ጀነራል ፋጡማ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ኣዛዚት ሓይሊ ኣየር ኬንያ ኰይና

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ኣዛዚት ሓይሊ ኣየር መዚዙ።

ሜጀር ጀነራል ፋጡማ ጋይቲ ኣሕመድ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ንሓደ ካብ ክንፍታት ሰራዊት እታ ሃገር ክትመርሕ ዝተመዘዘት ጓል ኣንስተይቲ ኰይና'ላ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ዝሞተ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ዝትክእ መኮንን ከምዝተሸመ'ውን ተፈሊጡ። እቲ ጀነራል ፍራንሲስ ኦጎላ ዝርከቦም 10 ሰባት ዝሞትሉ ሓደጋ ኣብ ዞባ ሪፍት ቫሊ'ዩ ኣጋጢሙ።

ንዕኡ ብምትካእ ናይ ምሉእ መዓርግ ጀነራል ዝተዋህቦ ቻርለስ ካሃሪሪ ሓድሽ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ኰይኑ ተመዚዙ'ሎ።

እታ ታሪኽ ሰሪሓ ዘላ ጀነራል ፋጡማ፡ ኣቐዲማ'ውን ንፈለማ እዋን ከም ጓል ኣንስተይቲ ዝሓዘቶም ጽፍሕታት ሓላፍነት ተዋሂባ ዝነበረት'ያ።

ንፈለማ እዋን ናይ ብርጋዴር ጀነራል መዓርግ ዝረኸበት ኬንያዊት ጓል ኣንስተይቲ ምንባራ ድሕረ-ባይታኣ የመልክት።

ኣብ 1983 ናብ ውትህድርና ዝተጸንበረት ጀነራል ፋጡማ ኣሕመድ፡ ኣባል ናይቲ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝሓቖፈ ኮር ዝነበረት'ያ።

ኣባላት ናይቲ ብኮር ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ዝፍለጥ ተደራቢ ኣሃዱ፡ ኣብ ምዱብ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ምምሕዳር፡ ሎጀስቲክስ፡ ሕክምናን መራኸቢታትን ተዋፊረን ይሰርሓ ነይረን።

ኣብ 1999 ድሕሪ ምፍራሱ ጥራይ'የን ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ናይቶም ዝተረፉ ክንፍታት ሰራዊት (ሓይሊ ኣየር፡ ሓይሊ ባሕርን ኣጋርን) ክዀና ተፈቒዱለን።

እቲ ስጉምቲ ንከም ጀነራል ፋጡማ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ ዕድላት ሞያዊ ዕብየት ክረኽባ ኣፍደገ ኣርሕዩለን'ዩ።

እቲ ክትረኽቦ ዝጸንሐት መዝነታት ድማ ንማዕረነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰራዊት ኣብ ምርግጋጽ ከም ነጥበ-መቐይሮ'ዩ ዝርአ።

ኣብ 2018 ሜጀር ጀነራል ብምዃን ካልኣይ ኮኾብ ኣብ ሰቐለትሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ "ኣብዚ ሃገር ንደቂ ኣንስትዮ እወታዊ ኣርኣያ ክትከውን" ዘለዎ ተስፋ ገሊጹላ ነይሩ።

"ንደቂ ኣንስትዮ ደረት ከምዘይብለን ኣረጋግጽለን" ክብል ኣተባቢዑዋ።

እታ ኣዛዚት ሓይሊ ኣየር ኰይና ዘላ ጀነራል፡ ሓደ ናይ ቀረባ ቤተሰባ ናብ ሰራዊት ድሕሪ ምጽንባሩ ብዝነበሮ ስነ-ምግባርን ጻዕርን ተመሲጣ ብቑልዕነታ ናብ ውትህድርና ከምዝኣተወት'ያ ትዛረብ።

ገለ ካብ ኣዝማዳ "ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸውን ኣይኰንን" ብምባል ናብ ሰራዊት ከይትጽንበር ይምሕጸንዋ ምንባሮም ጀነራል ፋጡማ ትዝክር።

"ግና ኣብ ህይወተይ ለውጢ ንምምጻእ ቆሪጸ'የ ነይረ" ብምባል፡ ንዝነበራ ዕላማን ወነን ደው ከብልዎ ከምዘይክኣሉ ተረድእ።