ብሰንኪ ዓሌታዊ ግጭት ብዘይሰብ ዝተረፈት ቁሸት

ካብ ርሑቕ ክትረአ እንከላ፡ ንናብራ እትምቹእ ጽብቕቲ ቝሸት እያ ትመስል። ኣብ ሓደ ከባቢ እክብ ኢሎም ዝተሃንጹ ገዛውቲ ይረኣዩላ።

ቅርብ ኢልካ ክትሪኣ ከለኻ ግን እታ ቝሸት ዝተሸጐሩ ኣፍደገታት፡ ዘይተሓርሱ ግራውቲ፡ ዘይተዓጸደ ተኽሊ ጫትን ንሓጹር ዝተተኽሉ ኣግራብን መሊኣ ኣላ።

ዝዀነ ድምጺ ሰብ ዘይስምዓላ፣ ከብቲ'ውን ዘይብላ እያ። እታ ቝሸት ካብ ርሑቕ እንክትርአ፡ ሰባት መዓልታዊ ህይወቶም ዝመርሑላ ዓዲ እያ ትመስል፤ ጽግዕ ኢሉ ንዝርእያ ግን ዑና እያ። ምኽንያቱ ነበርታ ንነብሶም ካብ ግጭት ከድሕኑ ሃዲሞም’ዮም።

ኣብታ ቝሸት ‘እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?’ ክትፈልጥ እንተደሊኻ'ውን መሰኻኽር ዓይኒ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ።

እቲ ግጭት እናተጋደደ ምስ ከደ ነበርቲ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ'ውን ሃዲሞም’ዮም።

ሃሮቦታ እያ ትበሃል። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኬንያ ግዝኣት መርሳቤት ካብ ከተማ መርሳቤት ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ትርከብ።

እታ ቝሸት ንኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብን ናብ ሞያሌ ዝወስድን መገዲ ናብ ከተማ መርሳቤት ኣስታት ክልተ ኪሎሜትር ጥራይ ኣብ ዝተርፎ ርሕቐት ትርከብ።

ኣብታ ቝሸት ዝፈሰሰ ደም ኣይነበረን። ንብረት ግን ዓንዩ’ሎ። ኣብቲ ግጭት ዝተቐትለ ሰብ’ኳ እንተዘይሃለወ ንብዓት ኣደታት ግን ፈሲሱ’ዩ።

ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቦረናን ገብራን ንዝተፈጠረ ጎንጺ ስዒቡ እቶም ደቂ ዓዲ ምሉእ ብሙሉእ ቁሸቶም ገዲፎም ሃዲሞም።

ንኣዋርሕ ንቝሸቶም ገዲፎም ካብ ዝሃደሙ ነበርቲ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ጥራይ እዮም ተመሊሶም።

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቁሸቶም ካብ ዝተመልሱ ሒደት ነበርቲ ሓንቲ ዝዀና ወይዘሮ ናዎ ኢሳቆ "ኣብዚ ከባቢ እየ ዝነብር ነይረ። እቲ ዝተፈጠረ ግጭት እዩ ካብ ዓደይ ክወጽእ ገይሩኒ” ይብላ።

ኣደ 11 ቈልዑ ወይዘሮ ናዎ፡ ናብ ካልእ ዓዲ ከይደን’የን ኣዕቊበን ጸኒሐን።

ክራይ ገዛ ምስወሰኸን ናብራ ምስ ከበደንን ዋላ’ኳ ሓደጋ እቲ ግጭት ኣንጠጥዩ እንተሃለወ ብድፍረት ናብታ ቁሸተን ተመሊሰን ኣለዋ።

“ብሰላም ኣብ እንነብረሉ ዝነበርና እዋን፡ ግጭት ምስ ተፈጥረ ኢና ሃዲምና። ሃለኬ ዋቆ ኣብ እትበሃል ዓዲ ገዛውቲ ከቃጽሉ ከለዉ፤ ኣብ ቁሸት ዳባ እውን ንብረት ገዛውትን ንብረትን ከቃፅሉ ምስረኣና ህይወትና ክነድሕን ሃዲምና" ይብላ እተን ኣደ።

ሎሚ ድሕሪ ምምላሰን እውን እንተዀነ ስግኣት ኣብ ውሽጠን ኣሎ።

“ካብ መሬትና ክንወጽእ ኣይንደልን፤ እቲ ስግኣት ግን ኣይገደፈናን። ጐረባብትና ኵሎም ስለዘይተመልሱ ንፈርሕ ኣለና። ኣብዛ ህሞት እዚኣ ኣብ ስግኣት እየ ዘለኹ” ክብላ ይዛረባ።

ምርጫ ኬንያ ተስፋ ጥራይ ዘይኮነስ ህውከት ሒዙ ከይመጽእ እውን ተሰጊኡ’ሎ።

እታ መዓልቲ ግጭት. . .

ኣይተ ሄኖክ ከሎ ኣመሓዳሪ ጂሪሚ ዝበሃል ከባቢ እዩ። ቁሸት ሃሮቦታ’ውን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ትርከብ።

ኣብ ሓምለ 2021 ኣብቲ ከባቢ ግጭት ከም ዝተወልዐ ይዝክር። ብቐረባ ኣብ ዘላ ሓንቲ ዓዲ፡ ብሰንኪ'ቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ኵነታት ተመሃሮ ከምዝተቐትሉ ወሲኹ ይዛረብ።

“ክልተ መንእሰያትን ሓንቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ትኸይድ ዝነበረት ጓልን ተቐቲሎም። ብድሕሪኡ እቲ ግጥት ተላዒሉ። ኣብ ቁሸት ሁላዳባ ገዛውቲ ምስ ተቓጸሉ፡ ኣብ ግራውቲ፡ መንበሪ ኣባይትን ጐደናታትን’ውን ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ጎንፂ እናሰፍሐ ምስከደ ድማ ኣነ’ውን ሃዲመ ናብ ከተማ ኣትየ” ክብል እቲ ኣመሓዳሪ ነቲ ዝነበረ ኵነታት የዘንቱ።

ነበርቲ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ንብረት እንተዓነወ’ውን፡ ህይወት ሰባት ብዘይምጥፍኡ ግን ሕጕሳት እዮም።

እቶም ደቂ ዓዲ ካብ ሞት ተሪፎም፤ ግን ድማ ንብረቶም ብዕጡቓት ተዘሚቱ።

ወይዘሮ ናዎ "ካልእ እዋን ተመሊሶም ብምምጻእ 21 ኣጣል ወሲዶምለይ" ይብላ።

ንሰን ናብ ቁሸተን ክምለሳ'ኳ እንተወሰና ዓሰርተ ሓደ ደቀን ግን ከምዘይተመለሱ ንቢቢሲ ተዛሪበን።

ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ሄኖክ ከሎ፡ "ኣብ ከባቢ ሃሮቦታ ካብ 60 ክሳብ 70 ስድራቤታት ይነብሩ ነይሮም። ዝተመለሱ ግን ሽዱሽተ ጥራይ እዮም" ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ምውፋር ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ

መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣብ መርሳቤት ዝተወለዐ ግጭትን ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ንምቍጽጻር ኣብ ወርሒ ግንቦት ሰዓት እቶ እቶ ከምዝኣወጀ ይዝከር።

ብምኽንያት እቲ ኣዋጅ ድማ ነበርቲ ድሕሪ ሰዓት 12፡00 ኣጋምሸት [06፡00] ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ነቲ ሰዓት እቶ እቶ ስዒቡ ዋላ'ኳ ሰላም ናብቲ ከባቢ ይምለስ እንተሃለወ፡ ንንግዳዊ ንጥፈታቶም ግን ከምዝጸለዎ ይገልጹ።

ወይዘሮ ናዎ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተኣወጀ ሰዓት እቶ እቶ ኣብ ዝሃባኦ ርእይቶ “ጽቡቕ እዩ፤ ዓቢይ ለውጢ’ውን ኣሎ። ካልእ እዋን’ኮ ሰባት ኣብ መንገዲ ብናጽነት ኣይንቀሳቐሱን ነይሮም። ሎሚ ግን ከም ድላዮም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ” ኢለን።

ወይዘሮ ኣወሊዎ ብወገና "እቲ ኣዋጅ ዓቢ ለውጢ ኣምጺኡ’ሎ። ሰዓት እቶ እቶ እንተዘይህሉ ነይሩ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ክንነብር ኣይምኸኣልናን። ቅድሚ ሎሚ ኣብቲ እምባ [ግጭት ምስ ተወልዐ ሃዲሞም ዘዕቈቡሉ ቦታ] ደው ኢልና ኢና ንኵነታት ዓድና ንርኢ ዝነበርና” ትብል ነቲ ኵነታት ብምንጽጻር።

ይዅን እምበር ክልቲአን ኣደታት ኣብ ከባቢአን ዘሎ ፖሊስ ይዅን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታ ቅልቅል ኢሎም ንዅነታት እቲ ከባቢ ክከታተሉ እንተዘይርእየን ናብ ከቢድ ስግኣት እየን ዝኣትዋ።

ናብታ ቁሸት ካብ ዝተመልሱ ሽዱሽተ ስድራቤታት እቶም ሰለስተ ካብ ዓሌት ቦረና ክዀኑ እኝከለው፡ እቶም ሰለስተ ድማ ካብ ገብራ እዮም።

ኣብ መርሳቤት ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብቐዋምነት ምስተዋፈሩ፡ ኣብ ኢድ ነበርቲ ዝነበረ ኣጽዋር ኣኪቦምዎ’ዮም።

ኣቶ ሄኖክ ከሎ፡ ካብ ከባቢኦም ጥራሕ 15 ኣጽዋር ተኣኪቡ ኣታዊ ከምዝተገበረ ይዛረብ።

ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ዓሌታት፡ እቶም ቦረናን ገርባን ዝበሃሉ ቀቢላታት ብተደጋጋሚ ናብ ግጭት ዝኣትዉሉ ምኽንያት፡ መጋሃጫን መሬትን ከምዝዀነ የረድእ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ግን ንመበገሲ ናይቲ ግጭት ንፖለቲከኛታት እቲ ከባቢ ተሓተትቲ ይገብሩ።

እቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ኬንያ ዝካየድ ምርጫ’ውን ኣብ መንጐ እቶም ቀቢላታት ካልእ ጎንጺ ንኽለዓል ምኽንያት ከይከውን ንነበርቲ ስግኣት ኣሕዲርሎም ኣሎ።