ሰላም ዘርኣይ ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ላይቤርያ ኰይና

ኢንስትራክተር ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ዝዀነት ሰላም ዘርኣይ ዋና ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ላይበርያ ኰይና ከምዝፈረመት ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ።

ዋና ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ነበር ኢንስትራክተር ሰላም ንሰለስተ ዓመት ኣብ ላይበርያ ዘፅንሓ ውዕል’ያ ፈሪማ ዘላ።

ኣሰልጣኒት ሰላም ነዚ ዕድል ብኸመይ ከም ዝረኸበቶ ክትዛረብ ከላ ነታ ጋንታ ከተሰልጥን ድልየት እንተለዋ ዝሓትት መልእኽቲ ካብ ምክትል ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ላይበርያ ከም ዝበጽሓ ንቢቢሲ ሓቢራ።

“ኣብ መጀመርታ ኣይኣመንኩን ነይረ። ኣቓልቦ እውን ኣይሃብክዎን” ትብል መምህር ሰላም ዘርኣይ፡ ፀኒሓ ግን ድልየት ከምዘለዋ ምስገለጸት ድሕሪ ነዊሕ ቃለ መሕትት ተመሪጻ።

ንሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ላይበርያ ንምስልጣን ምስ ካልኦት ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ዝተመረጻ ኣሰልጠንቲ እያ ተወዳዲራ። በቲ ዝረኸበቶ ዕድል ድማ ክብ ዝበለ ሓጐስ ከምዝተሰምዓ ንቢቢሲ ገሊፃ።

ምስ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ላይበርያ ምዝርራብ ካብ እትጅምር ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከም ዝገበረት ዘዘኻኸረት ሰላም፡ እዚ ዕድል ምስተዋህባ እንታይ ከምዝስምዓ ምስ ተሓተተት ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ “ንሕልመይ ገደብ ገይረሉ ኣይፈልጥን። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ሕልመይ ዝቐርብ ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ናይ ብሓቂ ደስ ኢሉኒ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቲ ሓላፍነት ተሰሚዑኒ" ኢላ።

ወሲኻ፡ “... . .ከም ጓል ኣንስተይቲ ነዚ ዕድል ምርካብ ንባዕሉ ዓቢ ምልዕዓል ዝፈጥር እዩ ኢለ እሓስብ” ክትብል ተዛሪባ።

ኢንስትራክተር ሰላም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ላይበርያ ካብ እትፈራረም ሰለስተ ሰሙን ኣቝጺራ ኣላ። ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ድማ ስርሓ ክትጅምር ናብ ላይበርያ ክትኸይድ እያ።

ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮ ቅድሚ ሕጂ ንሃገራዊት ጋንታ ካልኦት ሃገራት ኣብ ምስልጣን ተመኵሮ ከም ዘለዎም ብምዝኽኻር፡ ብደቂ ኣንስትዮ ግን "ብኣጋጣሚ ኣነ ቀዳመይቲ ኰይነ ኣለኹ" ኢላ።

ንሳ ከምእትብሎ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ላይበርያ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝኾነ ውድድር ተሳትፎ ኣይነበራን።

ስለዚ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ተወዳዳሪት ዝዀነት ጋንታ ከተቕርብ ካብኣ ትጽቢት ከምዝግበር ትዛረብ።

ቢቢሲ ንኣሰልጣኒት ሰላም ብዛዕባ ዝኽፈላ መሃያ ሕቶ እንተቕረበላ’ኳ ንሳ ግን "ኣብቲ ውዕል ደሞዘይ ንከይገልጽ ዝጠልብ ዓንቀጽ ኣሎ" ብምባል ብሓፈሻ ግን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ክነፃፀር ከሎ “ጽቡቕን ንዕኣ ዝምጥን ምዃኑን” ሓቢራ።

ካብ ተጻዋቲት ክሳብ ኢንስትራክተርነት ካፍ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብልምዲ “24” ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ተወሊዳ ዝዓበየት ሰላም ዘርኣይ፡ ኩዕሶ እግሪ ምስ ደቂተብዕትዮ ብምጽዋት ከምዝጀመረት ትዛረብ።

ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታታት ከም ተጻዋቲት ዝተሰለፈት ኮይና ኣብ 2001 [ግእዝ] እያ ናይ ኣሰልጣንነት ልምምድ ብምውሳድ ኣሰልጣኒት ክትኸውን ዝበቐዐት።

ብዛዕባ ንመጀመርታ ግዜ ዘሰልጠነታ ጋንታ ብዝምልከት ንዘቕረብናላ ሕቶ ኣብ ዝሃበትና መልሲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጋንታ ከምዝነበረት ገሊጻ።

እዛ ‘ኤስ ዋይ ጂ’ (SWG) ትበሃል ዝነበረት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ላዕለዋይ ዲቪዝዮን ኣዲስ ኣበባ እትወዳደር ጋንታ እያ ነይራ።

ብድሕሪ እዚ ድማ ኣብ 2004 ኣብ ትሕቲ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣሰልጣኒት መንእሰያት ክትከውን ዕድል ረኺባ።

ትሕቲ 20 ዓመት ንዝዕድመኦም ተፃወትቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ክተሰልጥን ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ እታ ጋንታ ኣብ 2005 ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጋንታ ኣብ ዝመስረተትሉ እዋን ብቐጥታ ዋና ኣሰልጣኒት ኮይና ተመዚዛ።

“ኣብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ንዋና ጋንታን ሃገራዊት ጋንታን ብዙሓት መንእሰያት ክምረፁ ኣብቂዐ እየ” እትብል ሰላም ብድሕሪኡ ተሓጋጋዚት ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ምዃና ትዝክር።

ኣብ 2010 [ግእዝ] ንሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ብኣሰልጣንነት ድሕር ምስርሓ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዋና ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ክትኸውን መዚዝዋ።

ኢንስትራክተር ሰላም ኣብቲ እዋን ንዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ መሪሓ ብሓደሽቲ ተፃወትቲ ኣብ ዋንጫ ሴካፋ ተሳቲፋ እያ።

ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ድማ ንዩጋንዳ በጺሕካ ምምላስ ዝሰዓረት ኰይና ኣብ ቀፃሊ ግጥም ግን ብካሜሮን ምስተስዓረት ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ተፈላልያ።

ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ከተሰልጥን ምምራጻ ከም ዓብይ ዓወት ከምእትቘጽሮ ትዛረብ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ካፍ ኣብ ዝጥርነፍ ፓነል ደቂኣንስትዮ ኢንስትራክተራት ኣባል ምዃና ትገልፅ።

“ብሓፈሻ ህይወተይ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ብመንፅር ዕድመይ ክምዘን እንከሎ ቅልጡፍን ዕዉትን ኮይኑ ይስመዓኒ" ትብል።