እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ጾታዊ ዕግበታ ተቐቲሉ'፡ ግን ሃዲማ ዓለምለኻዊት ሞዴል ዝዀነት ሶማልያዊት ዘገርም ታሪኻ ትጸዊ
ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሃገራ ዝሃደመት ሶማልያዊት ሞዴልን ተሓላቒት መሰላትን ዋሪስ ዲሪ፡ ኣብ ለካቲት ምስ ቢቢሲ ሃርድቶክ ስቲቨን ሳኩር ቃለ መሕትት ገይራ ነይራ።
ዋሪስ ኣብ ቃለ መሕትታ፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሃገራ ኣብ ዝተመለሰትሉ እዋን “ናይ መጀመርታ ተልእኾይ” ምስ ኣደኣ ምዝርራብን ኣደኣ ዝፈጸመቶ ጌጋ ክትፈለጥን ምግባር ከም ዝነበረ ገሊጻ።
ኣብቲ እዋን “ንደቂ ሓወይ፡ ወይ ንዝዀነ ትፈልጥዮ ሰብ፡ ዋላ ጐረባብቲ” እንተዘይኣድሒና ንኣደኣ ከም ዘይትገድፋ ኣጠንቀቓታ።
ኣደኣ ብዘይምእማን “ኣይትገድፍንን?” ኢላ ሓቲታ።
ንሳ’ውን “እወ፡ ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ፖሊስ እየ ዝሰርሕ” ክትብል መሊሳ።
ንምዃኑ ኣደኣ እንታይ ጌጋ እያ ፈጺማ? ዋሪስ’ከ ስለምንታይ ክንድዚ ተገዲሳ?
‘ዕምበባ በረኻ’ መን እያ?
ዋሪስ ዲሪ፡ ኣብ 1965 ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ትዳበወሉ ዶብ ጋልካይዮ ዝበሃል ቦታ ካብ 12 ውሉዳት ዘለዉዋ ስድራቤት ሰበኽሳግም ተወሊዳ።
መብዛሕትኡ እዋን ንእስነታ ኣብ መጓሰ እያ ኣሕሊፋ። ኣብ ከባቢ 13 ዓመት ዕድመኣ ግን ካብ ገዛ ሃዲማ ጠፊኣ፤ ብበረኻ ኣቢላ ሞቓድሾ ካብኡ ድማ ለንደን በጺሓ።
ዋሪስ ዝዀነ ስሩዕ ትምህርቲ ስለዘይተመሃረት ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና እያ ስራሕ ጀሚራ።
ሞያኣ ግን ኣብ ክሽነ ኣይተደረተን፤ ሱፐርሞዴል፡ ደራሲትን ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ክትከውንን ዓለምለኸ ኣፍልጦ ክትረክብን ክኢላ እያ። ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ምዃን’ውን ከም ዝበጽሐት ይፍለጥ።
ንሳ ኣብ 1987 ‘ዘ ሊቪንግ ደይላይትስ’ ኣብ እትብል ፊልም ጀምስ ቦንድን ካልኦትን ተሳቲፋ እያ።
ቢቢሲ፡ ‘ኤ ኖማድ ኢን ኒውዮርክ’ ዘርእስታ ኣብ 1995 ኣብ ሞያኣ ዘተኮረት ሰነዳዊ ፊልም ኣዳልዩ እዩ። ኣብታ ኣብ 2009 ኣብ ዙርያ ህይወታ ዝተሰርሐት ፊልም፡ ኢትዮጵያዊት ሱፐርሞዴል ሊያ ከበደ ከም ዋሪስ ዲሪ ኰይና ከም ዝተዋስአት ይፍለጥ።
ዋሪስ 7 መጻሕፍቲ’ውን ጽሒፋ እያ - ካብዚአን እተን ክልተ ምስ ካልኦት ብሓባር ዝደረሰተን እየን።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ብስርሓን ብመጻሕፍታን ብዙሕ ዝና ዘለዎም ዓለምለኻዊ ክብሪታትን ሽልማታትን ዝረኸበት ዋዕሮ እያ። ገለ ካብዚኦም ኣብ 2004 ሽልማት ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፕረዚደንት ሕብረት ሶቭየት ነበር ሚካኤል ጐርባቾቭ፡ ኣብ 2007 ሸቫሊየር ደ ላ ሌጅዮን ዲ’ሆነር ካብ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ፡ ኣብ 2005 ሽልማት ጳጳስ ኦስካር ሮሜሮ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበለቶም ሽልማታት ይጥቀሱ።
ብተወሳኺ ኣብ 2008 ካብ ዩርያድ ፋውንዴሽን ወርቂ ሜዳልያ ማርቲን ቡበር ዝተሸለመት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ከም ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ብዘመዝገበቶም ዓወታት ኣብ 2010 ወርቂ መዳልያ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኢጣልያ ተሸሊማ’ያ።
ኣብ 2013 ሽልማት ጐስጓስ ጓልኣንስተይቲ ናይቲ ዓመት ኣብ ለንደን ተቐቢላ። ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዝገበረቶ ተወፋይነት፡ ኣብ 2019 ሽልማት ሰላም ሱናክ ተሸሊማ።
ዋሪስ እዚኦም ጥራይ ዘይኰኑስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሽልማታት’ውን ተዓዊታ እያ።
ቅድሚ እዚ ዅሉ ዓወታት ግን ዋሪስ ዲሪ ኣብ 1978 ገና ጓል 13 ዓመት ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ነዊሕን ብድዐ ዝመልኦን ጕዕዞ ስደት ክትሓልፍ ነይርዋ።
ብዛዕባ እዚ ጕዕዞኣን ኣብ ሶማልያ ዝነበራ ህይወትን ብዝምልከት ኣብ ሰነ 1999 ሪደር’ስ ዳይጀስት ኣዘንትያ ነይራ። ንሎሚ ገለ ካብዚ ዘደንጹ ዛንታኣ ክነካፍለኩም።
ጓል ኣንሰተይቲ ምዃን
“ስድራይ ኣብ ምድረበዳ ሶማልያ ዝነበሩ ጓሶት እዮም” ትብል ዋሪስ ቈልዓ ከላ ሕጕስቲ ከም ዝነበረት ትገልጽ።
ብዕድመ እናዓበየት ክትከይድ ከላ ግን ኵነታት ተቐይሮም፤ ህይወት እናኸበደት ከይዳ።
ኣብ ሓሙሽተ ዓመታ፡ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ተረዲኣ። ተሓላቒን ረዳኢ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ምስ ዘስካሕክሕ ስቓይ ምንባር እዩ ትብል።
ሓደ ምሸት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኣቢላ እንከላ ኣደኣ ናብታ ሓደ ቦታ ወሲዳ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ኣራኺባታ።
እታ ሰበይቲ ናብ ሓደ ጸፍሒ ከውሒ እናመልከተት "ኣብዚ ኮፍ በሊ" ከም ዝበለታ ዋሪስ ትዝክር።
ኣደኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ከውሒ ኣቐሚጣታ። ብድሕሪኣ ኮፍ ኢላ ድማ ርእሳ ናብ ኣፍልባ ኣጸጊዓ ብኣእጋራ ገይራ ዋሪስ ኣጋሕትን ኣቢላታ። ኣብ መንጐ ኣስናና ቍራጽ ሱር ኣቐሚጣ ድማ "ነኺስኪ ሓዝዮ" ኢላታ።
ብተወሳኺ፡ "ንፍዕቲ ጓል ክትኰኒ ፈትኒ። ተባዕ እንተዄንኪ ብቕልጡፍ ክውድእ'ዩ" ከም ዝበለታ ትዛረብ።
እታ ሰበይቲ ካብ ሓደ ኣረጊት ቦርሳ፡ ወሰን ወሰኑ ዝነቐጸ ደም ዘለዎ ዝተሰብረ መላጸ ኣውጺኣ፤ ኣብቲ መላጸ ትፍ ኢላ ብክዳና ክትጸርግ ከም ዝረኣየት ዋሪስ ትዝክር። ብድሕረኡ ኣደኣ ኣዒንታ ብጨርቂ ሸፊናታ።
“ቀጺሉ ዝተሰምዓኒ ነገር ስጋይ ክትልተል እዩ። እቲ መላጸ ቆርበተይ ክግዝግዘኒ ከሎ ዝነበረኒ ስምዒት ክገልጾ ኣይክእልን። ኣእጋረይ ብዘይፍቓደይ ክንቅጥቀጣ ጀሚረን” ትብል። ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ ኣብ ሃለፍታ ኣትያ።
ክትበራበር ከላ እቲ ኣዒንታ ዝሸፈነ ጨርቂ ኣይነበረን። እታ ሰበይቲ ኣብ ጐድና ዘቐመጠቶም ኣእሻዅ ተጠቒማ ኣብ ቆርበታ “ነዃላት” ከም ዘዳለወት ትዛረብ።
ብድሕሪ’ዚ ተሪር ጻዕዳ ፈትሊ በተን ነዃላት እናስሎኸት ክትሰፍያ ከላ “እቲ ቃንዛ ግን ኣዝዩ ዕቱብ ስለ ዝነበረ፡ ክመውት ተመንየ” ትብል።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣእጋራ ካብ ዓንካርዓንካሪታ ክሳብ ምሕኵልታ ብጨርቂ ተኣሲሩ ክትንቀሳቐስ ከም ዘይትኽእል ተገይራ።
እቲ ዝነበረትሉ ከውሒ ዳርጋ በጊዕ “ዝተሓርደሉ ብደም ኣዕለቕሊቑ” ነይሩ። “ቁራጽ ስጋይ” ንኽነቅጽ ኣብቲ ከውሒ ተሰጢሑ ከም ዝነበረ ኣይርስዕን።
________________________
ባህሊ እቲ እትነብረሉ ማሕበረሰብ፡ ንዘይተመርዓወት ሰበይቲ ቦታ የብሉን፤ ስለዚ ኣደታት፡ ኣዋልደን ሰብኣይ ንክረኽባ ከዳልዋ ግቡአን ኰይኑ ይስምዐን።
ብባህሊ፡ ኣብ መንጐ እግሪ ጓል ኣንስተይቲ ሕማቕ ነገራት ተባሂሉ ይእመን። እዚ ብግርዘት እንተዘይተኣልዩ ድማ እታ ጓል ከም ረሳሕ፡ ክቱር ወሲባዊ ንጥፈት እትፍጽምን ንሓዳር ዘይትኸውንን ተገይራ’ያ ትሕሰብ።
ነታ እትኽንሽብ ሰበይቲ ዝኽፈል ገንዘብ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ወጻኢታት ስድራቤት’ዩ፤ ግንከ ከም ጽቡቕ ወፍሪ’ዩ ዝቝጸር። ብዘይ ንሱ፡ ኣዋልድ ሓዳር ክምስርታ ኣይክኽእላን’የን።
ዝርዝር ናይቲ ስርዓት ምኽንሻብ ምስጢር እዩ - ነተን ኣዋልድ ፈጺሙ ኣይንገረንን። ግዜአን ምስ በጽሐ ፍሉይ ነገር ከም ዝፍጸም ጥራይ እየን ዝፈልጣ። ስለዝዀነ ድማ ኵለን መንእሰያት ኣዋልድ ሶማልያ፡ ነታ ስነስርዓት ብስክፍታ’የን ዝጽበያኣ።
ድሕሪኡ እቲ ቍስሊ ተሰፍዩ ይዕጾ። ኣብቲ ብልዕቲ ክንዲ መርፍእ ርእሲ ትኸውን ነዃል ትግደፍ፤ ሽንቲን ጽግያትን በዛ ነዃል ኣቢሉ ንደገ ይፈስስ።
ድሕሪ’ቲ ስርዓት ዘሎ ትውፊት ኣብ ትሕቲ ገረብ ንእሽቶ ጎጆ ትዳሎ። እታ ዝተኸንሸበት ጓል ቍስላ ክሳብ ዝሓዊ ንሒደት ሰሙናት ንበይና ኣብዛ ጎጆ ተዕርፍ። ኣሓት ወይ ኣደ መግቢን ማይን የቐብላኣ።
እዚ ኢንፊቡሌሽን ዝበሃል ዘስካሕክሕ ልምዲ ምኽንሻብ ቀደም ኣዋልድ ኣብ ዓሰርተታት ዕድሚአን ምስ በጽሓ’ዩ ዝፍጸመ ነይሩ። ደሓር ግን ምስ ግዜ ኣብ ኣዝየን ንኣሽቱ ኣዋልድ ክፍጸም ጀሚሩ።
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ መጥባሕቲ፡ ጽሬት ብዘይብሉ መሳርሒታት እዩ ዝፍጸም፤ ዝዀነ መደንዘዚ’ውን ኣይወሃባን። ንኻልእ ሕማማት ረኽሲን ምትሕልላኽ ጥዕናን ከቃልዐንን ንሞት’ውን ከሳጥሐን ይኽእል'ዩ።
ምቝራጽ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዓብላሊ መልክዑ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 28 ሃገራት ይፍጸም እዩ። እዚ ልምዲ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ክሳብ 130 ሚልዮን ኣብ ዝበጽሓ ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ተፈጺሙ እዩ። ብውሑዱ ክልተ ሚልዮን ኣዋልድ ኣብ ዓመት ቀጻሊ ግዳያት ናይ ምዃን ሓደጋ የጋጥመን፤ እዚ ድማ ኣብ መዓልቲ 6000 እዩ።
________________________
ዋሪስ’ውን እቲ ምኽንሻብ ዘስዓቦ ቓንዛ ከይተጻወረት፡ ናብታ ዝተዳለወትላ ኣጕዶ ተወሲዳ።
ድሕሪ ሰዓታት ሽንቲ መጺኡዋ፤ ሓፍታ ብጐድና ኣንከባሊላ ኣብቲ ሑጻ ክትሸይን ነጊራታ። ገና ቅሩብ ጠብ ምስበለ፡ “ቆርበተይ ዳርጋ ብኣሲድ ዝተቓጸለ ኰይኒ ተሰሚዑኒ” ትብል።
ኣደኣ መግብን ማይን እናምጸትላ ኣብታ ኣጕዶ ኣብ ዝነበረትለን መዓልታት ብሓያል ሰዓል ተለኺፋ፡ ብዙሕ ግዜ ዕልወታ ይጠፍእ ነይሩ። ንኽልተ ሰሙናት ኣእጋራ ተኣሲራ ኣይትንቀሳቐስን።
“ግን ስለምንታይ እናበልኩ ካብ ምሕሳብ ሓሊፈ ካልእ ዝገብሮ ነገር ኣይነበረን” ትብል።
“እዚ ዅሉ ንምንታይ እዩ? ኣብቲ ዕድመ'ቲ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጥን። ዝፈልጦ ነገር እንተሃልዩ፡ ብፍቓድ ኣደይ ከም ዝተሓረድኩ ጥራይ’ዩ።”
ዋሪስ፡ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጸመ ስርዓት ተሳቕያ’ኳ እንተዀነት፡ ዕድለኛ ከም ዝዀነት ግን ይስምዓ። ብዙሓት ኣዋልድ ብሰንኪ ምፍሳስ ደም ወይ ረኽሲ ንሞት ተቓሊዐን’የን።
ሓዳር ኣብ እዋን ንእስነት
ዋሪስ ከባቢ 13 ዓመት እንከላ ኣቦኣ፡ "ከም ሰብኣይ ኣበርቲዕኪ ክትሰርሒ ጸኒሕኪ ኢኺ . . .” ኢሉ ኣዝዩ ክናፍቓ ከም ዝዀነ ነጊርዋ።
ዋሪስ ኣቦኣ ከይትጠፍእ ዝፈርሐ ስለዝመሰላ ሓቚፋ "ናብ ዝዀነ ቦታ” ከም ዘይትኸይድ ኣረጋጊጻትሉ።
"እወ ክትከዲ ኢኺ መዓረይ። ሰብኣይ ረኺበልኪ ኣለኹ።"
"ኣይፋልን ኣቦይ! ኣይምርዖን’የ" ኢላ ርእሳ ነቕነቐት።
ንጽባሒቱ ኣቦኣ፡ ነዊሕ ጻዕዳ ጭሕሚ ዘለዎ ብውሑዱ ወዲ 60 ዓመት ዝኸውን ሰብኣይ ሒዙ መጺኡ ከላልያ ትዝክር።
ኣዝያ ዝሰንበደት ዋሪስ ድሕሪ ሰላምታ ጎይያ ናብ ኣጣላ ተመሊሳ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ግን ኣቦኣ ምስ ጸውዓ፡ "ግን ኣዝዩ ኣረጊት’ኮ እዩ!" ኢላ።
"ንሱ እንድዩ ዝበለጸ ዝገብሮ። ኣረጊት ስለዝዀነ ናብ ዝኸደሉ የብሉን" መሊሱላ ኣቦኣ፤ ብዅርዓት ፍሽኽ ኢሉ ድማ "ሓሙሽተ ኣግማል ክህበኒ’ዩ" በላ።
በቃ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዋሪስ ክትጠፍእ ከም ዘለዋ ወሲና።
ከም ሰራሕተኛ ገዛ ካብ ሞቃድሾ ክሳብ ለንደን
ኣብ ጕዕዞኣ፡ ምስ ኣንበሳ ፊትንፊት ተፋጢጣ ግን ግዳይ ኣንበሳ ካብ ምዃን ድሒና፤ ሓደ መራሒ መኪና ክዕምጻ ምስ ፈተነ ርእሱ ብከውሒ ፈጊኣቶ ኣምሊጣ። ድሕሪ ትሽዓተ መዓልቲ ሞቓድሾ ምስ ኣዝማዳ ተራኺባ።
ኣብታ ርእሰከተማ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና ኣገልጊላ። ከም ሰራሒት ሕጡብ’ውን ተቘጺራ ሰሪሓ’ያ።
ብድሕሪኡ ኣብ እንግሊዝ ኣምባሳደር ሶማልያ ዝዀነ ሓደ ኣኮኣ ሰራሕተኛ ገዛ ከም ዝደሊ ሰሚዓ፤ ብዝከኣላ ተቓሊሳ ድማ ምስኡ ናብ ለንደን ግዒዛ ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና ክትሰርሕ ቀጺላ።
ኣኮኣ እዋኑ ወዲኡ ናብ ሶማልያ ክምለስ እንከሎ ድማ፡ ፓስፖርታ ሓቢኣ ከይተመልሰት ተሪፋ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዘይሕጋዊት ወጻእተኛ ኰይና ጸኒሓ፡ ኣብ ቤት መግቢ ማክዶናልድ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ኰይና ኣገልጊላ።
ኣብ ምሸታዊ ትምህርቲ ተመዝጊባ፡ እንግሊዝኛ ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂራ።
ኣብ 20 ዓመት ዕድመኣ፡ ብመጥባሕቲ ርሕሚኣ ክኽፈት ገይራ።
ብድሕሪኡ ኣብ ህይወታ ዋሪስ ካልእ ነጥበ-መቐይሮ ተፈጢሩ፤ ኣብ ቤት መግቢ እናሰርሐት ዝረኣያ ቴረንስ ዶኖቫን ዝተበሃለ ናይ ፋሽን ሰኣሊ ሞዴሊን ክትፍትን ሓሳብ ኣቕሪቡላ።
እንተዀነ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ሞዴላት ጽልኢ ስለዝነበረ ኣብ ብሪጣንያ ስራሕ ንክትረክብ ዘጋጠማ ጸገም ተጻዊራ ሓያሎ ልዑል ደረጃ ዘለዎም ስራሕቲ ሞዴሊን ክሳብ ምስራሕ በጺሓ።
‘ዕግበት ጾታዊ ርክብ ፈጺመ ኣይክፈልጦን እየ’
ሞዴሊን ዘሐጕስ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ዕግበት ኣይረኸበትን።
"ዕሽነት'ዩ” ኢላ ሓሲባ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ እተን ብሰንኪ ሓደ ሕሱም ስርዓት ዝሳቐያ ዘለዋ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድምጸን ከም ዘይስማዕ ተረዲኣ።
“ዕግበት ጾታዊ ርክብ ፈጺመ ኣይክፈልጦን እየ። ዘይምሉእ ኰይነ ይስምዓኒ፤ ስንክልቲ ኰይነ” ክትብል ዋሪስ ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ክሳዕ ሕጂ ምስ ጸገማት ጥዕና ከም እትቃለስ ትገልጽ።
እዚ ንክትቕይር ክትገብሮ እትኽእል ነገር የለን - ብዛዕባኡ ክትዛረብን ኣብ ህይወት ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ክተምጽእን ግን ትኽእል’ያ።
ዘይከም ሕጂ፡ ኣብ 1990ታት ብዛዕባ ምትልታል ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ንቕሓት ይዅን ዝዀነ ምንቅስቓስ ብዘይምንባሩ’ኳ መርገጺ ክትሕዝ ከም ዝደረኻ ትዛረብ።
ስለዚ ካብ 1997 ጀሚሩ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ ኵሉ ብግልጺ ብምዝራብ ምስቲ ሕቡእ ኲናት ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ክትቃለስ ጀሚራ።
“እዚ ግን ናይ ሓደ ሰብ ኲናት ኣይኰነን - ኩላትና ክንገብሮ ዘለና’ዩ" ትብል።
ብዓቢኡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ዝፍጸም ምትልታል ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ደው ክብል ብዝገበረቶ ጻዕሪ እቲ ጉዳይ ዓቢ ኣቓልቦ ክረክብ ክኢሉ’ዩ።
ኣብታ ቃልሲ ዝጀመረትላ ዓመት ድማ ፍልይቲ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኰይና ተመዚዛ።
ካብ 2002 ኣትሒዙ ድማ ኣንጻር ምትልታል ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝጕስጉስ ‘ደዘርት ፍላወር’ (ዕምባባ ምድረበዳ) ዝብል ናይ ባዕላ ፋውንዴሽን መስሪታ እቲ ተግባር ኣብ መላእ ዓለም ክጠፍእ ትቃለስ ኣላ።
ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመት ጕዕዞ ናብ ሶማልያ
ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እታ ሞዴልን ጎስጓሲትን ዋሪስ ዲሪ፡ ንኣደኣን ካልኦት ኣዝማዳን እዚ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ተግባር ደው ከብሉ ንምእማን ኣብ 1990ታት ናብ ሃገራ ተመሊሳ ነይራ።
“ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ናይ መጀመርታ ተልእኾይ’ዩ ነይሩ” ክትብል ንቢቢሲ መደብ ሃርድቶክ ገሊጻ።
“ማማ፡ ንደቂ ሓወይ፡ ወይ ንዝዀነ ትፈልጥዮ ሰብ፡ ዋላ ጐረባብቲ እንተዘይኣድሒንኪ፡ ኣይገድፈክን፤ ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ፖሊስ እየ ዝሰርሕ” ብምባል ንኣደኣ ከም ዘጠንቀቐት ትዛረብ።
ድሕሪ ብዙሕ ዘተ ኣብ መወዳእታ ኣደኣ ሓሳብ ቀይራ። “ኣእዳዋ ንላዕሊ ኣልዒላ ‘ይቕረ ግበረለይ፡ ኣይፈለጥኩን’ ኢላ” ትብል ዋሪስ።
ዋሪስ ክፋል ብልዕታ ስለዝተቘረጸት ንኣደኣ ኣይትወቅስን፣ ምኽንያቱ ስድራቤታ ቁርኣን ከም ዝጠልቦ’ዩ ተነጊርዎም።
ግርዘት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እስላማውን ክርስትያናውን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ባህልታት ዝፍጸም’ኳ እንተዀነ፡ ብሓቂ ግን ቁርኣን ይዅን መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ስርዓት ፈጺሙ ኣይጠቐሶን።