደ ዋል ይዛረብ።

ወሃቢ ቃል ‘ዩኤስኤኣይዲ’ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ለገስቲን ንጠለባት ሰብኣዊ ሓገዝ ናይቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት ዝውዕል ምወላ ክውስኹ ጻውዒት ምቕራቦም ይቕጽሉሉ ኣለው” ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ገንዘባዊ ቀረብ “ነቲ ሰፊሕ ሰብኣዊ ጠለባት ንምምላእ እኹል ኣይኰነን” ብምባል እቲ ዘሎ ጸጋታት ግን “ናብቲ ኣዝዩ ህጹጽ፣ ህይወት ዘድሕን ምላሽ” ይበጽሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።