እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ካብ ገዛይ ንምውጻእ ሓቦ ስኢነ'
ብመሰረት ቢቢሲ ዓረብኛ ዝመዎሎ መጽናዕቲ፡ 80 ሚእታዊ ቱኒዝያውያን ኣብ ሃገሮም ዓሌታዊ ኣድልዎ ጸገም ምዃኑ ይኣምኑ።
እዚ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ እዩ። ጸለምቲ ካብ 10-15 ሚእታዊ ህዝቢ ቱኒዝያ ኣብ ዝኾኑሉ፡ ድሕሪ ምእጋድ ባይቶ ሕጂ ቃልሲ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ ደው ከይብል ስግኣት ከምዘሎ ፈላሚት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ንቢቢሲ ገሊጻላ።
ላሳድ ካሪም ኣብ ሓደ ኩባንያ ን12 ዓመታት ዝሰርሐን ስርሑ ዝፈቱን ሰብ እዩ። ደሓር ግን ብሓድሽ ኣካያዲት ስራሕ ዓሌትነት ኣጋጢሙኒ ይብል።
"እናተዛትና ከለና ሃንደበት ጸሪፋትኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እታ ኣካያዲት ስራሕ፡ ንጸለምቲ ሰባት ከም ኣገልገልቲ ዘናሽው ልሙድ ዝኾነ ቃል ተጠቒማ ኢሉ ዝኸስስ ካሪም፡ "እዚ ቅቡል ቃል ኣይኮነን፡ ዝጎድእ'ዩ" ይብል።
"ኣነ ሰንቢደ። ስለምንታይ? እንታይ ገበን ፈጺመ? እንታይ ገይረ? ሓዚነ" ዝብል ካሪም ክሳብ ሎሚ እውን ከይተረፈ ንርእሱ ዝነበሮ ክብሪ ተናዊጹ ምፅንሑ ይገልፅ።
"ኣብ ደገ ምውጻእን ምዝዋርን ኣዝየ እየ ዝፈቱ። ሕጂ ግን ካብ ማዕጾይ ሓሊፈ ክወጽእ ሓቦ ስኢነ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቱኒዝያ፡ ሕጊ 50 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓድሽ ሕጊ ኣብ 2018 ክተተኣታቱ ከላ፡ ኣብ ዞባ ዓረብ ብፍሉይ ብዓሌታዊ ምኽንያት ዝግበር ኣድልዎ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝገበረት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና እያ።
ብመሰረት ሕጊ 50፡ ብዓሌታዊ ቋንቋ ወይ ተግባራት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ወይ ዝለዓለ መቕጻዕቲ $950 ዶላር ክቕጽዑ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።
ክሳብ ሕጂ ንገለ ገበነኛታት ኣብ ክሲ ምቕራብ ተዓዊቱ ኣሎ። ካብዚኦም ሓደ ኣብ ከተማ ስፋክስ ሓንቲ ሰበይቲ ኣፍሮ-ዓረብ ንዝኾነ መምህር ጓላ ዓሌታዊ ጸርፊ ብምጽራፋ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ እያ።
ካሪም ግን ከምዚ ኣይገጠሞን። ኣስራሒኡ ነቲ ዓሌትነት ወይ ካብ ስራሕ ከም ዝሰጎጎ ብምኽሓዱ እቲ ጉዳዩ ብሰንኪ ሕጽረት መርትዖ ተዓጽዩ።
ከምታ ቀዳማይቲ ጸላም ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ዝገለጸቶ፡ ካሪም ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ግዳያት ዓሌትነት ኢና ዝብሉ ብዙሓት ጸለምቲ ሰባት እዩ።
"ዳርጋ መዓልታዊ፡ ካብ ዜጋታት ብፍላይ ድማ ካብ ጸለምቲ ሰባት ደብዳበ ይመጸኒ'ዩ። መልእኽቶም ይበፅሐኒ። ጥርዓኖም ይመጸኒ" ትብል ጃሚላ ክሲክሲ።
እቲ ባይቶ ድሕሪ ምእጋዱ፡ ኣባላት ባይቶ ድሕሪ ደጊም ነቲ ዓሌትነት ከልዕሉ ወይ መንግስቲ ንዕኡ ንምምካት ዝገብሮ ጻዕሪ እውን ክምርምሩ ከምዘይክእሉ ትገልጽ።
ኣስዒባ ድማ "ህዝቢ ቱኒዝያ ብዘይ ባይቶ ድምጺ የብሉን" ትብል።
ፕረዚደንት ካይስ ሳይድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ነቲ ባይቶ ኣባሪሩ ነቲ መንግስቲ ምስ በተነ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ቱኒዝያ ተጋዲዱ እዩ።
ፕረዚደንት ስዒድ ውሳኔኡ እታ ሃገር ንምጽጋንን ፖለቲካዊ መልመስቲ ቱኒዝያ ንምጽጋንን እንኮ መገዲ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ወዲ 64 ዓመት ፕረዚደንት ዝሓለፈ ወርሒ ስፍሕ ዝበለ ሓድሽ ስልጣንን ሓድሽ ቅዋምን ብዝምልከት መረጻ ባይቶ ንክኻየድ ትእዛዝ ሂቡ እዩ።
ብመሰረት ሚስ ክሲክሲ፡ ባይቶ ቱኒዝያ፡ ኣተገባብራ ናይቲ ፍሉይ ዝኾነ ጸረ-ዓሌትነት ሕጊ ኣብ ምጽራይ ማእከላይ ተራ ነይርዎ፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ከምኡ ኣይከኣልን እዩ።
ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝጥምቱ ጉዳያት ቤት ፍርዲ ሕጂ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዕግርግር ብቤት ፍርዲ ንኽስርሑ ዝያዳ ግዜ ከም ዝወስድ ስግኣት ኣለዋ።
"ነዚ ዝሕግዝ፡ ወይ ድሕሪ እቲ ምድንጓያት ዘሎ ምኽንያት ዝሓትት ኣካል የለን። ምፍራስ ባይቶ ሰባት መሰሎም ንኸይረኽቡ ዓቢ ዕንቅፋት'ዩ" ትብል።
እታ ኣባል ባይቶ፡ እቲ ሓድሽ ቅዋም ንሕግታት ሲቪላዊ መሰላት ብፍላይ ድማ ንሕጊ 50 ዝሕሉ ይኹን ኣይኹን ዝብል ንጹርነት ከምዘይብሉ ስክፍታ ኣለዋ።
ቢቢሲ ዓረብኛ ናብቲ ብፕረዚደንት ካይስ ዝተመዘዘ ኣፈኛ ሓዱሽ መንግስቲ ዘቕረቦ ሕቶ ዛጊት ዝኾነ መልሲ ኣይረኸበን።
ይኹን እምበር፡ ሓንቲ ፍልጥቲ ፖለቲከኛ ቱኒዝያን ደጋፊት ናይቲ ፕረዚደንትን፡ እቲ ኣንጻር ዓሌትነት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ዝሒሉ እዩ ዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ’ላ።
ኣማል ሃምሩኒ ካብ ሰልፊ ኤል-ጣያር ኤል-ጨዓቢ፡ "ስራሕቲ ፍርዳዊ ኣካል ደው ኢሉ ኣይፈልጥን። ሕዚ'ውን ሕጊ 50 ኣብ ግብሪ የውዕሉ ኣለዉ" ኢላ።
ብዛዕባ ስራሕቲ መንግስቲ ምጽራይ እንተኾይኑ፡ ፕረዚደንት ካይስ ባይቶ ካብ ምእጋድ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ወሲኻ ትገልጽ።
"ባይቶ ሓጋጊ ኣካል ስርሑ ኣይሰርሕን ነይሩ። ኣብ ውሽጣዊ ቃልስታት ተሸሚሙ ነይሩ። ካብ ስራሕ ምእጋዱ መሰል እቲ ፕረዚደንት እዩ ነይሩ" ትብል።
እቲ ሕጊ 50 ብዛዕባ ንዝተነጸሉ ፍጻመታት ዓሌትነት ምምካት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ኣብ ቱኒዝያ ንዝተፈጥረ ውርሻ ኣድልዎ ምፍታሕ’ውን ዝምልከት እዩ።
ዘዋሪ ታክሲ ዝኾነ ከማል ኣቲግ ዘይሪ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ዓሌትነት ከም ዘጋጠሞን፡ እቲ "ብ... ሓራ ዝወጸ" ዝብል ትርጉም ዘለዎ "ኣቲግ" ዝብል ስሙ ክሓድጎ ከምዝደሊን ብምግላጽ፡ "ዘሕፍር" ክብል ይዛረብ።
ኣቦታቱ ካብቶም ንዘመናት ኣብ መላእ ዓረብ ዓለም ከም ባሮት ዝተሸጡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን እዮም። ቱኒዝያ ብ1846 ነዚ ንግዲ ዝሰረዘት ናይ መጀመርታ ዓረባዊት ሃገር እያ።
ኣቲግ ዘይሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብዙሕ የጨንቐኒ'ዩ፡ ካብ ስመይ ክሳብ ዝድምስሶ'ውን ኣይዓርፍን'የ" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "እዚ ቃል ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ፈጢሩለይ'ዩ" ይብል።
ብሓሳብ ደረጃ ሕጊ 50 ንሚስተር ኣቲግ ዘይይሪ ስሙ ናይ ምቕያር ናጽነት ክህቦ ይግባእ፣ ይኹን እምበር ገና ኣብያተ ፍርዲ ንሕቶኡ ከጽድቕዎ ይጽበ ኣሎ። ሌና ዝተባህለት ጓሉ ግን ስማ ክትቅይርክኢላ ኣላ።